ትዊተር፡ ንዓለም ዘዛርብ ዘሎ ኤሎን መስክ መን እዩ?

መስክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀደም ዘመነ ቢል ገይትስ እይ ነይሩ፤ ሕጂ ግን ዘመነ ኤሎን መስክ ተቐይሩ እዩ።

ኤሎን መስክ፡ ምድሪ ጸቢብዎ ናብ ሰማያት እዩ ዘማዕዱ ዘሎ። ምምዕዳው ጥራሕ ዘይኮነ ግን ኣብ ህዋ ክሰርሓ ዝኽእላ ታክሲ ፈጢሩ ኣሎ።

ሓደ እዋን፡ ወዲ ሰብ ናብ ጠፈርን ካልኦት ፕላኔታትን ብምኻድ ኣብኡ ክነብር ከም ዝኽእል'ዩ ዝሓስብ።

እዚ ሰብ እዚ እምበር'ዶ ብጥዕናኡ እዩ ከይንብል፡ ኵሉ እቲ ዝሓስቦ ከሳልጥ ዝጸንሐን እቲ ዝሓስቦ ከኣ ካብቲ ኣእምሮ ክግምቶ ዝኽእል ንላዕልን እዩ።

እስከ ንስርሑን መንነቱን ንርአ።

መስክ፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ነቲ ግዙፍ መተገባበሪ ትዊተር ክዕድጐ ውዑል ኣብ ምፍርራም ተጸሚዱ ኣሎ።

እቲ ዕዳጋ ትዊተር ንገዛእ ርእሱ ኣደናቒ እዩ።

ፈለማ ትሽዓተ ሚእታዊት ብርኪ ገዚኡ እዩ ተባሂሉ ነይሩ። ዳሕራይ ግን፡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ "እዚ ትዊተር ድምጺ ሰባት ድምጺ ዝመሚ (ሳንሱር) ይገብር እዩ፡" ተባሂሉ ተሓምየ።

እሞ "ገዚአ'ዶ ክቕይሮ" ክብል ከኣ ሓጨጨ። ዓለም በቲ ዘቕረቦ ዳእላ ሰሓቓ ከይወደአት እንከላ ድማ ኣብ ሰሙኑ ንትዊተር ብ43 ቢልዮን ዶላር ክዕድጐ ከም ዝኾነ ተዘሪቡ።

ኣብዚ ሰሙን'ዚ 'ምበኣር፡ ማዕከናት ዜና ዓለም "መስክ፡ መስክ" እናበላ ስሙ ዝደጋግማ ዘለዋ።

ንሱ መስርሕ ዕድጊ ትዊተር ክሳብ ዝፍጽም ግን፡ ንዘመነ ቁልዕነቱን ዕብየቱን ንዳህስስ።

ኤሎን አፍሪቃዊ ድዩ?

መቸም፡ ብሓደ ጅግና ወይ ዕዉት ሰብ ዘይሻሞ የለን። ፑሽኪን ውላድና እዩ ክንብል እንከለና! የመናውያን እውን "ንግስቲ ሳባ ናትና እያ" ይብሉ።

ኣፍሪቃውያን'ውን ብኤሎን መስክ ይሕበኑ ኣለው።

መስክ ኣብታ ኔልሰን ማንዴላ (ማዲባ) ዝተወልደላ፡ ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ እዩ ተወሊዱ።

ንኦሊቨር ታምቦ፡ ዴዝሞን ቱቱ፡ ኔልሰን ማንዴላ ዘፍረየት ምድሪ እያ ኣፍርያቶ።

መስክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መስክ ኣብ ዘበነ ቝልዕነቱ ከመይ ነይሩ?

