ሊቨርፑል ኣንጻር ማን ዩናይትድ - 'ደገፍቲ ዩናይትድ ንጸቢብ ስዕረት ጸልዩ'

ተጻወትቲ ፕሪምየር ሊግ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ማንቸስተር ዩናይትድ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ኣንፊልድ ኣብ ዝተጻወትሉ እዋን ጸወታኣ 0ብ0 ማዕረ ክትዛዝም ክኢላ ነይራ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ብሩበን ኣሞሪም እናተመርሐት ትቃለስ ዘላ ጋንታ'ያ ኰይና ዘላ።

ነታ ንፕሪምየር ሊግ ብ45 ነጥቢ እትመርሕ ዘላ ሊቨርፑል ደው ከተብል ዓቕሚ ይህልዋ'ዶ?

"ደገፍቲ ዩናይትድ እንተዀይንኩም ንጸቢብ ስዕረት ጸልዩ" ይብል ክኢላ ኩዕሶ እግሪ ቢቢሲ ስፖርት ክሪስ ሱተን።

"ካብዚ ጸወታ ዝዀነ ነጥቢ ዝጽበ ደጋፊ ዩናይትድ የለን፡ ሊቨርፑል ብኸመይ ክትዕወት ከምእትኽእል ዘፍርሕ'ዩ።"

ሱተን ኣብዚ ካብ ሎሚ ቀዳም ጀሚሩ ክሳዕ ሰኑይ ዝካየድ ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ ኣመልኪቱ ነዞም ዝስዕቡ ትንበያታት ኣቐሚጡ ኣሎ።

ቀዳም 4 ጥሪ

ቶተንሃም ሆትስፐርስ ኣንጻር ኒውካስል

ኣብ ስታድየም ቶተንሃም - ድሕሪ ቀትሪ 3፡30

ኒውካስል ንምእማኑ ዘጸግም ብቕዓት እናርአየት ትርከብ።

ኣብ ኵሉ ውድድራት 5 ጸወታ ክትዕወት እንከላ ኣብዘን ጸወታታት ድማ 16 ሸቶታት ኣመዝጊባ፡ ሓንቲ ሸቶ ጥራይ እያ ኣኣንጊዳ።

ብኣንጻሩ ቶተንሃም ኣብ ቀረባ እዋናት ድኹም ብቕዓት'ያ ተርኢ ዘላ።

ኣብዚ ጸወታ ሓያል ህልኽ ክንርኢ ኢና ይጽበ፤ ቶተንሃም ሸቶ ከተመዝግብ እያ፡ ኒውካስል ክትሰዓር ግን ኣይጽበይን።

ኣብ ኒውካስል ኣሌክሳንደር ኣይሳክ ጥራይ ኣይኰነን ስግኣት ዝፈጥር፡ ብዙሓት ሸቶ ዘመዝግቡ ተጻወትቲ ኣለዋ።

ግምት ሱተን - ቶተንሃም 1፡2 ኒውካስል

ቦርንማውዝ ኣንጻር ኤቨርተን

ስታድዩም ቫይታሊቲ - ኣጋ ምሸት 6፡00

ኤቨርተን ኣብዚ ዓመተ ስፖርት 15 ሸቶታት ፕረምየርሊግ ጥራይ ኢያ ኣመዝጊባ። ካብ ኤቨርተን ዝወሓደ ሸቶ ዘመዝገበት እንኮ ክለብ ሳውዝሃኣፕተን እያ።

ኤቨርተን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ጉዲሰን ፓርክ ኣንጻር ቦርንማውዝ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ፡ 2ብ0 ክትመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ጸወታ ክዛዘም ሰለስተ ደቓይቕ ምስ ተረፎ 3ብ2 ከምዝተሰዓረት ኣይርሳዕን።

ግምት ሱተን - ቦርንማውዝ 1፡0 ኤቨርተን

ኣስቶን ቪላ ኣንጻር ሌስተር

ቪላ ፓርክ - ኣጋ ምሸት 6፡00

ኣስቶን ቪላ ኣንጻር ብራይተን ደንጉያ ብዘመዝገበት ሸቶ ማዕረ ክትወጽእ ተገዲዳ እያ።

ኣብዚ ጸወታ ግን ቪላ ተመሳሳሊ ውጽኢት እተመዝግብ ኣይመስለንን። ዋላ'ውን ብዘይ ጆን ዱራንን ሞርጋን ሮጀርስን ገለ ውጽኢት ክትረክብ ይጽበ።

