ቻይና ስግኣት ድሕነት ንዝበለቶ ‘ቺፕ’ ዘፍርይ ኣሜሪካዊ ኩባኒያ ኣጊዳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቻይና ብኣሜሪካዊ ትካል መፍረ ሜሞሪ ቺፕ ዝዀነ ማይክሮን ቴክኖሎጂ ዝተሰርሐ ፍርያት ንሃገራዊ ድሕነት ሓደጋ ምዃኑ ገሊጻ።
ተቖጻጻሪ ሳይበርስፔስ እታ ሃገር ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዝዓበየ ሰራሒ ሜሞሪ ቺፕ ኣሜሪካ "ከቢድ ሓደጋታት ድሕነት መርበብ" ከም ዘስዕብ ሓቢሩ።
በዚ መሰረት እቲ ፍርያት ኣብታ ኣብ ዓለም ካልኣይ ዝዓበየ ቁጠባ ዝወነነት ሃገር ኣብ ዝካየዱ ቁልፊ ፕሮጀክትታት ትሕተ ቅርጺ ዝእገድ ይኸውን።
ኣብ መንጎ ቤጂንግን ዋሽንግተንን ዘሎ ወጥሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ቻይና ኣንጻር እዚ ትካል ካብ ዝወሰደቶም ስጉምታት እቲ ዝዓበየ እዩ።
ምምሕዳር ሳይበርስፔስ ቻይና (CAC) “እቲ ዳግመ ግምት፡ ፍርያት ማይክሮን ከቢድ ናይ ኔትወርክ ድሕነት ሓደጋታት ከም ዘለዎም ኣረጋጊጹ ኣሎ። እዚ ድማ ንሰንሰለት ቀረብ ትሕተ ቅርጺ ሓበሬታ ቻይና ልዑል ናይ ጸጥታ ሓደጋታት ዘስዕብን ንሃገራዊ ድሕነት ቻይና ዝጸልዎን እዩ” ኢሉ።
ሲኤሲ ብዛዕባ እቲ ረኺበዮ ዝበሎ ሓደጋታትን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ወሃቢ ቃል ማይክሮን፡ እቲ ኩባንያ "ኣብ ቻይና ዝሽየጥ ፍርያት ማይክሮን ድሕሪ ምግምጋሙ፡ ካብ ሲኤሲ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ” ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
“ነቲ መደምደምታ ንግምግምን ዝቕጽል ስጉምትታትና ንርእን ኣለና። ምስ ሰበስልጣን ቻይና ዝርርብና ክቅጽል ድማ ትጽቢት ንገብር” ኢሉ።
መንግስቲ ኣሜሪካ ናይዚ ግብረ መልሲ፡ ነቲ "ብተግባራት ቻይና ዝስዕብ ምዝባዕ ዕዳጋ ሜሞሪ ቺፕ" ዝበሎ ንምፍታሕ ምስ መሓዙት ሃገራት ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ክፍሊ ንግዲ ኣሜሪካ፡ "ጭቡጥ መሰረት ዘይብሎም ገደባት ብጽኑዕ ንቃወሞም" ኢሉ።
"እዚ ስጉምቲ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ዘመተታትን ንኻልኦት ኣሜሪካውያን ትካላት ዒላማ ምግባርን ደሚርካ፡ ምስቲ [ቻይና] ዕዳጋታታ ትኸፍት ከም ዘላን ግሉጽ ቁጽጽራዊ ቅርጺ ንምፍጣር ቃል ኣትያ ከም ዘላን ዝገለጸቶ ምጉት ዘይቃዶ'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
መግለፂ ሲኤሲ፡ ነቲ ኣሜሪካ ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ቤጂንግን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዘይምርድዳእ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ኢንዱስትሪ ምፍራይ ቺፕ ቻይና ዝወሰደቶም ብርክት ዝበሉ ስጉምታት ስዒቡ ዝመጽአ እዩ።
እዚ ካብ ሲኤሲ ዝወጸ መግለጺ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢንዱስትሪ ምፍራይ ቺፕ ቻይና ብርክት ዝበሉ ስጉምትታት ክትወስድ ኣብ ዝተረኣየትሉ ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ቤጂንግን ዘሎ ዘይምርድዳእ ዝተፈጠረ ናይ ቀረባ ምዕባለ እዩ።
ብተወሳኺ ድማ እቲ መግለፂ፡ መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ "ቁጠባዊ ምግዳድ" ምጥቃም ሓዊሱ ኣንጻር ቻይና ዘቕንዐ ሓበራዊ መግለጺ ካብ ዘውፅኡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ዝሰዓበ እዩ።
ብሰንበት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ሃገራት ጉጅለ 7 "ሓደጋ ምስ ቻይና ዘለወን ርክብ ንምውጋድን ለውጢ ንምግባርን” ይጽዕራ ከም ዘለዋ ገሊጹ።
"እዚ ማለት ቀረብና ንምብዛሕ ስጉምትታት ምውሳድ ማለት'ዩ" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ማይክሮን ሳንጃይ መህሮትራ ኣብቲ ኣብ ሂሮሺማ ዝተኻየደ ዋዕላ ጉጅለ ሸውዓተ ካብ ዝተሳተፉ መራሕቲ ንግዲ ሓደ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ ኩባንያ ኣብ ጃፓን ቴክኖሎጂ ንምምዕባል ኣስታት 3.6 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ከም ዝገብር ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