መስክ ከም ሓደ ተራ ጻዕዳ ደቡብ ኣፍሪቃዊ እናነበረ እዩ ዕድመ ቁልዕነቱ ኣሕሊፍዎ።

ርግጽ እዩ ኣብ ዓሰርተ ዓመቱ ምስ ኮምፒዩተር ፍቕሪ ሒዝዎ ነይሩ። ኣብ መበል 12 ዓመቱ ከኣ ንእሽቶ ገይም ኮምፒዩተር መሃዘ። ዳሕራይ ነታ ዝመሃዛ መተግበሪ ገይም ብ500 ዶላር ሸይጥዋ።

ቅድሚኡ ከኣ ከምቶም ኣብ ገዛውቶም ጀላቶ ዝሸጡ ዝነበሩ ቘልዑ፡ ንሱ'ውን ምስ ሓው ገዛ ገዛ እናኸደ ችኮላት ይሸይጥ ነይሩ።

ኣብ ቢዝነስ ዝኣተወሉ ግዜ ከኣ፡ ካብ ሽዑ ካብ እዋን ቁልዕነቱ ክኸውን ዝኽእል።

ወለዱ ሃብታማት ዶ ነይሮም?

ኣደኡ ጻዕዳ ካናዳዊት ሞዴል እያ። ወይዘሮ "መይ" ከኣ ትበሃል።

ብእንግሊዝኛ ምናልባት "ግንቦት" ክትርጐም ይኽእል እዩ። ኣብ ጸዓዱ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ፡ "ግንቦት፡ ሰነ" ዝብሉ ኣስማት ልሙዳት እዮም።

ንደቆም "መይ፡ ጁን" ኢሎም ዝጸውዑ ወለዲ ኣለው። ኣቦ ኤሎን ሓደ ካብቶም ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኰይኑ ስሙይ ነጋዳይ እዩ፤ ተራ ነጋዳይ ዘይኮነ በሊሕ ሓንጎል ዝነበሮ ፍሉይ ዝትዕድልቱ ነጋዳይ።

ኣብቲ እዋን'ቲ ኣቦኡ ኤሮል መስክ ናይ ኤሌክትሮ መካኒካል መሃንዲስን መርከበኛን ነይሩ።

መስክ ከም ዝብሎ ኣቦኡ፡ "ሰፈር እኩይ ባህርያት እዩ ነይሩ።" ብፍላይ ንወላዲቱ ንብዙሕ ስቓይ ኣቃሊዑዋ እዩ።

ኣቦኡን ኣደኡን ክፈላለዩ እንከለው ንእሽቶ ሓውን ሓፍቱን ምስ ኣደኦም ከይዶም፣ ንሱ ግን በዅሪ ስለዝዀነ ናብ ኣቦኡ ዘንቢሉ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ብውሳነኡ ተጣዕሰ።

"ነ'ቦይ ብኽፋእ ዝወዳደሮ የሎን፣ ኣእምሮኡ ኣዝዩ ሓያልን መሃንድስ ክፍኣትንእ ዩ ነይሩ፡" ይብል።

ኤሎን ምስ ኣቦኡ ጽቡቕ ግዜ ኣየሕለፈን። ወዲ 17 ዓመት ምስ ኮነ ናብ ኣደኡ ናብ ካናዳ ከይዱ።

ኣቦኡ፡ "ኣብ ሰለስተ ወርሕኻ ተኸላቢትካ ክትመጽእ ኢኻ። ወይ ከኣ ከምኡ ኢልካ ባኺንካ ክትተርፍ ኢኻ፡" ኢሉዎ ነይሩ።

ኤሎን መስክ ኣብ ካናዳ ኲንስ ዩኒቨርስቲ ትምህርቱ ቀጸለ።

ብድሕሪኡ ንኣሜሪካ ኣተወ። ካብ ካናዳ ከኣ ብዝውውር ናብ ፔንሲልቬንያ ዩኒቨርስቲ ተሳጊሩ።

ኣብኡ ድማ ብፊዚክስን ቢዝነስን ክልተ ዲግሪ ዓተረ።

ኤሎን መስክ ነዘን ክልተ ዓውደ ትምህርቲ ብዘደንቕ ብቕዓት እዩ ዝጥቀመለን። በቲ ናይ ፊዚክስ ፍልጠቱ ናይ ፈጠራ ዕብየቱ የርኢ፣ በቲ ናይ ቢዝነስ ትምህርቱ ከኣ ይነግድ፡ ይብልጽግን ይዓብን።

ኤሎን መስክ ልክዕ ነቲ ዲግሪታቱ እዩ ዝመስል። ካብቶም ንትምህርቶም ብብቕዓት ዝጥቀምሉ ብሉጻት ምሁራት ከኣ ሓደ እዩ።

ወዲ 24 ኣቢሉ ምስ ኮነ ናብ ካሊፎርኒያ ከደ።

ሓደ እዋን ኣብ ስታንፎርድ ዩኒቨርስቲ ብፊዚክስ ፒኤችዲ ክገብር ተመዝገበ። ዳሕራይ ግን እንታይ ከም ዘጋጠሞ ኣይፍለጥን፣ ቀልጢፉ ኣቛሪጽዎ። ካብኡ ንደሓር ናብ ዩኒቨርሰቲ ኣይተመልሰን።

መስክ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኤሎን መስክ ተመርዕዩ'ዶ?

