ዘለንስኪ፡ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ‘ጸረ-መጥቃዕቲ ዩክረይን ተጀሚሩ’ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ንነዊሕ እዋን ትጽበዮ ዝነበረት ጸረ መጥቃዕቲ ከምዝጀመረ ዳርጋ ኣረጋጊጹ።
"ጸረ መጥቃዕትን ምክልኻልን ስጉምትታት ይካየድ ኣሎ" ኢሉ።
ንሱ ግን እቲ ጸረ-መጥቃዕቲ ኣብ ኣየናይ መድረኽ ወይ ግዝኣት ከምዘሎ ብዝርዝር ከምዘይዛረብ ወሲኹ ገሊጹ።
እዚ ርእይቶ ዝተውሃበ፡ ኣብ ደቡብን ምብራቕን ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእን፡ እቲ ብሰፊሑ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ፡ ጸረ-መጥቃዕት ምዕባለታት ከምዘርአየ ኣብ ዝዝረበሉ እዋን እዩ።
ወተሃደራት ዩክረይን ብምብራቕ ከባቢ ባክሙት፡ ብደቡብ ድማ ኣብ ከባቢ ዛፖሪዝዝያ ገስጊሶም፡ ኣብ ዒላማታት ሩስያ ናይ ነዊሕ ርሕቀት መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ይግለጽ።
ኣብ ግንባር-ውግእ ንዘሎ ክውንነት ምግምጋም ግን ኣጸጋሚ እዩ፡ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ተፃራራሪ ትረኻታት የቕርቡ ኣለዉ፡ ዩክሬን ከምዝገስገሰት እንትትገልፅ፡ ሩስያ ድማ መጥቃዕቲ ትምክት ከምዘላ ትዛረብ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ካሉጋ፡ ቭላድስላቭ ሻፕሻ፡ ብቴሌግራም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ትማሊ ቀዳም ኣጋ ምሸት ኣብ ጥቓ ቁሸት ስትረልኮቭክ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከም ዝወደቐት ገሊጹ።
ቢቢሲ ነቲ ጸብጻብ ብናጻ ኣየረጋገጾን።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብዓርቢ ኣብ ዝተዘርግሐ ናይ ቪድዮ ቃለ መሕትት፡ ሓይልታት ዩክረይን ብርግጽ መጥቃዕቲ ጀሚሮም ከምዘለዉ፡ እንተኾነ ግን ፈተነ ምግስጋስ ብኸቢድ ዕንወት ከምዝፈሸለ ገሊጹ።
ዘለንስኪ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ ድሕሪ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ኪየቭ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንቃላት መራሒ ሩስያ "ግርም ደኣ" ክብል ገሊጽዎ።
ዘለንስኪ፡ ኣእዳዉ እናወጣወጠ፡ ንመራሒ ሩስያ "ነዊሕ እዋን ከምዘይተረፎ” ተሓኒይሉ።
ብተወሳኺ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዩክረይን ኣብ ናይ ዓወት መንፈስ ኰይኖም፡ "ንፑቲን ንገረልና" ኢሎም።
ትሩዶ ኣብቲ ዘይተገልጸ ዑደት ንዩክሬን 500 ሚልዮን ዶላር ካናዳ (297 ሚልዮን ፓውንድ) ሓድሽ ወተሃደራዊ ሓገዝ ከምዝህብ ኣፍሊጡ።
ድሕሪ እቲ ዝርርብ ዝወጸ ሓባራዊ መግለጺ፡ ካናዳ ዩክሬን "ኩነታት ምስ ዝፈቐደላ" ኣባል ኔቶ ክትከውን ከም እትድግፍ ብምግላጽ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ኔቶ ክዝተየሉ ምዃኑ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ’ቲ ቁልፊ ደቡባዊ ግዝት፡ ዛፖሪዝዝያ ውግእ ከምዝተጋደደ ሰበ-ስልጣን ሩስያ ገሊጾም።
ሓይልታት ዩክሬን ነቲ ንሩስያ ምስ ክሪሚያ ዘራኽብ ዝተጎበጠ መሬት ብምስባር ንሓይልታት ሩስያ ኣብ ክልተ ንምምቃል ንደቡብ ክደፍኡ ይጽዕሩ ከምዘለዉ ይግመት።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግድብ ኖቫ ካኮቭካ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ብዝተፈጥረ ገዚፍ ዕልቕልቕ ተስፋ ግስጋሰ ዩክረይን ክዕንቀፍ ይኽእል እዩ።
እቲ ውሕጅ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ሩባ ድኒፕሮ ኣስታት 230 ትርብዒት ማይልስ (596 ትርብዒት ኪ.ሜ) ሸፊኑ ኣሎ።
ዘለንስኪ ትማሊ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ካብቲ ብማይ ዝተዓለቕለቑ ዞባታት ከርሰንን ማይኮላይቭን 3 ሽሕ ሰባት ከምዝደሓኑ ገሊጹ።
ኣብ የማናይ ገምገም እቲ ሩባ - እዚ ሩባ እዚ ብዩክረይን ዝውነን መሬት - ልዕሊ 30 ሰፈራታት ብማይ ከምዝተዕለቕለቑን ዳርጋ 4000 መንበሪ ህንጻታት ከምዝተሃስዩን ገሊጹ።
ኔቶን ሰራዊት ዩክረይንን ሩስያ ነቲ ግድብ ፈንጂራቶ ክብሉ እንከለዉ፡ ሩስያ ድማ ንዩክሬን ወቒሳ ኣላ።
ይኹን እምበር፡ ነቲ ግድብ ዝቆጻጸር ዝነበረ ሓይልታት ሩስያ፡ ከም ኣካል ናይቲ ዝቕጽል ዘሎ ጸረ-መጥቃዕቲ፡ ሓይልታት ዩክረይን ነቲ ሩባ ንምስጋር ዝያዳ ከጸግሞም ኢሉ ዘዕነውዎ ክኸውን ልዑል ተኽእሎ ዘለዎ ይመስል ይብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፖል ኣዳምስ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







