ኣቶ ጌታቸው ረዳ: ምምሕዳሩ ግዝኣታዊ ሓድነትን ሰላምን ትግራይ ኣብ ምርግጋጽ ከም ዘተኵር ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Tigray TV
ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላምን ሓድሽ ፖለቲካዊ ለውጥን ንምምጻእን ተሓታትነት ገበናት ኲናት ክረጋገጽን ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ።
ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኰይኑ ዘተሸመ ኣቶ ጌታቸው ነዚ ዝገለጸ፡ ሎሚ 24 መጋቢት ንጋዜጠኛታት እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዩ።
እቲ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ምስ ማእከላይ መንግስቲ ኣብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ዝጸንሐ ህዝቢ፡ “ቃልሱ ምኽንያታዊ’ዩ ነይሩ” ብምባል፡ ሕጂ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከሰጋግሮ ዝኽእል ሰላማዊ ቃልሲ ከም ዝተጀመረ ተዛሪቡ።
ኣቶ ጌታቸው፡ ድሕሪ እቲ ከቢድ ደማዊ ውግእ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝነበሩ ፍልልያት ብሰላምን ዘተን ንምፍታሕ “ተስፋ ዝህቡ ስጕምታት ክውሰዱ” ጀሚሮም ኣለው ክብል ገሊጹ።
ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ ጠንቂ ሞትን ምዝንባልን ሚልዮናት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ትግራይ ልዑል ሰብኣውን ቍጠባውን ሃስያ ከም ዘውረደ ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ።
እቲ ኲናት ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶሪያን ናይሮብን ድሕሪ ዝተበጽሑ ስምምዓት ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት ደው ክብል እንከሎ፡ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ማእከላይ መንግስትን መራሕቲ ህወሓትን ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምቋም ዘኽእሉ ፖለቲካዊ ስርሓት ክሰርሑ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ።
ኣቶ ጌታቸው፡ ሰላም ንምጕልባት ብወገን መንግስቲ ፈደራል ዝውሰዱ ዘለው ስጕምታት ንሓባራዊ ረብሓታት ምትእምማን ጉልበት ዝህቡ እዮም፡ ብምባል፡ መንግስቲ፡ ህወሓት ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ክስረዝ ምግባሩ እቲ ዝተጀመ ጻዕሪ ሰላም ኣብ ምጥንኻርን ምስፋሕን ዓቢይ ተራ ከም ዝህልዎ ሓቢሩ።
ሓድሽ ምምሕዳሩ ኸኣ እቶም ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዝተጀመሩ ርክባት ብምጥንኻር ዝሓሸ ምትእምማን ንኽፍጠር ዘኽእሉ ስጕምታት ክውሰዱ ጻዕሩ ከም ዘሐይል ገሊጹ።
ንቐንዲ ዕማማት እቲ ምምሕዳር ኣመልኪቱ እንታይ ኢሉ?
እቲ ርእሰ ምምሕዳር ውክልና ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘረጋግጽን ኣሳታፍን ዝዀነ ምምሕዳር ንምቛም ፈጻሚ ኣካል እቲ ክልል ሓላፍነት ከም ዝተዋህቦ ትማሊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ እቲ ዝምስረት ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ንዅሉ ዘሳተፈን ኵሎም ዓቕምታት ትግራይ ዝእክብን ክኸውን ጻዕሪ ተገይሩ እዩ ዝበለ ኰይኑ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኵሎም ኣረኣእያታት ዕድል ዝረኽብሉ ሓድሽ ፖለቲካዊ ለውጥን ምድግጋፍን ክህሉ ዝገብር ፍሉይ ምዕራፍ እዩ ኢሉ።
“እዚ ለውጢ ዋላ ምስ ብዙሕ ጕድለታቱ፡ ናብ ድሕሪት ክምለስ፡ ክሰናኸልን ክተዓናቐፍን የብሉን። ብዝበለጸ ክጠናኸር ኵሉ ትግራዋይ ክረባረበሉ ዝግባእ’ዩ፤ ህወሓት ነዚ ሓድሽ ጕዕዞን ለውጥን ኣብነታዊ ተራኡ ከም ዝጻወት ከረጋግጽ እደሊ” ኢሉ።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝህልዎ ጻንሒት ሓጺር ከም ዝዀነ ዝገለጸ እቲ ርእሰ ምምሕዳር፡ ንመጻኢ ዕድላት እቲ ክልል ዝውስኑ ሓላፍነታት ዝሽከም ምዃኑ ተዛሪቡ።
ሰላምን ድሕነትን ህዝቢ እቲ ክልል ውሑስ ምግባር ካብቶም ኣውራ ተልእኾታት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝዀነ ዝጠቐሰ ኣቶ ጌታቸው፡ እቲ ሰላም ዘተኣማምን ብምግባር፡ ህዝቢ ንሓደጋ ከይቃላዕ ናይ ኵሎም ንኣሽቱን ዓበይትን ስምምዕ መበገሲ ትግባረ ክኸውን ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።
ካብዚ ሓሊፉ እቲ ዝተጀመረ መስርሕ ሰላም፡ ኣብ ሓጺርን ነዊሕን ግዜን ንዝመጽእ ሰላም ዘጠናኽርን ንጠንቂ 'ቲ ኲናት ዝፈትሕን ዘላቒ ብሄራዊ ረብሓን መሰል ርእሰ ውሳነን እቲ ክልል ዘረጋግጽ ንክኸውን ፍሉይ ትዅረት ሂቡ ክሰርሓሉ ከም ዝዀነ ጠቒሱ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ሕገ መንግስታዊ ብዝዀነ ኣገባብ ንኽፍታሕ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ከም ዝተቐመጠ ዘዘኻኸረ ኣቶ ጌታቸው፡ ሕገ መንግስታዊ መሬት ትግራይ ምርግጋጽ ካልእ ቀንዲ ዕማማት ምምሕዳሩ ከም ዝዀነ ሓቢሩ።