ቪላ ኣብ ሜድኣ ሓያል ክትከውን እንከላ፡ ሌስተር ድማ ካብ ሜድኣ ወጻኢ ኣብ ድኹም ብቕዓት ትርከብ። ካብ ሜድኣ ወጻኢ ካብ ዘካየደቶም 9 ጸወታታት ሓንቲ ዓወትን ክልተ ማዕረ ውጽኢትን ጥራይ እያ ክተመዝግብ ክኢላ፡። ካብ ሊግ ንዘይምውራድ ግን ኣዝያ ክትቃለስ ይጽበ።

ሌስተር ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ ጽቡቕ ተጻዊታ'ኳ እንተነበረት፡ ገለ ዕድላት ክትጥቀም ብዘይ ምኽኣላ ግን ተሳዒራ እያ።

ግምት ሱተን - ኣስቶንቪላ 2፡0 ሌስተር

ክሪስታል ፓላስ ኣንጻር ቼልሲ

ሰልሃርስት ፓርክ - ኣጋ ምሸት 6፡00

ቼልሲ ኣብ ብቕዓት ገለ ምዝንባዕ የጋጥማ ኣሎ።

ኣብቲ ብኢፕስዊች ዘጋጠማ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ስዕረት ሓደ መርኣያ እዩ።

ኣሰልጣኒ ኤንዞ ማሬስካ ገለ ውሑድ ለውጢ እኳ እንተገበረ፡ ግን ካብ ሰልሃርስት ፓርክ ብዓወት ክትምለስ ምዃና ዝሕብር ነገር ኣይረኣኹን።

ክሪስታል ፓላስ ኣብ ዝሓለፉ 11 ጸወታታት ኣብ ክልተ ጥራይ እያ ተሳዒራ።

እዚ ጸወታ ብማዕረ ዝዛዘም ይመስለኒ፤ እዚ ውጽኢት ግን ቸልሲ ክሳብ ራብዓይ ደረጃ ሒዛ ንክትጽንሕ ብዙሕ ኣይክሕግዛን'ዩ።

ብዙሓት፡ ቼልሲ ንዋንጫ ከምእትፋለም ከተንብዩ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ጸወታታት ዘመዝገበቶ ውጽኢታት ግን ኣብዚ ንሕንሕ ብዙሕ ርሕቀት ከምዘይትጓዓዝ ዝሕብር ይመስል።

ግምት ሱተን - ክሪስታል ፓላስ 1፡1 ቼልሲ

ኣብ ዝሓለፉ 10 ጸወታታት ሊግ ሰለስተ ግዜ ጥራይ ሸቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ማንቸስተር ሲቲ ኤርሊንግ ሃላንድ፡ ብ29 ታሕሳስ ኣንጻር ሌስተር ሸቶ ምምዝጋቡ ዓመቱ ዛዚሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፉ 10 ጸወታታት ሊግ ሰለስተ ግዜ ጥራይ ሸቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ማንቸስተር ሲቲ ኤርሊንግ ሃላንድ፡ ብ29 ታሕሳስ ኣንጻር ሌስተር ሸቶ ምምዝጋቡ ዓመቱ ዛዚሙ

ማንቸስተር ሲቲ ኣንጻር ዌስትሃም

ስታድዩም ኢትሃድ - ኣጋ ምሸት 6፡00

ጃሮድ ቦወን ዘጋጠሞ መጉዳእቲ ንዌስትሃም ዓቢ ክሳራ እዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ብሉጽ ተጻዋታይ እታ ክለብ ንሱ እዩ። ዓቕሚ ዌስትሃብ ይብርኽ ኣሎ ኢለ ሓሲበ ነይረ፡ ድሕሪኡ ግን ብሊቨርፑል ፍጹም ተበቲኑ።

ስለዚ፡ ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ሌስተር ብዘመዝገበቶ ዓወት ተደፋፊኣ ኣብዚ ጸወታ'ውን ጽቡቕ ውጽኢት ክትረክብ ትጽቢት ይገብር።

