ፕሪምየር ሊግ 2024-25፡ ካብ ኣርሰናልን ማን ሲቲን ዋንጫ መን ትዕወት?

ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንራብዓይ ተኸታታሊ ዓመተ ስፖርት ፕሪምየር ሊግ ተዓዊታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንራብዓይ ተኸታታሊ ዓመተ ስፖርት ፕሪምየር ሊግ ተዓዊታ

ብዙሓት ብሃንቀውታ ክጽበይዎ ዝጸንሑ ዓመተ ስፖርት ፕሪምየር ሊግ 2024-25 ብዓርቢ ተጀሚሩ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዙሓት ተንተንቲ ማንቸስተር ሲቲ ዋንጫ ከምትዓትር ገሚቶም ነይሮም።

ግምታቶም ድማ ተጋሂዱስ ሲቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንራብዓይ ተኸታታሊ ዓመተ ስፖርት ፕሪምየር ሊግ ተዓዊታ እያ።

ብዙሕ ግምት ተዋሂብዋ ዝነበረት ኣርሰናል ድማ ንካልኣይ ተኸታታሊ ዓመት ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ዛዚማ።

ኣብዚ ብዓርቢ ዝተጀመረ ዓመተ ስፖርት ፕሪምየር ሊግ’ከ መን ዋንጫ ትዓትር?

ብኣሰልጣኒ ፔፕ ጋርዮላ እትምራሕ ማን ሲቲ ኣብ መወዳእታ ኢዳ ትህብ ትኸውን’ዶ?

ኣርሰናል’ከ ኣብ መወዳእታ ካብ ተመኩሮ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ትምህርቲ ረኺባ ሓደ ደረጃ ክተመሓይሽን ዋንጫ ክትዕወትን ዕድል ኣለዋ’ዶ ይኽውን?

ቢቢሲ ስፖርት ኣብ ሎሚ ዓመተ ስፖርት ፕሪምየር ሊግ ክህልው ዝኽእል ደረጃታት ኣሚቱ ኣሎ።

ብመሰረት’ዚ ካብተን ካብ ሊግ ክወርዳ ዝተገመታ ክለባት ጀሚሩ ክሳብ ሻምፕዮን ኰይና ትዕወት ክለብ ዝህሉ ደረጃ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል።

ካብ ፕሪምየር ሊግ ዝወርዳ ክለባት - ካብ መበል 20 ክሳብ 18

ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ናብ ፕሪምየር ሊግ ዝተጸንበራ ሰለስተ ክለባት ሳውዝሃፕተን፡ ሌስተር ሲቲን ኢፕስዊች ታውንን እየን።

ሰለስቲአን ድማ ተመሊሰን ካብቲ ሊግ ከምዝወርዳ ይግመት።

20 ኢፕስዊች ታውንን

19. ሌስተር ሲቲ

18. ሳውዝሃፕተን

ካብ መበል 17 ክሳብ 11

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት መበል 16 ዝነበረት ብሬንትፎርድ ናብ መበል 17 ትሕት ከምእትብል ይግመት።

ኖቲንግሃም ፎረስት ድማ ሓደ ደረጃ ኣመሓይሻ መበል 16 ክትዛዝም ትጽቢት ይግበር።

ኣብዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት መበል 15 ደረጃ ሒዛ ዝዛዘመት ኤቨርተን ሎሚ ዓመት መበል 11 ክትዛዝም ግምት ተዋሂብዋ ኣሎ።

ዎልቨርሃምፕተን ወንደረረስ ካብ ዝሓለፈ መበል 14 ደረጃ ናብ መበል 15 ክትወርድ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት መበል 12 ደረጃ ዝሓዘት በርንማውዝ ክልተ ደረጃ ወሪዳ ኣብ መበል 14 ክትቅመጥ እያ።

ፉልሃም ከምዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት ዝነበራ መበል 13 ደረጃ ከምተረጋግጽ ተገሚቱ ኣሎ።

ብራይተን ኣብ መበል 12 ደረጃ ክትጸንዕ ትጽቢት ይግበር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መበል 11 እያ ዛዚማ።

ኤቨርተን ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ናይ ምውራድ ስግኣት ትቃለስ ኣይትመስልን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኤቨርተን ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ናይ ምውራድ ስግኣት ትቃለስ ኣይትመስልን

