ትካል ኢሎን መስክ፡ ኣብ ሓንጐል ሰባት ‘ቺፕ' ንምትካል ፍቓድ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ

ኒውራሊንክ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኢሎን መስክ ዝመስራቲኡ ትካል ኒውራሊንክ፡ ኤሌክትሮኒካዊ ቺፕ ኣብ ሓንጐል ሰብ ብምትካል ፈላሚ መርመራታት ኣብ ደቂ ሰባት ንምክያድ ዘኽእሎ ፍቓድ ካብ ቤት ጽሕፈት ክትትል መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ - ኤፍዲኤ- ከምዝረኸበ ገሊጹ።

ኩባንያ'ቲ ቢልዮነር ዝዀነ ምትካል ቺፕ - ኒውራሊንክ፡ ሓንጐል ምስ ኮምፒዩተራት ብምትእስሳር፡ ምርኣይን ምንቅስቓስን ሰባት ናብ ንቡር ንምምላስ ክሕግዝ ከም ዝኽእል እዩ ዝንገር ዘሎ።

እንተዀነ እቲ ትካል ተሳተፍቲ እዚ ምርምራዊ ፈተነ ንምምልማል ከም ዘይህወኽ ይገልጽ፤ ኢሎን መስክ ቅድሚ ሕጂ ፈተነታት ንምጅማር ዝነበሮ ድሌት ብዘይፍረ ተሪፉ እዩ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ምቍጽጻር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ብዛዕባ’ዚ ፍቓድ ገና ርእይቶ ኣይሃበን።

እቲ ኣቐዲሙ ብኒውራሊንክ ዝቐረበ ፍቓድ ኤፍዲኤ ናይ ምርካብ ሕቶ፡ ብምኽንያት ድሕነት ከምዝተነጽገ፡ ብማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ መጋቢት ዘውጽኦ ሓበሬታ ከም ዘመልከተ ኣይርሳዕን።

ብትካል ኒውራሊንክ ዝዳሎ ‘ማይክሮቺፕ’ ልምሰትን ዓይነስውርነትን ዝኣመሰሉ ስንክልናታት ንምፍዋስን፣ ነቶም ጽጕማት ኮምፒዩተራትን ተንቀሳቓሲ ቴክኖሎጅን ንኽጥቀሙ ክሕግዞም ተስፋ ዝተነብሮ እዩ።

እዞም ድሮ ኣብ ኣህባይ ዝተፈተኑ ቺፕ፡ ኣብ ሓንጐል ዝፍጠሩ ምልክታት ንምትርጓምን ብብሉቱዝ ኣቢሎም ሓበሬታ ናብ መሳርሒታት ንምትሕልላፍን ዘኽእሉ ኰይኖም ዝተዳለዉ እዮም።

ኢሎን መስክ፡ ኣቐዲሙ'ውን እቲ ዝቐረበ ዘሎ ቴክኖሎጂ፡ ነቲ ብሰንኪ ሰብሰርሖ ብልሒ ዝተፈጥረ ምምዝባል ኣብ ሰባት ዝጸንሐ ስክፍታታትን ንምቅላል ክሕግዝ ከምዝኽእል ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ኒውራሊንክ ብሓሙስ ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ "እዚ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለ [ፍቓድ ምርካብ] ቴክኖሎጂና ሓደ መዓልቲ ንብዙሓት ሰባት ክሕግዝ ዘኽእሎ ኣገዳሲ ቀዳማይ ስጕምቲ" ክብል ገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ፈተነ ንምክያድ ፍቓድ ምርካብ፡ "ውጽኢት ናይቲ ብጕጅለ ኒውራሊንክ ምስ ኤፍዲኤ ብቐረባ ብምትሕብባር ዝሰርሖ ዘድነቕ ስራሕ እዩ" ኢሉ።

እቲ ትካል፡ ተሳተፍቲ ፈተነ ብዛዕባ ምምዝጋብ ንዘለዎ መደባት ኣመልኪቱ፡ "ኣብ ቀረባ እዋን" ተወሳኺ ሓበሬታ ከምዝህብ ምዃኑ ቃል ኣትዩ’ሎ።

እቲ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬቡ፡ ኣብ መስርሕ ምህንድስናኡ "ድሕነት፡ ተበጻሕነትን ተኣማንነትን" ካብ ቀዳምነታቱ ምዃኖም ኣነጺሩ።

ነዚ ኣመልኪቶም ክኢላታት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ኒውራሊንክ ዘካይዶ ምትካል ቺፕ ሓንጐል ብሰፊሑ ክትግበር እንተዀይኑ፡ ብቐዳምነት ቴክኒካውን ስነምግባራውን ብድሆታት ንምስጋር ዘኽእሎ ሰፊሕ መርመራ የድልዮ ክብሉ ኣጠንቂቘም።

እቲ ኢሎን መስክ ኣብ 2016 ብሓባር ዝመስረቶ ኩባንያ፡ ውጥናቱ ክፍጽም ዝኽእለሉ ፍጥነት ልዕለ-ግምት ሂቡ'ዩ ጸኒሑ።

ፈላሚ ዕላማ’ዚ ኩባንያ፡ ነቲ ኣብ 2020 ኣብ ሓንጐል ደቂ ሰባት ቺፕስ ምትካል ምጅማር ዝብል ኣብ 2019 ዝተኣተወ መብጽዓ ንምኽባር እዩ ነይሩ፤ ድሒሩ ድማ ኣብ 2022 ስርሑ ንምጅማር ቃል ኣትዩ ነይሩ።

እቲ ትካል፡ ኣብ ስርሑ ብዝተፈጸመ ምስ ግህሰት ድሕነት እንስሳታት ዝተኣሳሰር ጉዳይ ኣብ ትሕቲ መርመራ ከምዝኣተወ ድሕሪ ምግላጹ ኣብ ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመት ዕንቅፋት ኣጋጢምዎ ምንባሩ ይዝከር ምዕንቃፍ።መቲ ትካል ኣቐዲሙ ንዝቐረበሉ ተመሳሳሊ ክሉውን ነጺጕ እዩ።

ኩባንያ ኒውራሊንክ ኣብ ደቂ ሰብ ምርምር ንምክያድ ብኤፍዲኤ ብዛዕባ ዝረኸቦ ፍቓድ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምትካል ሓንጐል ዘጠቓለለ ተመሳሳሊ ስርሒት ብስዊዘርላንዳውያን ተመራመርቲ ከምዝተገብረ ዝገልጽ ዜና ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ።

ሓደ ስንኩል ሆላንዳዊ ሰብኣይ፡ ብዛዕባኡ ብምሕሳብ ጥራይ ክምዝኸይድ/ዝንቀሳቐስ ተገይሩ፤ እዚ ሓሳባቱ ብዘይ ገመድ - ዋየርለስ - ናብ እግሩ ሓበሬታ ዘመሓላልፍ ስርዓትእዩ።