ቢትኮይን ወግዓዊ ገንዘብ ክኸውን ዝወሰነት ፈላሚት ኣፍሪቃዊት ሃገር

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ 'ቢትኮይን' ተባሂሉ ዝፍለጥ ድጂታላዊ ገንዘብ፡ ኣብታ ሃገር ሕጋዊ ክኸውን ወሲና።
እቲ ስጉምቲ፡ ኣብ ዓለም ተመሳሳሊ ውሳነ ዝወሰደት ካልኣይቲ ሃገር ክትከውን ገይሩዋ'ሎ።
ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር ብምሉእ ድምጺ ድሕሪ ምጽዳቖም፡ ፕረዚደንት ፋውስቲን ኣርቻንግ ቱዋደራ ብወግዒ ፈሪምሉ ኣሎ።
በዚ መሰረት ቢትኮይን፡ ምስቲ 'ፍራንክ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ባጤራ እታ ሃገር ብማዕረ ክሰርሕ'ዩ።
እቲ ውሳነ፡ ንሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ካርታ ተባዓትን ወነንቲ ራእይን ዝኾና ሃገራት ዓለም ዘስፍራ'ዩ ክብል ሓደ ብዓልስልጣን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ተዛሪቡ።
እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላን ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ዝደኸያ ሃገራት ዝኾነት ሃገር፡ ንዓመታት ብደማዊን ኣዕናውን ኲናት ክትሕመስ ዝጸንሐት'ያ።
ቢትኮይን እንታይ'ዩ
ቢትኮይን ማለት ብቕልል ዝበለ ቀንቋ፡ ዲጂታል + ባጤራ + ትውጊት ኢልና ክንገልጾ ንኽእል።
ቢትኮይን ፍሉይ ዝገብሮ ከምቲ ኣብ ጁባና ሒዝናዮ እንኸይድ ባጤራ (ቅርሺ) ዘይኮነስ፡ ኣብ መርበብ ኢንተርነት (ኦንላይን) 'ዝሰፈሩ ገንዘብ'ዩ።
እቲ ካልእ ንቢትኮይን ሓዊስካ ኩሎም ክሪፕቶካረንሲታት ፍሉይ ዝገብሮም ብመንግስትን ማእከላይ ባንክታትን ዘይምእከሉን ቀጥታዊ ምቁጽጻር ዘይግበረሎም ምዃኖም'ዩ።
ንኣብነት ቢትኮይን ብሓደ 'ማይኒንግ' ተባሂሉ ዝጽውዕ ኣገባብ ዝፍጠር ኮይኑ፡ ብመርበብ ዝተኣሳሰሩ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ኮምፒተራት ይቆጻጸርዎ።
እቶም ንቢትኮይን ክሪፕቶካረንሲ ዝፈጠሩ ሰባት ኣብ ምሉዕ ዓለም ልዕሊ 21 ሚልዮን ቢትኮይናት ክፍጠሩ ገደብ ከም ዘንበሩ ይእመን።
ብቢትኮይን ዕድጊ ምፍጻም ይካኣልዶ?
እቲ መልሲ እወ እዩ። ንዘቕርብዎ ፍርያት ይኹን ዝህብዎ ኣገልግሎት ቢትኮይን ዝቕበሉ ትካላት ኣለዉ።
ካብዚኣቶም፡ እቲ ኮምፒተራትን ፕሮግራማቱን ብምፍራይን ምሻጥን ዝፍለጥ ኩባንያ ማይክሮሶፍት፡ ቤት ብልዒታት ከይ ኤፍ ሲን ሳብወይን፡ ከምኡው'ን ከም በዓል ወኪል ጉዕዞ ኤክስፐዲያ ዝበሉ ናይ ሚልዮናት ትውጊታት ዝፍጽሙ ዓበይቲ ኩባንያታትን ከም ሆቴላት ዝበሉ ናኣሽቱ ትካላትን ቢትኮይን ይቕበሉ።
ብቢትኮይን ዕድጊት ክፍጸም እንከሎ፡ መንነት ናይቲ ዓዳጋይ ስቱር ክኸውን ይኽእል'ዩ። ስለዚ፡ ብመርበብ ኢንተርነት መንነቶም ከይተቓልዐ ዝደለይዎ ኣቕሓን ኣገልግሎትን ክዕድጉን ክረኽቡን ስለዘኽእሎም፡ ቢትኮይን ተመራጺ ይገብሮ፡ በዚ ድማ ቁጽሪ ተጠቀምቲ ክውስኽ ክኢሉ'ሎ።
በቲ ንቡር ናይ ባንክ ሕሳባት ገንዘብ ምስግጋር፡ መንነትካን ኣድራሻኻን ብቐሊሉ ክቃላዕ ስለዘገድድ፡ ንቢትኮይን ተመራጺ ይገብሮ ማለት'ዩ።
ሓደጋታት ቢትኮይን
አሸረትስ ኣብ ዝተባህለ ናይ ፋይናንስ ተቖጻጻሪ ትካል ዝሰርሕ ብርድሊ ራይስ ከም ዝብሎ፡ ቢትኮይን ዝኾነ ዓይነት ምቁጽጻር ኣይግበረሉን'ዩ።
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ ሰባት መንነቶም ከይተቓልዐ ብስቱር ዘድልዮም ክሽምቱ ዘኽእል ስለዝኾነ፡ ንገበነኛታት ናጻ ዕድል ዝኸፍት'ዩ ዝብል ስክፍታ'ሎ።
ብመገዲ ቢትኮይን ይኹን ካልኦት ክሪፕቶካረንሲታት፡ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ይኹን ኣደንዘዝቲ ድሮጋት ምዕዳግን ምሻጥን ይካኣል'ዩ። ብተመሳሳሊ፡ ዘይጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ክፍጸም ይኽእል። እቲ ዝኸፍአ ድማ ኣሸበርቲ ክጥቀምሉ ስለዝኽእሉ ሓደገኛ'ዩ ዝብሉ ወገናት ውሑዳት ኣይኮኑን።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