10. ክሪስታል ፓላስ፡ ዝሓለፈ ዓመት - ዓስረይቲ

ክሪስታል ፓላስ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት ክውዳእ ድሌት ኣይነበራን።

ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ኦሊቨር ግላስነር፡ ብኤበረቺ ኤዘ፡ ዣን ፊሊፕ ማቴታ፡ ማይክል ኦሊ፡ ፍናን ዝፈጥርን ናጻ ሸቶ ዘመዝግብን ሓድሽ መንእሰይ ኮኾብ ኣዳም ዋርተን ተደፋፊኣ ዘደንቕ ጸወታ ኣርእያ እያ።

ኦሊስ ናብ ባየር ሙኒክ ተጸንቢሩ ኣሎ፤ ፓላስ ነቶም ካልኦት ሰለስተ ክትዕቅብ ተስፋ ኣለዎ።

እዚኦም እንተጸኒሖም፡ ኵሉ መዳያዊ ምጥቃዕ ኣካይዳ ኣብ ሜዳኣ ካልእ መዘናግዕን ባህ ዘብልን ዓመተ ስፖርት ክተሕልፍ ዕድል ኣለዋ።

9. ኒውካስል፡ ዝሓለፈ ዓመት - ሻብዓይቲ

ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት ኣብ ኒውካስል ዩናይትድ ዘገርም እዩ ነይሩ።

ኒውካስል ናብ ውድድራት ኤውሮጳ ዝተጸንበረት ዝመስል’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ኤፍኤ ካፕ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ልዕሊ ማንቸስተር ሲቲ ብምዕዋታ ግን ባህጊ እታ ክለብ ኣይተገሃደን።

ይኹን እምበር ኒውካስል ብዘየማትእ መንገዲ ኣብ ዩሮ 2024 ዝበለጸ ተጻዋታይ ኢንግሊዝ ክበሃል ዝኽእል ተኸላኻላይ ክሪስታል ፓላስ ማርክ ጉሂ ክተፈርም እንተኽኢላ፡ እታ ክለብን ተጻወትታን ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ብዙሕ ዝሓሸ ምትእምማን ክስምዖም ተኽእሎ ኣሎ።

8. ዌስትሃም፡ ዝሓለፈ ዓመት - ታሽዓይቲ

ዴቪድ ሞየስ ብጁለን ሎፔተጊ ተተኪ እዩ፤ ሞየስ፡ ንዌስትሃም ዩናይትድ ዝነበሮ ምሉእ ዋጋ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ንጹር ክኸውን ይኽእል። እዚ ድማ እታ ክለብ ዩሮፓ ኮንፈረንስ ሊግ ክትዕወት ስለዘኽኣለ ጥራይ ኣይኰነን።

ዌስትሃም ድሮ ምስ ጃሮድ ቦወን፡ ሉካስ ፓኬታን መሓመድ ኩዱስን ብሉጽ ብቕዓት ነይርዋ፤ ኣብ ልዕሊ’ዚ ድማ ክሪሰንሲዮ ሳመርቪል ካብ ሊድስ ዩናይትድን ኒክላስ ፉልክሩግ ካብ ቦሩስያ ዶርትሙንድን ኣፈሪማ ኣላ።

ሎፔተጊ ንዅሉ እዚ እንተጠቒሙሉ እታ ጋንታ ዘለዋ ተስፋ ጽቡቕ ይመስል።

7. ቼልሲ፡ ዝሓለፈ ዓመት - ሻድሻይቲ

ብዛዕባ ቼልሲ ይትረፍ’ዶ ኣብ ሓደ ዓመተ ስፖርት፡ ኣብ ሓደ ጸወታ ኣብ ውሽጢ 20 ደቓይቕ እንታይ ከምዝፍጠር ምግማት ቀሊል ኣይኰነን።

ኣብዚ ካልእ ዓመተ ስፖርት ካልእ ሓድሽ ኣሰልጣኒ መዚዛ ኣላ። ካብ ሌስተር ሲቲ ዝተጸንበረ ኤንዞ ማሬስካ ንማውሪስዮ ፖቸቲኖ ተኪእዎ ኣሎ።

ማሬስካ ብተውህቦ ዝተበገሰት ጋንታ ተረኪቡ እዩ።

ኮል ፓልመር ኣብ ዩሮ 2024 ንእንግሊዝ ዓቢ ጽልዋ ዘሕደረ ብሉጽ ተጻዋቲ እዩ።

ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ድማ ኣንጻር ስጳኛ ሸቶ ምምዝጋቡ ይፍለጥ። ስለዚ ማሬስካ ምስ ብቕዓቱ እንተቐጺሉ፡ ቼልሲ ሻብዐይቲ ደረጃ ሒዛ ክትዛዝም ተስፋ ኣለዋ።