እወ፤ ብተደጋጋሚ እኳ ደኣ!

ናይ መጀመርያ በዓልቲ ቤቱ ጀስቲን መስክ፡ ደራሲት እያ። ኣብ ኮሌጅ እዮም ተራኺቦምን ተቐራሪቦምን።

"መስክ ዝሓሰቦ ከይፈጸመ ዘይድቅስ፡ ፈጺሙ ኢዱ ዘይህብ ሰብ እዩ፡" ኢላ ትገልጾ።

"ኵሉ ሳዕ ጸብለል ክብል እዩ ዝደሊ፡" ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዕለት መርዓኦም ናብ እዝና ጽግዕ ኢሉ ሕሹኽ ዝበላ ኣይትርስዖን እያ።

"ኣብዚ ሓዳር እዚ እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣነ እየ፡" ኢሉዋ።

ኤሎን መስክ ግን እቲ ዝውንንኖ ቢልዮናት ካበይ ዝመጸ እዩ?

ኤሎን መስክ ልክዕ ከምቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኣቦኡ ኣዝዩ ሃብታም እዩ። ካብ ዕደና ክሳብ ምህናጽ ኣባይቲ (ሪል እስተይት) ዘይኣተዎ ዓይነት ንግድ የለን። እንተዀነ እዚ ዅሉ ሃብቱ ካብቲ ዓውድታት ዝተረኽበ ምዃኑ ዝኾነ መረጋገጺ የለን።

እኳ ደኣ ካብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ መጽናዕቲ ፒኤችዲ ገዲፉ ምስ ወጽአ ክልተ ነገር ክገብር ፈቲኑ ነይሩ።

እቲ ሓደ፡ ኣብ ኮምፒዩተር መተግበሪ 'ሶፍትዌር' ዝሰርሕ ንእሽቶ ትካል ምምስራት እዩ።

እቲ ካልኣይ ከኣ ብኢንተርነት ኣገልግሎት ባንክ ዝህብ ኩባንያ እዩ ነይሩ። ቅድሚኡ ግን ምስ ሓው "ዚፕ-2" ዝበሃል ንጋዜጣ ናብ ዲጂታዊ ጽሑፍ ዝቕይር ሶፍትዌር ሰሪሖም ነይሮም።

ድሕሪ ብዙሕ ፈተነ ትካላቱ ሸይጡዎ። ብድሕሪኡ ከኣ ካልእ ክልተ ትካላት ንግዲ ፈተነ።

ካብተን ክልተ እታ ሓንቲ ዕውትቲ ኮይና። እዚ ከኣ እቲ ብኢንተርነት ኣገልግሎት ባንክ ኣገልግሎት ዝህብ ዳሕራይ ፐይፓል (PayPal) ተባሂሉ ዝተፈልጠ ኣገልግሎት ክፍሊት ዝህብ እዩ።

ብዙሕ ሰብ፡ ፐይፓል ብኤሎን መስክ ከም ዝተማህዘ ኣይፈልጥን እዩ። እቲ ርቡሕ እቶት ዝረኸበሉ ትካል ንሱ እዩ። ዳሕራይ ነቲ ትካል ብ1.5 ቢሊዮን ዶላር ናብ "ኢበይ" ሸይጥዎ።

ነቲ ገንዘብ እቲ ሒዙ ከኣ ካልእ ነገር ክገብር ካብ ምድሪ ናብ ህዋ ክቋምት ጀሚሩ።

ናሳ ናብ ህዋ ኣብ ዝግበሮ ጕዕዞ ብዙሕ ገንዘብ ከምዘውጽእ ተገንዚቡ፣ ሓንሳብ ዝበረረት መንኮርኮር ከኣ ዳግማይ ኣገልግሎት ከምዘይትህብ ተረዲኡ።

