ትራምፕ ሚስጥራዊ ሰነዳት ኒዩክለር ኣሜሪካ ኣብ መሕጸቢ ክፍሉ ሓቢኡ ብምቕማጥ ተኸሲሱ

ምንጪ ስእሊ, DoJ
ፕረዝደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኒዩክለራውን ወተሃደራውን ሚስጥራት ኣሜሪካ ሓዊሱ፡ ኣማኢት ሚስጥራዊ ሰነዳት ብዘይግቡእ ብምሓዝ ተኸሲሱ።
እቲ 37 ገበናዊ ክስታት ዝሓዘ መዝገብ ገበናዊ ክሲ፡ እቶም ሰነዳት ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ ገዝኡ፣ ኣብ ሻወርን ኣብ ናይ ተልሂት ክፍልን ከም ዘቐመጦን ንመርመርቲ ከም ዝሓሰዎምን ይኸስስ።
ኣብ ኣተሓሕዛ እቶም ሰነዳት ንዝግበር ምርመራ ከተዓናቕፍ ከም ዝፈተነ እውን እቲ ገበናዊ ክሲ ይሕብር።
እቲ ኣብ ፕረዝደንታዊ መረፃ 2024 ዝወዳደር ትራምፕ ግና ዝኾነ ዓይነት ጌጋ ከም ዘይፈፀመ ብምግላፅ፡ ንኩሎም ክስታት ይኽሕዶም።
ኣብ ልዕሊ ውልቀ ሓጋዚ እቲ ፕረዝደንት ነበር ዝነበረ ዋልት ናውታ እውን፡ ክሲ ተመስሪቱ ኣሎ።
እቲ ናይ ዋይት ሃውስ ወተሃደራዊ ኣገልጋሊ ዝነበረ ዋልት ናውታ፡ ሰነዳት ዋይት ሃውስ ካብ ኤፍቢኣይ ንምሕባእ ብምግዓዝ ተኸሲሱ ኣሎ።
49 ገፃት ዝሓዘ እዚ ገበናዊ ክሲ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ልዕሊ ነበር ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዝተመስረተ ፌደራላዊ ክሲ ዝሓዘ እዩ። ትራምፕ ኣብ ሳንዱቓቱ ዘቐመጦም ሚስጥራዊ ሰነዳት ብዛዕባ፡
- መደባት ኒዩኩለር ኣሜሪካ
- ናይ ኣሜሪካን ሃገራት ወፃእን ዓቕሚ ምክልኻልን ኣፅዋርን
- ኣሜሪካን መሻርኽታን ንወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክህልወን ዝኽእል ተቓላዓይነት
- ካብ ሃገራት ወፃኢ ንዝፍፀም መጥቃዕቲ፡ ሕነ ንምፍዳይ ዘኽእሉ መደባት ዝምልከቱ እዮም።
ዶናልድ ትራምፕ ካብ ዋይት ሃውስ ክወፅእ እንከሎ፡ ኣስታት 300 ሚስጥራዊ ፋይላት፡ ናብ ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ኣብ ገማግም ውቅያኖስ ዝርከብን ክባር ናይ ውልቀ ኣባላት መዘናግዒ ማእኸል ዘለዎን መንበሪ ገዝኡ ከም ዝወሰደ ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊፆም።
እዚ ምሽጥራዊ ሰነዳት ኣሜሪካ ዝተረኸበሉ ማር-ኣ-ላጎ እንዳ ትልሂት ሓዊሱ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣባላት፣ ኣጋይሽን ዘተኣናገደ እዩ።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ትራምፕ፡ ጠበቕኡ “ክሓብኦም ወይ ከወግዶም” ወይ ከኣ ንመርመርቲ ሰነዳት ምስኡ ከምዘየለዉ ክነግሮም ብምሕባር፡ ኤፍቢኣይ፡ ኣብቶም ዝጠፍኡ ሰነዳት ምርመራ ከየካይድ ከም ዘተዓናቐፈ ሓቢሮም።
ትራምፕ ንሓደ ጠበቓታቱ፡ “ኣብዚ ዋላ ሓደ የብልናን ኢልና ተነገርናዮም ኣይሓይሽን?” ከም ዝበሎ እዚ ገበናዊ ክሲ የመልክት።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ድሮ መበል 77 ዓመት ልደቱ፡ ኣብዚ ጉዳይ ቀፃሊ ሰሉስ ኣብ ሚያሚ ፍሎሪዳ ኣብ መጋባእያ ክቐርብ እዩ።
ማር-ኣ-ላጎ፡ እዞም ሚስጥራዊ ሰነዳት ክቕመጠሉ ወይ ድማ ክዝተየሉ፡ “ዝተመደበ ቦታ” ከምዘይኮነ ድማ እዚ ገበናዊ ክሲ ሓቢሩ።
ገለ ካብቶም ሚስጥራዊ ሰነዳት ኣሜሪካ፡ ሰባት ኣብ ዝእከብሉ ክፍሊ እንዳ ትልሂት ተኸዚኖም ከም ዝነበሩን ደሓር ከኣ ናብ ሻወር፣ ቤት-ፅሕፈትን መደቀሲ ክፍሊ ትራምፕን ተወሲዶም ይብል እዚ ገበናዊ ክሲ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