ሌስተር ዘመዝገበቶ ዓወት ዓቢ ዘይክኸውን ይኽእል፤ ግን ዳግማይ ናብ ብሉጽ ዓቕማ ንክትምለስ ኣብ እትጽዕረሉ ዘላ እዋን ዝተረኸበ ዘተባብዕ ውጽኢት እዩ።

እዚ ጸወታ ሲቲ ቁሩብ ክትስርር ስለ እትግደድ ተመሳሳሊ ዛንታ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ሕጂ'ውን ግን ነቲ ስራሕ ክሰርሓሉ እየ ዝጽበ።

ግምት ሱተን - ማንቸስተር ሲቲ 2፡0 ዌስትሃም

ሳውዝሃኣፕተን ኣንጻር ብሬንትፎርድ

ስታድዩም ሴንት ሜሪ - ኣጋ ምሸት 6፡00

ውጽኢት ናይዚ ጸወታ ንምግማት ቀሊል ኣይኸውንን። ሳውዝሃኣፕተን ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ እናተቓለሰትን ፍጹም ነጥቢ ክተመዝግብ ተስፋ ዝቖረጸትን ትመስል፤ ብሬንትፎርድ'ውን ኣብ ብሉጽ ብቕዓት ኣይትርከብን።

ሓድሽ ኣሰልጣኒ ኣይቫን ዩሪክ ካብ ዝሽየም ንደሓር፡ ሳውዝሃኣፕተን ኣብ ክልተ ጸወታታት ብጸቢብ ውጽኢት እያ ተሳዒራ።

ኣብዚ ጸወታ'ውን ኒሕ ክተርእ እኳ ትጽቢት እንተገበርኩ፡ ዝተፈልየ ውጽኢት እተመዝግብ ግን ኣይመስለንን።

ግምት ሱተን - ሳውዝኣምፕተን 1፡2 ብሬንትፎርድ

ኢታን ንዋነሪ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ክጻወት ዝኽእል'ዩ - ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ሚከል ኣርቴታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢታን ንዋነሪ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ክጻወት ዝኽእል'ዩ - ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ሚከል ኣርቴታ

ብራይተን ኣንጻር ኣርሰናል

ስታድዩም ኣሜክስ - ምሸት ሰዓት 8፡30

ኣርሰናል ብረቡዕ ብዘይ ዝዀነ ጸገም ንብሬንትፎርድ ዝሰዓረትሉ ኣገባብ ኣዝየ መሳጢ ነይሩ።

ኣብዚ ጸወታ ቡካዮ ሳካን ካይ ሃቨርትዝን ኣይተሰለፉን፤ እንተዀነ ኣርሰናል ዓወት ካብ ምምዝጋብ ደው ኣይበለትን።

ብሬንትፎርድ ኣብ ሜድኣ እትረእዮ ብቕዓት ኣዝዩ ሓያል ብምዃኑ፡ እቲ ጸወታ ኒሕ ዝተመልኦ ክኸውን ተጸብየ ነይረ።

ኣብ ካልኣይ እብረ ናይዚ ዓመተ ስፖርት ብቕዓት ኣርሰናል ከመይ ከምዝኸውን ዘመልክት ኣዝዩ ብሉጽ ጸወታ እዩ ነይሩ።

ኣንጻር ብራይተን እተካይዶ ጸወታ ቀሊል ክኸወን እዩ ኣይብልን። ብራይተን ካብ ዝሓለፉ 7 ጸወታታት ዋላ ሓንቲ ዓወት ኣይረኸበትን፡ ግን ኣብ 5 ጸወታ ማዕረ ክትወጽእ ክኢላ እያ።

ግምት ሱተን - ብራይተን 1፡2 ኣርሰናል

ሰንበት 5 ጥሪ

ፉልሃም ኣንጻር ኢፕስዊች

ክራቨን ኮቴጅ - ኣጋ ምሸት 5፡00

ኣገንዕ ኢፕስዊች!

ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ንክለብ ኢፕስዊች ኣድንቖት ኣለኒ። ካብ ፕሪምየር ሊግ ንከይትወርድ ድማ ብሓቂ ትቃለል ኣላ።

ኣንጻር ቼልሲ ዘመዝገበቶ ዓወት ፍጹም ትጽቢት ዘይተገብረሉ እዩ ነይሩ።

ሰንበት ግን ካልእ ተኸታታሊ ዓወት ክተመዝግብ ኣይረኣየንን።

ግምት ሱተን - ፉልሃም 1፡0 ኢፕስዊች

ሳላሕ ኣንጻር ማንቸስተር ዩናይትድ ጥራይ 15 ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሳላሕ ኣንጻር ማንቸስተር ዩናይትድ ጥራይ 15 ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ዩ

ሊቨርፑል ኣንጻር ማንቸስተር ዩናይትድ

ኣንፊልድ - ምሸት 7፡30

ኣብ መንጎ ሊቨርፑልን ማንቸስተር ዩናይትድን ዘሎ ታሪኻዊ ህልኽ ኣዝዩ ጽዑቕ እዩ።

እብ ቀረባ እዋን ግን እዚ ንሕንሕ ዝመጣጠን ኣይኰነን።

ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ሩበን ኣሞሪም፡ ክለብ ካብ ሊግ ንዘይ ምውራድ ትቃለስ ከምዘላ ይዛረብ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ንጹር እዩ።

ማን ዩናይትድ ብሰኑይ ኣብ ኦልድትራፎርድ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ኣብተን ቀዳሞት 30 ደቓይቕ ብኒውካስል ተዓብሊላ ነይራ። ኣብ ኣንፊልድ ካብዚ ዝተፈለየ ነገር ከጋጥም ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?

ሊቨርፑል እተሰልፎም ተጻወትቲ ብዘየገድስ፡ ሸቶታት ክተመዝግብ'ያ። ዩናይትድ ድማ መጥቃዕቲ ሊቨርፑል ክትምክት ብዙሕ ዕድል ኣይክህልዋን።

ዓሰርተታት ሸቶታት ዘይክምዝገቡ ይኽእሉ፡ ካብዚ ወጻኢ ግን ልዑል ውጽኢት ክምዝገብ ተኽእሎ ኣሎ።

ሊቨርፑል ነዚ ጸወታ ብዓብላልነት ክትዛዝም እያ፤ እቲ ሕቶ ክንደይ ሸቶታት ክተመዝግብ እያ ዝብል ጥራይ'ዩ።

ዩናይትድ ንኽብራ እያ ክትጻወት፡ ንታሪኻን ንማልያን ክትጻወት እያ። እዚ ኵሉ ግን ለውጢ ኣይከምጽእን።

ግምት ሱተን - ሊቨርፑል 5-0 ማንቸስተር ዩናይትድ

ሰኑይ 6 ጥሪ

ዎልቭዝ ኣንጻር ኖቲንግሃም ፎረስት

ሞሊነክስ - ኣጋ ፍርቂ ለይቲ 11፡00

ኣብዚ እዋን እዚ ኖቲንግሃም ፎረስት ዝያዳ ዝሓሸ ውጽኢት ተመዝግብ ኣላ። እንተዀነ ግን ዎልቭዝ'ውን ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ኣሰልጣኒኣ ቪቶር ፐረራ ዝሓሸ ብቕዓት እናመስከረት ትርከብ።

ፎረስት ዝሓለፈ ግዜ ምስ ኤቨርተን ማዕረ ክትወጽእ እያ ዝብል ግምት ነይሩኒ። ተጋግየ። ስለዚ ኣብዚ ጸወታ ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ክትወጽእ'ዩ ትጽቢተይ።

ከምቲ ኣብ መወዳእታ 1970ታት ዝነበረ ፎረስት ምስ ሊቨርፑል ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ትርከብ።

ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ሊቨርፑል ሓንቲ ግዜ ጥራይ እያ ተሳዒራ፤ ንሊቨርፑል ዝሰዓረት እንኮ ክለብ ድማ ኖቲንግሃም ፎረስት እያ።

ፎረስት፡ ቀጻሊ ጸወታኣ ኣንጻር ሊቨርፑል እዩ። ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ኣንፊልድ ዘመዝገበቶ ዓወት ክትደግም ድማ ክትቃለስ እያ።

ሓቂ ንምዝራብ ፎረስት ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ደረጃ ነዊሕ እትጸንሕ ኣይመስለንን። ኣብዚ ናይ ሰኑይ ጸወታ ግን ክትዕወት'ያ ይብል።

ግምት ሱተን - ዎልቭዝ 0-1 ኖቲንግሃም ፎረስት