እዚ ነገር ንሓሳብ "ስፔስ ኤክስ" ወሊዱ። "ስፔስ ኤክስ" ናብ ህዋ ኣብጺሓ እትመልስ ታክሲ ሰሪሑ።

ወጻኢታትን ነዳድን ዝቝጥባ መካይን'ውን ክስርሓ ኣለወን ዝብል ሓሳብ ኣበጊሱ'ውን ንቴስላ ፈጢሩ።

"ንነብሱ ዘዕቢ ቢሊየነር"

ብ2015 አሽሊ ቫንስ ዝተባህለ ሰብ መጽሓፍ ጸሓፈ። እቲ መጽሓፍ ኣብ ኤሎን መስክ ዘተኮረ ነበረ፡፡

ድሕሪ ብዙሕ መጽናዕቲ እቲ ደራሲ ንኤሎን መስክ ብሰለስተ ሓረግ፣ "ገታር ተኻታዒ፡ ኵሉ እፈልጥ እየ በሃሊ፡ ብዛዕባ ነብሱ ዝተጋነነ ኣረኣእያ ዘለዎ፡" ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ደራሲ፡ ኤሎን መስክ መትሓዚ ዘይብሉ ሳዕሳዓይ ምዃኑ'ውን ኣሚቱ።

ብዛዕባ እተን ሰለስተ ሓረጋት ኤሎን መስክ፣ 'ገታር ተማጓታይ' ምዃኑ፡ 'ኣነ እፈልጥ' ምባሉን ሕሉፍ ኵርዓት ምህላውን ብዙሓት ሰባት ዝሰማምዑሉ ጉዳይ እዩ።

ገሊኡ ጕዕዞ ህይወቱ'ውን ነዚ ክውንነት ዝምስከር እዩ።

ንኣብነት ሰለስተ ሳዕ ተመርዕዩ ተፋቲሑ። ምስታ ሓንቲ ክልተ ሳዕ ተመርዕዩን ተፋቲሑን።

መስክ ክዛረብ እንከሎ ንጽባሕ ኣይብል እዩ። ኣብ ትዊተር ንዓለም ዘናውጽን ጫቚ-ጫቝ ዘብልን ሓሳባት ይዝርግሕ።

ምስ ማሪዋና ዘለዎ ፍቕሪ ሓቢእዎ ኣይፈልጥን። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ቴድ-ቶክ ዝገበሮ ኣነቓቓሒ ዘረባ ንሱ እውን ኣሚኑ ተቐቢልዎ እዩ።

"ሓጢኣተይ ክትጽብጽቡ እንተጀሚርኩም ኣብ ምድሪ ከማይ ክፉእ ሰብ ኣይክትረኽቡን ኢኹም። ነቲ ጽቡቕ ተግባረይ ክትጽብጽቡ እንተጀሚርኩም ግን ንዅሉ ሓጢኣተይ ክትሓድጉለይ ኢኹም፡" ኢሉ ነይሩ።

ክንደይ ዝኣክል ሃብቲ ኸ ኣለዎ?

ፎርብስን ብሉምበርግን ነገር እንጀራ ኮይኑዎም ሃብቲ ርኹባት እናጸብጸቡ ደረጃ ሃብታማትን ገንዘቦምን እዮም ዝቘጽሩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኸኣ እዮም ኤሎን መስክ ናይ ዓለም ሃብታም ሰብ እዩ ክብሉ ዝኣወጁ።

እቲ ዝጭበጥን ዘይጭበጥን ውጹእ ሃብቱ 250 ቢሊዮን ዶላር በጺሑ ኣሎ።

ነቲ ንዓመታት ቁጽሪ ሓደ ዝነበረ ወናኒ ኣማዞን ጄፍ ቤዞስ ብብዙሕ ሚልዮናት ሓሊፍዎ'ሎ።

መብዛሕትኡ ሃብቲ ኤሎን መስክ ካብቲ ዘይተጸበዮ ናይ ቴስላ ናይ ብርኪ ብጽሒት ዝመጽአ እዩ። ንሱ ኣብ ኩባንያ ቴስላ 17 ሚእታዊት ብጽሒት ኣለዎ።

