ኬንያ፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዋጋ ዘኽፍለን ዘሎ ሕጽረት ማይ

ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብምኽንያት ምልውዋጥ ኩነታት ኣየርን ምእራግ ናይ ማይ መስመራትን ከቢድ ሕጽረት ዝስተ ማይ ኣጋጢሙዋ ኣሎ።
ኣብ ከም ኪበራ ዝበሉ ሻውላት ዝነብሩ ሰባት ድማ፡ ማይ ብውልቂ ካብ ዝሸጡሎም ሰባት ስለ ዝኾነ ዝረኽቡ፡ እቲ ኣብታ ከተማ ዘሎ ሕጽረት ዝስተ ማይ እቲ ቀረብ ክቆጻጸሩዎ መገዲ ከፊቱሎም ይርከብ።
ይኹን'ምበር፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝኸፍልኦ ዘለዋ ዋጋ ልዕሊ ገንዘብ እዩ።
"እቶም ምሸት ማይ ዝሸጡልና ሰባት መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ'ዮም። ንጾታዊ ርክብ ዝደፋፍእ ነገር ክገብሩ እንከለው ኣይኾንን ኢልኪ እንተነጺግኽዮም ማይ ኣይህቡኽን" ትብል ሓንቲ ነባሪት ኪበራ።
ኪበራ፡ እቲ ኣብ ናይሮቢ ዝዓበየ ብዙሓት ድኻታት ዝነብርሉ ሻውል ኮይኑ ኣብዚ ማይ ዓብዪ ፈተና እዩ።
መብዛሕትኦም ብዓበይቲ ጀሪካናት ማይ እናዓደጉ'ዮም ዝናበሩ።
ሜሪ፡ መዓልታዊ ሸሞንተ ጃሪካናት 20 ሊትሮ ማይ ክተመላልስ ትውዕል። ወርሓዊ ርብዒ ወርሓዊ እቶታት ዝኾነ 18 ዶላር ክኣ ኣብ ማይ ተጥፍኦ።
ኣብ ኪበራ፡ ብዙሓት ድኻታት ስድራቤታት ማይ መኽፈሊ ገንዘብ ኣዝዮም'ዮም ዝጽገሙ።

ሜሪ፡ ሓደ ምሸት ማይ ክትቀድሕ ወጺኣ ግዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ኮይና እያ።
"ክልተ'ዮም ነይሮም፤ ክዳነይ ቀዲዶምዎ። እተን ኣውያተይ ሰሚዐን ዝመጽኣ ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ ምምጽአን ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞምለይ" ትብል።
ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሐን ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብቲ ሕብረተሰብ ዝበጽሐን ተነጽሎ ብምስጋእ ናብ ፖሊስ ሪፖርት ኣይገብራን።
ፖሊስ፡ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሐን ጾታዊ ዓመጽ ናብ ፖሊስ ስለ ዘየብጽሕኦ ኣብ ልዕሊ ከምዚኦም ዝበሉ ጉዳያት ክሲ ምምስራት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ ይገልጽ።
"እቲ ዓብዪ ጸገም ፖሊስ ብጥቕልሉ ዝብሃሉ ወይ ጥርጣረታት መርመራ ዘይገብር ምዃኑ'ዩ። ፖሊስ ኣብ ዝፍለጥ ጉዳይ ንዝረኸቦ ሓበሬታ'ዩ ዘጻሪ። ዝፍለጡ ጥርዓናት ተቐቢልና ክነጻሪ ግን ድሉዋት ኢና" ኢሉ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኬንያ ብሩኖ ሺሶ።
ኣብቲ ከባቢ መንግስቲ ዘዳለዎም ናይ ማይ ቱቦታት እኳ እንተሃለው ነቲ ዘሎ ጠለብ ዘማልኡ ግን ኣይኮኑን።
ኣብ ናይሮቢ፡ ካብ 2005 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ሕጽረት ማይ ከጋጥም ጸኒሑ።
ነዚ ስዒቡ ኣብ ከም ኪበራ ዝበሉ ከባቢታት ብውልቂ ማይ ዝሸጡ ሰባት ነቲ ዘጋጠመ ክፍተት ንምምላእ ቦታ ወሲዶም።
ገንዘብ ከፊልካ ማይ ምምጻእ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህይወተን ኣዝዮም ከበድቲ ዝኾኑ ስጉምታት ክወስዳ ኣገዲዱወን እዩ።
"እቲ ማይ ዝሸይጥ ሰብ ክሳብ ዝሓተኒ ማይ ብልቓሕ ይወስድ ነይረ፤ 'እዚ ኹሉ ገንዘብ መዓዝ ኢኺ ክትከፍልዮ?' ኢሉ ሓቲቱኒ። ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምንም ነገር የብለይን ምስ በልኩዎ፡ ኣካልኪ ዕዳኺ መኽፈሊ ክኾነኪ'ዩ ኢሉኒ" ትብል ግዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝኾነት ጃኔ።
ኣብ ኪበራ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ብዝበጽሐን ጸገማት ምኽንያት ስነ ልቦናዊ ድጋፍ ንምርካብ ናብ ኡማንዴ ይኸዳ።
"እዞም ስልጠናታት ገለ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገማት እተን ግዳያት ንነዊሕ ዓመታት ዝጸርኦም ሸኽምታት ንምቅላል ዝሕግዙ'ዮም" ትብል ቤናዚር ኦሞቶ።
ገለ እዚ ኩነታት ዘተሓሳሰቦም ነበርቲ እቲ ከባቢ 'ማይ ንምርካብ ዝኽፈል ጾታዊ ርክብ የብቅዕ' ዝብል ጎስጓስ ብምጅማር ወነንቲ ናይ ማይ ቦትታት ደቂ ኣንስትዮ ክቐጽሩ ጸቕጢ ገይሮም።
ሓንቲ መንእሰይ፡ "ሕጂ ማይ ክቀድሕ መጺአ ጓል ኣንስተይቲ ክትሸይጥ ምስ ርኣኹ ጽቡቕ ተሰሚዑኒ። ቅድሚኡ እክብ ኢሎም ዊድ ዘትክኹ መናእሰይ ደቂ ተባዕትዮ እየ ዝረክብ ነይረ" ኢላ።
ብርክት ዝበሉ ዘይመንግስታዊ ትካላት ብደረጃ ሃገር ዝኾነ ማይ ዘቕርብ ኣካል ተቓላዕቲ ዓማዊል ከይምዝምዝ ለውጢ ክግበር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጻውዒት የቕርቡ ኣለው።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







