ግድብ ዩክረይን ምፍራሱ ስዒቡ፡ ኣሽሓት ሰባት ተመዛቢሎም

ከተማ ኬርሶን ኣብ ትሕቲ እቲ ግድብ ኣብ 50 ማይልስ ርሕቐት ትርከብ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ኖቫ ካክሆቭካ ዝርከብ ዓብይ ግድብ ዩክረይን ምፍራሱ ስዒቡ፡ ኣብ ታሕተዋይ ከባቢ እቲ ግድብ ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ይወፅኡ ኣለዉ።

ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ 80 ከተማታትን ገጠራትን ብውሕጅ ክዕልቕለቓ ከም ዝኽእላ ሓቢሩ። እቲ ፕረዚደንት፡ እቲ ግድብ ብሩስያ ከም ዝፈረሰ ድማ ገሊፁ።

ናብ ሩባ ዲኒፕሮ ዝውሕጅ ዘሎ ማይ፡ ኣብ ከተማ ኬርሶን ከቢድ ሓደጋ ውሕጅ ከስዕብ ከም ዝኽእል ይግለፅ ኣሎ።

ሩስያ ነቲ ንሳ እትቆፃፀሮ ዓብይ ግድብ ከም ዘየፍረሰት ብምንፃግ፡ ብደብዳብ ዩክረይን ከም ዝፈረሰ ከሲሳ።

ቢቢሲ ንክሲ ዩክረይን ኮነ ሩስያ ኣየረጋገፆን።

ኣብ ትሕቲ እቲ ዝዓበየ መኽዘን ካክሆቭካ ዝርከብ ግድብ ካክሆቭካ፡ ነዚ ዞባ ወሳኒ እዩ።

እዚ ግድብ፡ ንሓረስቶትን ነበርትን ከምኡ እውን ንመደበር ኑክሌር ዛፖርዚዣ ምንጪ ቀረብ ማይ እዩ ነይሩ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ናብታ ብሩስያ ዝተጐበጠት ክሪምያ ማይ ዝወስድ ቀንዲ መትረብ እውን እዩ።

ኣማሓዳሪ እቲ ብመንግስቲ ዩክረይን ዝውነን ምንጪ ፀዓት ዩክሪሃይድሮኢነርጎ ካብቲ መኽዘን (ሓፅቢ) ማይ ንታሕቲ ዝወርድ መጠን ማይ፡ ክዛይድ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ዘሎ ግዘ መጠን እቲ ማይ ከንቆልቁል ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝዓበየን፡ ንመዝሓሊ ዝተኸዘነ ማይ ዝጥቀምን መደብር ኑክሌር ዛፖርዚዣ እውን ስክፍታታት ኣለዉ።

ዓለምለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ (IAEA)፡ ኣብኡ ዘሎ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከም ዝኾነን፡ ነቲ መደብር “ሃንደበታዊ ስግኣት ደሕንነት ኑክሌር ከም ዘየለን” ኣፍሊጡ።

ብርቱዕ ውሑጅ ነቲ ግድብ ሰይሩ ክውሕዝ እንከሎ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ የርእይ። ብዙሓት ከተማታት ብውሑጅ ኣዕለቕሊቐን እየን፤ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል እቲ ግድብ ዝነብሩ ሰባት ድማ፡ ብኣውቶብስን ባቡርን ክሃድሙ ተገዲዶም ኣለዉ።

ምክትል ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ቪክቶርያ ሊትቪኖቫ ብሃገራዊ ተሌቬዥን ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ካብቲ ከባቢ 40 ሽሕ ሰባት ክግዕዙ ከም ዘለዎም ገሊፃ። ካብዚኦም እቶም 17 ሽሕ ሰባት ኣብቲ ዩክረይን ትቆፃፀሮ ምዕራባዊ ክፋል ሩባ ዲኒፕሮ፡ 25 ሽሕ ድማ ሩስያ ኣብ ትቆፃፀሮ ምብራቓዊ ክፋል ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ዩክረይን ኢሆር ክሊመንኮ ብወገኑ፡ ዛጊድ ሓደ ሽሕ ሰባት ከም ዝገዓዙን 24 ከባብታት ብውሕጅ ከምዘዕለቕለቑን ገሊፁ።