ትዊተር ኤሎን መስክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኤሎንን ፍኑው ሓሳባቱን

ብዙሕ ሰብ ብዛዕባ ኤሎን መስክ ክሓስብ እንከሎ፡ ቴስላና ስፔስ ኤክስ እዮም ናብ አእምሮኡ ዝመጽኡ።

ኤሎን ግን ብዙሕ ናይ ጽሉላት ዝመስል ፍኑው ሓሳባት ጀሚሩ ኣሎ። ካብቲ ብዙሕ ሓሳባቱ ሓደ፡ ብዛዕባ ጸሓያዊት ከተማ (ሶላር ሲቲ) እውን ሓሲቡ ኣሎ። ኵሉ ዘድልየና ጸዓት ካብ ጸሓይ ክንረኽቦ ኣሎና ኢሉ ተዓጢቑ ኣሎ።

ዲጋታት፡ ኑክሊየር፡ ጋዝ ኣየድልን'ዩ በሃላይ እዩ። ሓደ ከተማ ዘድልዮ ኵሉ ጸዓት ካብ ጸሓይ ከምዝረኽቦ ገይርና ክንሓስብን ክንሰርሕን ኣሎና ኢሉ እዩ ዝኣምን።

ካብ ፍርጅ ክሳብ ኩከር፡ ካብ መሞቚ ሻወር ክሳብ ንዓበይቲ ፋብሪካታት ከንቀሳቕስ ዝኽእል ጸዓት ካብ ጸሓይ ክንረክብ ንኽእል ኢና በሃላይ እዩ።

ክገብሮ ኣይክእልን እዩ ኣይበሃልን እዩ፣ ካልእ ዝሓልሞም ኩባንያታት እውን ኣለውዎ።

ኣብ ዲጂታዊ ዕዳጋ ክሪፕቶ ካረንሲን ቢትኮይንን እውን ቀስ ብቐስ ኢዱ የእቱ ኣሎ። ኮምፒዩተራት ንወዲ ሰብ ክበልጽኦ ከምዝኽእላ እዩ ዝግምት።

ሓደ ቦሪንግ ዛህጋን ዝበሃል ኩባንያ እውን ኣለዎ። ናይዚ ኩባንያ ስራሕ በዓትታት ምዅዓት እዩ። ንኤሎን መስክ ካብ ዘበሳጭውዎ ነገራት ሓደ ጽቕጥቅጥ ትራፊክ እዩ።

ወዲ ሰብ ሓደው ከም አዕዋፍ ብሰማይ ክበርር ኣለዎ ሓደው ከኣ ትሕቲ መሬት ብዝኳዓት መትረብ ከም ማይ ክፈስስ ኣለዎ በሃላይ እዩ።

እቲ "ቦሪንግ' ዛህጋን ዝተሰምየ ኩባንያ ከኣ ንዕኡ ከሳልጥ ዝተመስረተ እዩ።

ደቂ ሰብ፡ ዝዀነ መብራህቲ ትራፊክ መብራህቲ ( ሰማፎረ) ከየሰናኸሎም "ሉፕ" ብዝበሃል ማግነታዊ ቴክኖሎጂ ልክዕ ከም ፈሳሲ ማይ ክጓዓዓዙ ኣለዎም ይብል።

ምኽንያቱ ኣብ ከተማታት ብዝሒ ህዝቢ ይውስኽ ኣሎ፤ ብቕጥራን ምጕዕዓዝ ዓቕልኻ እዩ ዘጽብብ።

ከምኡ ጥራሕ ዘይኮነ ከኣ ፍጹም ድሕረት እዩ። ኵሉ ዓይነት መጓዓዝያ ናብ መትረብ ትሕቲ መሬት ክኣቱ ኣለዎ፡ ይብል።

ነዚ ሓሳብ ኣብ ላስቬጋስ ይፍትኖ ኣሎ።

እተን ኣብ መትረብ ትሕቲ መሬት ዝንቀሳቐሳ ታክሲታት ኣብ ሰዓት 600 ማይል ክጓዓዛ እየን።

እዚ ማለት ከኣ ኣብ ሰዓት ኣስታት 900 ኪሎ ሜተር ማለት እዩ፣ ልክዕ ከም ምብራር ዓይነት እዩ።

ከምዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምሳሕ በሊዕካ ናብ ኣስመራ ማክያቶ ክትሰቲ ከም ምኻድ ዓይነት እዩ።

ኤሎን መስክ ናይ መን ደጋፊ እዩ?