“ምዕራብ ትግራይ፡ ደቡብ ትግራይ፡ ኣካል ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዝዀነ ጸለምቲ ናብ ንቡር ኣይተመልሰን ጥራይ ዘይኰነ ክበጽሕ ዝጸንሐ ምፍንቓልን ምጽናት ዓሌትን ሕዚ’ውን ብግሁድ ይቕጽል ኣሎ። ካብዞም ከባቢታት ዝተፈናቐለ ህዝቢ ብህጹጽ ናብ መበረቱ ክምለስ ኣለዎ። ብመሰረት እቲ ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕገ መንግስቲ መሬት ትግራይ ናይ ትግራይ’ዩ” ኢሉ።
እቶም ኣብ ልዕሊ እዞም ከባቢታት ዝቐርቡ ሕቶታት ብሰላማውን ሕገ መንግስታውን መገዲ ክፍጸም ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ “ሓይልታት ጸጥታ ኣምሓራ ነዚ ክግንዘቡ፣ ዝተጀመረ ሰላም ዘተዓናቕፉ ተግባራት ካብ ምፍጻም ክቝጠቡ ሓደራ ክብል እደሊ፤ ንርክብ ክልቲኦም ህዝብታት ዘምጽኦ ሳዕቤን’ውን ቀሊል ስለ ዘይከውን” ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ብዛዕባ ሓይልታት ኤርትራ
ኣቶ ጌታቸው ኣብ መግለጺኡ፡ ካብ ትግራይ ከውጽኡ ጸቕጢ ክግበረሎም ዝጸንሐ ሰራዊት ኤርትራ፡ ካብ ዝሓለፈ ጥሪ ጀሚሩ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምዕራብን ማእከላይን ትግራይ ከም ዝወጽኡ'ኳ እንተተገልጸ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሕጂ’ውን ኣካል ልኡላዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ካብ ዝዀነ መሬት (ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ) ኣይወጽአን ክብል ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ፈደራል ተሰሊፎም ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ከም ዝተዋግኡ ይፍለጥ።
ኵሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ሓይልታት ብገበናት ኲናትን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ክኽሰሱ ጸኒሖም’ዮም፤ እንተዀነ፡ ኵሎም ነቲ ክሲ ክነጽግዎ እዮም ጸኒሖም።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ድማ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት 2022 ቤት ጽሕፈቱ፡ “ኵሎም ተሳተፍቲ ሓይልታት‘ቲ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ገበን ኲናት ፈጺሞም እዮም ናብ ዝብል ውሳነ በጺሑ፡” ምባሉ ይዝከር።
ኣቶ ጌታቸው ኣብዚ ናይ ሎሚ መግለጺኡ፡ “ተወሳኺ ግፍዕን በደልን ይፍጸም ኣሎ፤ መንግስቲ ፈደራል ይዅን ማሕበረሰብ ዓለም ስቓይ ህዝብና ከብቅዕ፡ ምሉእ ሰላም ክመጽእ ዝከኣል ኵሉ ክገብሩ በዚ ኣጋጣሚ እጽውዕ” ኢሉ።
ብተወሳኺ. . .
ብኻልእ ወገን ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብቲ ኲናት ንዝተፈጸሙ ገበናት ተሓታትነት ንኽረጋገጽ ከም ዝሰርሕ ተዛሪቡ፤ ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ንምሕዋይ፡ ዳግመ ህንጸት ቍጠባ እቲ ክልል ብቕልጡፍ ንምጅማር፡ ፖለቲካውን ደሞክራሲያውን ዕረያ ንምምጻእ ክሰርሕ ምዃኑ'ውን ኣመልኪቱ።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ምስ ጐረባብቲ ክልላትን ሃገራትን ኣብ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ትዅረት ዝገበረ ሰላማዊ ርክባት ንኽፍጠር ክስራሕ ምዃኑ ዝገልጽ ኣቶ ጌታቸው፡ ሰላም እታ ሃገርን እቲ ዞባን ናብ ዝሓሸ ብርኪ ዘሰጋግር ስራሕ ንምስራሕ ጻዕሪ ከም ዝገብር ኣሚቱ።
እዞም ህዝብታት ልዕሊ ዅሉ ኣሕዋት ህዝብታት እዮም ብምባል ኣቶ ጌታቸው፡ "ዝሓለፈ ሓሊፉ ኣሎ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ክንሓስብ ንወለዶታት ርሁውን ትስፉን ኣሰር ክንገድፍ ይግብኣና። ብወገንና እዚ ንምግባር ብዝለዓለ ትግሃት ክንሰርሕ ኢና፡" ክብል ኣረጋጊጹ።
እዞም ዕማማት ንምዕዋት፡ መንእሰያት፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዲያስፖራ፡ ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ወፍሪ ዳግመ ህንጸት እቲ ክልል ክዓስሉ ጸዊዑ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ሰላም ንኽመጽእ ዝገበሮ ጻዕሪ ብምምስጋን፡ ንዳግመህንጸት እቲ ክልል፡ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋጽ፡ መስርሕ ሰላም ዘተዓናቕፉ ሓይልታት ንኽእደቡን ዝተፈጸመ ጥፍኣት ተሓታትነት ንኽረጋገጽን ዝገብርዎ ሓገዝ ከይፍለዮ ጸዊዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







