ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኰይኑ ተሸይሙ

ጌታቸው ረዳ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገይሩ ከም ዝሸመ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።

ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ክቐውም ብዘሕለፎ ውሳነ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ሰላም ንምስፋንን ግጭት ብዘላቕነት ደው ንምባልን ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፡ እዩ እዚ ሽመት ርእሰ ምምሕዳር ተዋሂቡ ዘሎ።

በዚ መሰረት እቲ ቤት ጽሕፈት ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ርእሰ ምምሕዳር ውክልና ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘረጋግጽን ኣሳታፍን ዝዀነ ምምሕዳር ንምቛም ፈጻሚ ኣካል እቲ ክልል ሓላፍነት ከም ዝተዋህቦ ገሊጹ።

ትማሊ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ ንህወሓት ካብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ከም ዝሰረዞ ይዝከር።

ድሕሪ ምጅማር ኲናት ትግራይ፡ ገዛኢ ሰልፊ ህወሓት ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ክሰፍር እንከሎ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር 2022 ካብ ከተማ መቐለ ተደፊኦም ምስ ወጽኡ ኣብ ትግራይ ብ ዶክተር ሙሉ ነጋ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ቈይሙ ምንባሩ ይዝከር።

ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2021 ዓ.ም ዳግም ንከተማ መቐለ ክቈጻጸርዋ እንከለው፡ ኣመራርሓ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ትግራይ ክወጽእ ተገዲዱ'ዩ።

መንግስቲ ፌደራል ድማ፡ ነቲ ሕጋዊ ምምሕዳር ትግራይ ምዃኑ ክገልጽ ዝጸንሐ ብዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ መንግስቲ ትግራይ ሕጋዊ ቅቡልነት ከሊኡዎ ጸኒሑ።

ክልቲኦም ወገናት እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ደው ንምባል ብመሰረት ዝበጽሑዎ ስምምዕ ድማ፡ ኣብቲ ክልል ሓድሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ክትከል ወሲኖም።

ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ንዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ርእሰ ምምሕዳርን ኣቦ መንበር ገዛኢ ሰልፊ ህወሓትን ኰይኑ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ጌታቸው ረዳ ድማ፡ ወሃቢ ቃል ህወሓትን ኣማኻሪ ፕረዚደንት እቲ ክልልን ኰይኑ ከም ዝሰርሐ ይዝከር።