ኣመሪካ ሚሳይላት ኢራን ኣብ ምውዳቕ ንእስራኤል ከምዝሓገዘት ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካ ኣብቲ ብሰሉስ ናብ እስራኤል ዝተተኮሰ ባሊስቲክ ሚሳይላት ኢራን ዓሰርተታት ዝኸውን ጸረ-ሚሳይላት ከምዝተኮሰት ምክልኻል እታ ሃገር - ፔንታጐን ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ሃገሩ ንምክልኻል እስራኤል ብመሰረት መምርሒኡ "ብንጥፈት" ከም ዝደገፈት ሓቢሩ። ክሳብ ወጋሕታ ድማ ኣብቲ ‘ሲቹዌሽን ሩም’ ብዝብል ዝፍለጥ ከቢድ ጉዳያት ሃገራዊ ድሕነት ክትትል ዝግበረሉ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝርከብ ክፍሊ ከም ዘሕለፎ ኣፍሊጡ።
ሰራዊት እስራኤል ኣስታት 180 ሚሳይላት ናብ ሃገሩ ከምዝተተኮሱን መብዛሕትኦም ከምዝተዓገቱን ይሕብር።
ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፔዘሽክያን "ንረብሓታትን ዜጋታትን ኢራን ንምክልኻል" ዝተወሰደ "ወሳኒ" ግብረ-መልሲ ክብል ነቲ መጥቃዕቲ ገሊጽዎ።
ፔንታጎን ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ክልተ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ነቶም ካብ ኢራን ዝተወንጨፉ ሚሳይላት ዘምክኑ ጸረ-ሚሳይላት ከምዝተኮሳ ሜጀር ጀነራል ፓትሪክ ራይደር ተዛሪቡ።
ካብቶም ኢራን ንመጥቃዕቲ ዝተኮሰቶም ሚሳይላት ንገሊኦም ሃሪሞም’ዶ ኣይሃረሙን ንዝብል ግን ኣየረጋገጸን።
ኢራን ኣስታት 180 ሚሳይላት ከምዝተኮሰት ሰራዊት እስራኤል ኣፍሊጡ’ሎ። እዚ ድማ ካብቲ ቴህራን ኣብ ሚያዝያ ናብ እስራኤል ዝተኮሰቶ ኣስታት 110 ባሊስቲክ ሚሳይላትን 30 ክሩዝ ሚሳይላትን ዝበዝሕ እዩ።
ምክልኻል ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝዀነ ሓበሬታ ከምዘይነበሮ ሜጀር ጀነራል ራይደር ወሲኹ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ባይደን ድማ ብድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ንእስራኤል "ምሉእ ብምሉእ ትድግፍ" ምንባራ ኣረጋጊጹ’ሎ።
"ሎሚ ብመሰረት ኣነ ዝሃብክዎ መምርሒ ሰራዊት ኣመሪካ ንመከላኸሊ እስራኤል ብንጥፈት ደጊፉ’ሎ። ሕጂ'ውን ንውጽኢታውነቱ ንግምግሞ ኢና ዘለና" ኢሉ።
ወሲኹ "ክሳብ ሕጂ ብእንፈልጦ ግን እቲ መጥቃዕቲ ዝተመከተን ዘይዕውትን ይመስል። እዚ ድማ ንወተሃደራዊ ዓቕሚ እስራኤልን ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካን ዝምስክር'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝወሃብ ምላሽ እንታይ ከምዝኸውን ብጋዜጠኛታት ዝተሓተተ ባይደን፡ "ዘተ ይግበረሉ ኣሎ። ገና ዝረአ ክኸውን'ዩ" ኢሉ።
ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ክዘራረብ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ።
እቲ ዞባ ሕጂ ኣብ ዝያዳ ዝምዕብል ርሱን ወጥሪ ኣእትዩ ኣሎ።
ኣቐዲሙ፡ ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ጄክ ሱሊቫን፡ መጥቃዕቲ ኢራን "ዓቢ ምጉህሃር" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።
ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ መጥቃዕቲ ከቢድ ሳዕቤን ከም ዝህልዎ ኣነጺርና ነይርና። ንዕኡ ድማ ምስ እስራኤል ክንሰርሕ ኢና" ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማቲው ሚለር ብወገኑ ዋሽንግተን ነቲ ዞባ ንምህዳእ ሓይልን ዲፕሎማሲን ክትጥቀም ፈቲና ከምዝነበረት ኣዘኻኺሩ’ሎ።
ንኢራን ግብረ-መልሲ ኣብ ዝወሃበሉ እዋን ሃገሩ ምስ እስራኤል ብምውጋን ነዚ ኣገባብ ክትመርጽ’ዶ ትኸውን ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ዝቐረበሉ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ኵሉ ግዜ ንኽልቲኡ ኣገባብ ይጥቀሙ ምንባሮም ኣረጋጊጹ።
ዕጡቕ ሓይሊ ኢራን ብወገኑ ንእስራኤል ዝድግፍ ዝዀነ ይዅን ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ምትእትታው ከይገብር ኣጠንቂቑ’ሎ።
እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ እስራኤል ንሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ እቲ ሰውራን መራሕቲ ናይቲ ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ምልሻታት እቲ ዞባን ብምቕታላ ምላሽ ንምሃብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ሕዝቦላህ ሓሰን ነስረላህን ኣዛዚ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኣባ ኒልፎሮሻንን ዝተፈጸመ ቅትለት ድማ ጠቒሱ።
ብተወሳኺ ኣብ ሓምለ ኣብ ቴህራን ዝተፈጸመ ቅትለት ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየ ኣዘኻኺሩ።
እስራኤል ኣብ ሞት ሃኒየ ኢድ ከም ዘለዋ'ኳ እንተዘይተኣመነት፡ ተሓታቲት ምዃና ብሰፊሑ ይእመን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







