ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ጸረ-መጥቃዕቲ ተካይድ ከምዘላ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዩክረይን እዚ ሰሙን ናብ ጸረ መጥቃዕቲ ዝተሳገረትሉ መድረኽ ከምዝኾነ ይግለጽ ኣሎ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን “ጸረ መጥቃዕቲ ዩክረይን ተጀሚሩ’ሎ” ኢሉ። በርግጽ ንሒደት ሰሙናት ዝኸውን ወፍሪ ጸረ መጥቃዕቲ ይካየድ ከምዘሎ ብጽንጽንታ ክስማዕ ቀንዩ’ዩ።
ዩክረይን፡ “ቀልባሲ ወፍሪታት” ዝብል ስያመ እያ ሂባቶ። ተተኰስቲን ሚሳይላት ነዊሕ ርሕቀትን ትጥቀም ከምዘላ’ውን ይግለጽ።
ወተሃደራት ዩክረይን ናብ ዶባት ሩስያ ምስ ዕጥቆም ይጓዓዙ ከምዘለዉን፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሩስያ ወፍርታት ንምክያድ ኣብ ዘኽእል ቁመና ከም ዝርከቡን መስራቲ ማእከል ምትሕብባር ድሕነት ሼሪ ኩዛን ተዛሪቡ።
ወተሃደራት ዩክረይን ኣብ መገዶም ዕንቅፋት ከምዝገጠሞም ገለ ዝወጽኡ ስእልታትን ቪድዮታትን የመልክቱ።
“ኣብ ገለ ከባቢታት ዓወት ኣሎ። ኣብ ገለ ግንባራት ድማ ስዕረት ኣይሰኣንን” ክብል፡ እቲ መስራቲ ማእከል ድሕነት ሓቢሩ።
እንተዀነ፡ ካብ ዛፖርዚዝያ ንኣንፈት ደቡብ ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ፡ ኣበየናይ ቦታ እንታይ ተኸሲቱ ዝብል ግን መረዳእታ ኣይሃበን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓቢይ ግድብ ዩክረይን ድሕሪ ምፍራሱ፡ ኣቓልቦ ብዙሓት ኣብቶም ግዳያት ውሑጅ ኰይኑ’ዩ ቀንዩ፤ ኣብ ምፍራስ እቲ ግድብ ክልቲአን ሃገራት ንሓድሕደን ይካሰሳ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ወተሃደራት ዩክረይን በቲ መንገዲ ተጠቒሞም ናብ ኬርሶን ኣትዮም ከምዝነበሩ ክግለጽ እንከሎ፡ ዋላ'ኳ ክረምሊን እንተዘይኣመነትሉ፡ ጕዕዞ ወተሃደራት ዩክረይን ንምግታእ ነቲ ግድብ ተቘጻጺሮሞ ዘለዉ ሓይልታት ሩስያ ንኸፍርስዎ ወሲኖም ክዀኑ ዘሎ ተኽእሎ ልዑል ይመስል።
መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስተር ሓይልታት ምክልኻል ብሪጣንያ፡ “ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ውግእ ቀጺሉ’ሎ። ኣበጋሲት እቲ ወግእ ድማ ዩክረይን’ያ” ዝብል ሓበሬታ ኣብ ብትዊተር ጽሒፉ ምንባሩ ይዝከር።
ሚኒስተር ሓይልታት ምክልኻል ሩስያ ሰርጌ ሸውጊ ብወገኑ፡ ሰራዊት ሩስያ ንጸረ መጥቃዕቲ ወተሃደራት ዩክረይን ከምዝመከቱ ኣፍሊጡ።
መበል 47 መካናይዝድ ብርጌድ ዩክረይን ዶብ ሩስያ ጥሒሱ ንምእታው ከምዝፈተነ እውን ተገሊጹ።
መራሕቲ ዩክረይን ብዛዕባ'ቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝካየድ ዘሎ ወፍሪታት ብዙሕ ሓበሬታ ክህቡ ኣይረኣዩን ዘለዉ።
እቲ ውግእ ኣብ ዶባት ሩስያን ዩክረይንን ዝቕጽል ዘሎ ኰይኑ ዩክረይን ናብ ሩስያ ክትኣቱ ከምእትኽእል ወተሃደራዊ ተንተንቲ ይገልጹ።
ዩክረይን ካብ ባኽሙት ንኣንፈት ደቡብ ኣብ ዘሎ ከባቢ ጸረ መጥቃዕቲ ተካይድ ከምዘላ ክዝረብ’ኳ እንተጸንሐ፡ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ድሕነትን ምክልኻልን ዩክረይን ኦልከሲ ዳኒሎቭ ግና ሓቂ ከምዘይኰነ ተዛሪቡ።
ንሱ፡ “ወፍሪ ጸረ መጥቃዕቲ ክንጅምር እንከለና ኩላትኩም ክትፈልጥዎ ኢኹም” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዩክረይን ንኣጋር ተዋጋእቲ ዝሕግዛ ነፈርቲ ውግእ ዋሕዲ ስለዘለዋ ከም ሓደ ዕንቅፋት ይርአ። እቲ ካልእ ዕንቅፋት ክኸውን ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ዝተገመተ ድማ፡ ጉዳይ ግዜ’ዩ።
እቲ ወፍሪ ጸረ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ወርሒ ዝወስድ ኰይኑ፡ ዩክረይን ናብ ናይ ዝናብ ወቕቲ ትኣቱ ስለዘላ መሳርሒታት ኵናት ንምንቅስቓስ ከጸግማ ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።
ዩክረይን ናብ መሬት ሩስያ ክትኣቱ እንተኽኢላን ሩስያ ምስ ክረሚያ ዘራኽብ ድልድል እንተሰይራቶን፡ ዓቢይ ዓወት ከምዝኸውን ተገሚቱ። እንተዀነ፡ እዚ’ውን ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ግዜ ከምዝዀነ ተፈሊጡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







