ባጀት ትግራይ ንምስዳድ ምስ መንግስቲ ዝርርብ ተጀሚሩ'ሎ- ዶ/ር ደብረጽዮን

ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

ምንጪ ስእሊ, Tigray-TV/facebook

ክልላዊ ባጀት ትግራይ ክስደድ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዝብ ከምዝተጀመረ መራሒ ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ሓቢሩ።

ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ህወሓት ካብ መዝገብ ግብረሽበራ ስለዝተላዕለ ግዝያዊ መንግስቲ ንምቛም ድሉዋት ምህላዎም ተዛሪቡ።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ንህወሓት፡ ባይቶና፡ ሰራዊትን ምሁራንን ዘጠቓለለ ምዃኑ'ውን ዶ/ር ደብረጽዮን ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ "ምሉእ ብምሉእ ወዲእና ንማእከላይ መንግስቲ ኣፍሊጥና ኣለና" ኢሉ።

"ብብጻይ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳርና ዕማማቱ ክዕወቱ ንምግባር ኩሉ ዓቐምታትና ብምውዳድ ክንረባረብ ኢና"።

"ኣብዚ ከይዲ ምምስራት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተፈላለየ ጸቕጥታት" ከምዝተገብረሎም ዝጠቐሰ፡ ዶ/ር ደብረጽዮን "ናይ ምደባታት ምትዕርራይ" ክገብሩ ከምዝተገደዱ ገሊጹ።

ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝቐርብ ዘሎ ዝበሎ "ናይ ውሽጥን ናይ ደገን. . ." ጸቕጥታት ብምንቃፍ ድማ "ውድብ ህወሓት ሕዚ ይኹን ቀደም መበገሲ ቃልሱ ምርግጋጽ ረብሓን ድሕነትን ትግራይን ህዝባን'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ኣብቲ ክልል ንልዕሊ 31 ዓመታት ስልጣን ተቖጻጺሩ ዝጸንሐ ውድብ፡ ካብ ብዙሓት ተጋሩ ብፍላይ መናእሰይ ሓያል ተቓውሞ ክገጥሞ ጸኒሑ'ሎ።

ገለ ተቓውምቲ ውድባት ናይቲ ክልል'ውን መሰጋገሪ ክልላዊ መንግስቲ ክምስረት ክጠልቡ ጸኒሖም'ዮም።

ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ፡ 280 ኣባላቱ ኣብ ዝተረኽቡሉ ብረቡዕ ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ፡ ህወሓት ካብ መዝገብ ግብረሽበራ ክስረዝ ዝብል ውሳነ ብዓብላሊ ድምጺ ከጽድቘ እንከሎ፡ 61 ተቓውሞን ሓሙሽተ ድምጸ ተዓቅቦን ተመዝጊቡ።

ሚኒስተር ፍትሒ ጊድዮን ጢሞቴዎስ፡ ኣብቲ ኣኼባ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ውሳነ ምስራዝ ህወሓት ካብ መዝገብ ግብረሽበራ፡ ኣብ ትግራይ ንዝምስረት ግዚያዊ ምምሕዳር ሓጋዚ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ኲናት ቅድሚ ምውልዑ፡ ፈደራላዊ መንግስትን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ ክልላዊ መንግስቲን ንሓድሕዶ ኣፍልጦ ብምንፍፋጎም ባጀት ትግራይ ተቛሪጹ'ዩ ጸኒሑ።

እቲ ኲናት ኣብቲ ክልል ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ምስዓቡ ይፍለጥ።

ብመሰረት ብ2 ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት ውግእ ደው ድሕሪ ምባሉ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይገደብ ይኣቱ ኣሎ። መሰረታውያን ኣገልግሎታት'ውን ጀሚሮም እዮም።

እንተኾነ ግን፡ ክልላዊ ባጀት ብዘይምስዳዱ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ወሃብቲ ኣገልግሎታትን ብግቡእ ስርሖም ከካይዱ ከምዘይክኣሉን ኣብ ጸገም ወዲቖም ምጽንሖምን ይግለጽ።

ብሰሉስ ብዙሓት ውጉኣት ኲናት ትግራይ መነባብሮኦም ክመሓየሽ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዘካየድዎ ተቓውሞ፡ እኹል ሕክምናዊ ክንክን ከምዘይግበረሎም ገሊጾም። ብዘካይ'ዚ እኹል ናይ መግብን ክዳንን ደገፋት ክግበረሎም'ውን ጸዊዖም።