ኮል ፓልመር ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት ምስ ቸልሲ 22 ሸቶታት ኣመዝጊቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኮል ፓልመር ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት ምስ ቸልሲ 22 ሸቶታት ኣመዝጊቡ

6. ቶተንሃም ሆትስፐር፡ ዝሓለፈ ዓመት - ሓሙሻይቲ

ስፓርስ ናይ ብሓቂ መሳጢ ዓመተ ስፖርት እዩ ዝጽበያ ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት ኣብ ትሕቲ ኣንጀ ፖስተኮግሉ ብፍላይ ድሕሪ ምኻድ ሃሪ ኬን ምምሕያሽ ተራእዩ እዩ። ኰይኑ ግን ናብ ላዕለዎት ኣርባዕተ ክለባት ክትጽንበር ዘይምኽኣላ ከም ልምዲ ክውሰድ ይግባእ።

ካብ ቦርንማውዝ ብ65 ሚልዮን ፓውንድ ብዝግመት ውዕል ዝተጸንበረ ዶሚኒክ ሶላንከ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከም ኣጥቃዓይ ናይ ምብሳል ምልክታት ኣርእዩ።

ሶን ሄንግ-ሚን ኣብዚ ዓመተ ስፖርት’ውን መነቓቕሒ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

ስለዚ ሻድሻይ ደረጃ ሒዛ ምዝዛም ኣዝዩ ክውንነታዊ ከምዝዀነ ይእመን።

5. ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ዝሓለፈ ዓመት - ሻሙናይቲ

ኤሪክ ቴን ሃግ ዝሓለፈ ዓመት ዋንጫ ኤፍኤ ካፕ ድሕሪ ምዕዋቱ ኣሰልጣንነቱ እንተዓቀበ’ውን ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ጽቡቕ ጅማሮ ከምዘድልዮ ንሱ ባዕሉ ዝፈልጡ ነገር እዩ።

ዩናይትድ ጸወታ ዝቕይር ተባሂሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ተጻዋቲ ኣየፈረመትን፤ ኣብ ልዕሊ ተኸላኻላይ ሌኒ ዮሮ ዘጋጠመ መስበርቲ ድማ ካልእ ክሳራ እዩ።

ማርከስ ራሽፎርድ ብቕዓቱ ዳግማይ ከነቓቕሕ ይኽእል ድዩ? ጄደን ሳንቾ’ኸ? ጆሽዋ ዚርክዚ ምስታ ጋንታ ብኸመይ ክሰማማዕ ይኸውን? መልሲ ዘድልዮም ብዙሓት ሕቶታት ኣለዉ።

ይኹን’ምበር ከም ኮቢ ማይኖን ኣሌሃንድሮ ጋርናቾን ዝኣመሰሉ ብሉጻት መንእሰያት እውን ኣለዋ።

ስለዚ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ሒዛ ምዝዛም ትኽእል እያ። ቴን ሃግ እውን እዚ ውጽኢት ከድልዮ እዩ።

4. ኣስቶንቪላ፡ ዝሓለፈ ዓመት - ራብዓይቲ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት ኣስቶንቪላ ብኽእለት ኡናይ ኤመሪ ተመሪሓ 5ይ ደረጃ ክትዛዝም ግምት ተዋሂብዋ’ኳ እንተነበረ፡ ካብዚ ሓደ ደረጃ ልዒላ ተሳትፎ ሻምፕዮንስ ሊግ ክተረጋግጽ ክኢላ’ያ።

ዳግላስ ሉዊዝ ናብ ጁቬንቱስ ምጽንባሩ ክሳራ ክኸውን እዩ። ይኹን’ምበር ኣብ ካልእ መዳያት ብቕዓት ዘለዎም ተጻወትቲ ኣለዋ።

ኣብ ዩሮ 2024 ምስ እንግሊዝ ዓቕሙ ዘርኣየ ኦሊ ዋትኪንስ ሓደ መርትዖ እዩ።

ኣማዶ ኦናና ካብ ኤቨርተን ብ50 ሚልዮን ፓውንድ ምፍራማ እውን ካልእ ተስፋ ዝህብ ስጉምቲ እዩ። ካብ ተሳትፎ ሻምፕዮንስ ሊግ’ውን ተመኩሮ ክትወስድ እያ።