እዚ ሕቶ እዚ ንትዊተር ክገዝእ ከም ዝደሊ ምስ ገለጸ እዩ ክሕተት ጀሚሩ። ድምጺ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይዅን ኵነታት ክዕፈን የብሉን ዝብል እምነት ኣለዎ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዩክረይን ኢንተርነት ብሳተላይት የቕርብ ኣሎ። ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን'ውን ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ነገር ክገብር ተማሕጺኖሞ ነይሮም።

ኤሎን መስክ ኣብ 2002 እዩ ኣሜሪካዊ ዜጋ ኮይኑ። ብዙሓት ሰባት ፍርቁ ጐድኑ ዲሞክራት፡ ፍርቂ ከኣ ሪፐብሊካን እናበሉ እዮም ዝጽውዑዎ።

ንሱ ግን፡ 'ኣነ ነጻን ገለልተኛን እየ' እዩ ዝብል። ምስ መንግስቲ ብምግጫው ከኣ ይፍለጥ።

ንስርዓተ ቀረጽ ናይቲ ግዝኣት ብምቅዋም'ዩ ንትካሉ ካብ ካሊፎርኒያ ናብ ቴክሳስ ኣግዒዙዎ።

ምስ ሰራሕተኛታትን ማሕበራትን ኣብ ግጭት ኣትዩ ነይሩ። ዕጽዋ ኮሮና ቫይረስን ገደባትን'ውን ኣበሳጭይዎ ነይሩ። ነቲ ዕጽዋ ፋሺሽታዊ ኢሉ ክሳብ ምጽዋዕ በጺሑ ነይሩ።

ኤሎን መስክ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ውዕል ኵነታት ኣየር ፓሪስ ክወጽእ እንከሎ ቁጠዐኡ ዘስመዐን ኣዝዩ ዝነቐፎን ሰብ እዩ ነይሩ። እንተዀነ፡ ምስ ጆ ባይደን'ውን ኣይሰማማዕን እዩ።

ንሰልፍታት ፖለቲካ ዝህቦ ገንዘብ ምስ ሃብቱ ዝኸይድ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ንኦባማን ሂላሪን ብገንዘብ ደጊፉዎም ነይሩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግን ንሪፓብሊካን እዩ ዝልግስ ዘሎ።

ብምግባረ ሰናይ'ውን ብዙሕ ስሙ ኣይለዓልን እዩ። ንሱ ግን ናተይ ትካላት ቢዝነስ ንባዕለን ገበርቲ ሰናይ እየን ክብል እዩ ዝማጐት።

ከምኡ ዝብለሉ ምኽንያት ብዙሓት ካብ ትካላቱ ተተካኢ ጸዓት ዝጥቀምን ብከላ ኣየር ዝቕንስን ስለዝዀነ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንቢልዮነራት ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ።

ዝኸበርኩም ቢልዮነራት፡ በጃኹም ኣብ 43 ሃገራት ዝርከቡ 40 ሚልዮን ጥሙያት ሓንሳብን ንሓዋሩን ደግፉዎም ክብል ተማሕጺኑ።

ድሕሪ እቲ ምሕጽንታ ንኤሎን መስክ ዝቐደሞ ኣይነበረን፣ እንተዀነ ብገንዘብ ዘይኮነስ ብዘረባ - ብሓሳብ እዩ።

"ከምቲ እትብሉዎ፡ ጥሜት ካብ ዓለም ንምጥፋእ 6 ቢሊዮን ዶላር እንተዀይኑ፡ ውጥንኩም ሒዝኩም ምጽኡ እሞ ኣእምኑኒ። ኣነ እቲ ኣብ ቴስላ ዘሎኒ ብርኪ ሸይጠ 6 ቢሊዮን ዶላር ክህበኩም፡"ኢሉ።

ጥሜትን መከራን ዓለም ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ። ካብ ኤሎን መስክ ከኣ ገና ዝተሰምዐ ነገር የለን።