ምውሳኽ መጠን እቲ ማይ ኣብ ከባብታት ዕደና ጉድኣት ከየብፅሕ እውን ተሰጊኡ ኣሎ።

ኣብ ጥቓ እቲ ግድብ ዝነብር ኣንድሪ፡ “ሩስያ ንከተማይ ክተጥሕል እያ ደልያ” ኢሉ።

“ውሑጅ ከይወስደና ፈሪሕና” ኣለና ዝበለት ነባሪት ኬርሶን ሉድሚያ ድማ፡ “ሩስያውያን ካብዚ ክወፅኡ ኣለዎም። ኣብ ልዕሊና ይትኩሱ፤ ሕዚ ድማ ብማይ ከጥሑልና ደልዮም” ክትብል ተዛሪባ።

ካልእ ሸርሊ ዝበሃል ነባሪ እታ ከተማ ብወገኑ፡ “ኩሉ ነገር ኢና ክንስእን፤ ሂወት ዘለዎ ኩሉ ክጠፍእ እዩ” ኢሉ።

ኣብቲ ብሩስያ ዝተትሓዘ ገምገም ሩባ ኖቫ ካክሆቭካ ብክረምሊን ዝተሾመ ከንቲባ እቲ ከባቢ ቭላድሚር ሊዮንቴቭ፡ እታ ከተማ ብማይ ከም ዝተውሓጠትን 900 ሰባት ከምዝገዓዙን ሓቢሩ።

መጠን እቲ ማይ 11 ሜትር ከም ዝበፅሐን፡ ገለ ነበርቲ ከኣ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወሰዱን ወሲኹ ገሊፁ።

ሕዛእቲ ካዝኮባ ዲብሮባ እውን፡ ብማይ ብምምልኡ 300 እንስሳት ከም ዝሞቱ ተገሊፁ።

ካብቲ ግድብ ዝውሕጅ ማይ

ምንጪ ስእሊ, Maxar Technologies/Reuters

ጠንቂ ምፍራስ እቲ ግድብ እንታይ ምዃኑ ንፁር እኳ እንተዘይኮነ፡ ዩክረይን፡ ሩስያ ኮነ ኢላ ከም ዘፍረሰቶ ከሲሳ።

ወተሃደራት ዩክረይን ነቲ ግድብ ተጠቒሞም ሩስያ ናብ ዝሓዘቶም ከባብታት ከይግስግሱ ብምስጋእ፡ ሞስኮ ነቲ ግድብ ኣፍሪሳቶ ክትኾነሉ ትኽእል ዕድል ሰፊሕ እዩ።

ሩስያ ብወገና፡ ዩክረይን ዝበርዐነ መሊስካ ናይ ምጥቃዕ ስጉምታ ንምሽፋን፡ ነቲ ግድብ ኣፍሪሳቶ ክትኸውን ከም ትኽእል እያ ትኸስስ።

ብሰሉስ ፕረዝደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ምፍራስ እቲ ግድብ ንዩክረይን ደው ከምዘየብላ ብምሕባር፡ “ሕዚ እውን ኩሉ መሬትና ሓራ ክነውፅኦ ኢና” ኢሉ።

ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን ሃና ማልያር’ውን ብሰኑይ፡ ወተሃደራት ዩክረይን ሕመረት እቲ ኩናት ኣብ ዝኾነት ባኽሙት ብዛዕባ ዝገብርዎ ገስጋስ ሓቢራ። እቲ መሊስካ ምጥቃዕ ተጀሚሩ ድዩ ዝብል ግና ኣይተዛረበትን።

ባኽሙት ንኣዋርሕ ማእኸል ከቢድ ኲናት ኮይና ፀኒሓ እያ።

ሓላፊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ጄንስ ስቶልትበርግ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ግድብ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንዝፈፀመቶ “ጭካነ መርኣያ’ዩ” ኢሉ።