ስለዚ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት’ውን ብተመሳሳሊ ራብዓይ ደረጃ ሒዛ ክትዛዝም ትጽቢት ይግበር።

3. ሊቨርፑል፡ ዝሓለፈ ዓመት - ሳልሰይቲ

ኣርነ ስሎት ንየርገን ክሎፕ ተኪኡ ዘይከኣል ዕማም ዝወሰደ ይመስል። እዚ ኣሰልጣኒ ፈይኖርድ ነበር ግን የርገን ዝገደፈሉ ተጻወትቲ ተጠቒሙ ጽቡቕ ውጽኢት ከመዝግብ ተኽእሎ ኣሎ።

ሊቨርፑል መሓመድ ሳላሕ፡ ሓላዊ ልዳት ኣሊሰን፡ ሓለቓ ጋንታ ቨርጂል ቫን ዳይክን ትሬንት ኣሌክሳንደር-ኣርኖልድን ዝርከብዎም ዓለምለኻዊ ደረጃ ዘለዎም ተውህቦታት ኣለዉዋ።

ብተወሳኺ ስሎት ከም ሃርቪ ኢልዮት ዝኣመሰሉ ብቕዓት ዘለዎም መንእሰይ ተጻወትቲ እውን ክህልዎ እዩ።

ኣብ መንጎ ደገፍቲ ጭንቀት ክህሉ ርዱእ'ኳ እንተዀነ፡ ሊቨርፑል ግን ፍልይቲ ሓያል ክለብ ኰይና ክትቕጽል ዕድል ኣሎ።

ንዋንጫታት ካብ ምውድዳር ሓሊፋ ክሳብ ራብዓይ ደረጃ ብምዝዛም ተሳትፎ ሻምፕዮንስ ሊግ ክተረጋግጽ እያ።

ሊቨርፑል ምስ ኣብዚ ክራማት ንየርገን ክሎፕ ተኪኡ ኣሰልጣኒ ዝዀነ ኣርነ ስሎት ሓድሽ ዘመን ትጅምር ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሊቨርፑል ምስ ኣብዚ ክራማት ንየርገን ክሎፕ ተኪኡ ኣሰልጣኒ ዝዀነ ኣርነ ስሎት ሓድሽ ዘመን ትጅምር ኣላ

2. ኣርሰናል፡ ዝሓለፈ ዓመት - ካልኣይቲ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት ሚከል ኣርቴታ ዝመርሓ ጋአርሰናል ብደክላን ራይስ ተሓጊዛ ናብ ሓድሽ ብቕዓት ደይባ ነይራ።

እዚ ግን እኹል ኣይነበረን፡ ዋንጫ ንምዕቃብ ዘድሊ ደረጃታት ፍጽምና ክትዕቅብ ኣይከኣለትን።

ኣብዚ ዓመተ ስፖርት እውን ዳግማይ መነሓንሕቲ ማን ሲቲ ክትከውን ዓቢ ግምት ተዋሂብዋ ኣሎ::

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ተመኩሮ ሻምፕዮንስ ሊግ እውን ነዚ ዝሕግዝ ክኸውን’ዩ።

1. ማንቸስተር ሲቲ፡ ዝሓለፈ ዓመት - ሻምፕዮን

ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒኣ ፔፕ ጋርድዮላ ዘይሕለል ጥሜት ዓወት ክተርእይ ጸኒሓ’ያ። ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመተ ውድድራት ሽዱሽተ ግዜ ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ ክትዓትር ክኢላ’ያ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ብተኸታታሊ ንራብዓይ ግዜ ሻምፕዮን ብምዃን ክብረወሰን ከምዘመዝገበት ይፍለጥ።

ብቕዓት ማን ሲቲ ሕጂ’ውን ይቕጽል ኣሎ።

መንእሰያት ኮኾባት ኦስካር ቦብን ጀምስ ማካቲን ምስ ኤርሊንግ ሃላንድ ሸቶ ማሽን ተሓባቢሮም ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ዝያዳ ሓድሽ ታሪኽ ከመዝግቡ ድሉዋት እዮም። እዚ ድማ ንመወዳድርቶም ኣዝዩ ዘሰክፍ ተስፋ እዩ።

ማንቸስተር ሲቲ ፕሪምየር ሊግ ዘይትዕወተሉ ዓመተ ስፖርት ግድን ክመጽእ’ዩ፤ ይኹን’ምበር እዚ ኣብ ሎሚ ዓመት ዝኸውን ነገር ኣይመስልን።