ቸልስን ሌስተር ሲትን ኣሰልጠንተን ኣባሪረን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሰልጠናኒ ቸልሲ ግራሃም ፓተርን ኣሰልጠንቲ ሌስተር ሲቲ ብሬንዳን ሮጀርስን ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ስርሖም ተሰጒጎም።
ቸልሲ ብቐዳም ብኣስቶን ቪላ ክልተ ብዜሮ ድሕሪ ምስዓራ’ያ ነቲ ንዓመት 12 ሚልዮን እናተኸፈለ ንሓሙሽተ ዓመት ዘቐጽል ውዕል ዝነበሮ ግራሃም ፖተር ትማሊ ሰንበት ኣፋንያቶ።
እቲ እንግሊዛዊ ኣሰልጣኒ ንቶማስ ቱኸል ተኪኡ ንቸልሲ ኣብ 31 ጸወታታት ክመርሓ እንከሎ ኣብ 11 ጸወታታት ተሳዒሩ።
ቸልሲ ንሓደሽቲ ተጻወትቲ ንምግዛእ ኣብዚ ወቕቲ 550 ሚልዮን ፖውንድ’ኳ እንተውጽአት፡ ኣብ 28 ጸወታታት፡ 10 ግዜ ስዒራ ሸሞንተ ግዜ ማዕረ ወጺኣ 10 ግዜ ተሳዒራ ብ38 ነጥቢ ኣብ መበል 11 ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።
ቸልሲ ካብታ ብ72 ነጥቢ ኣብ ቅደሚት ንጸወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ትቕልስ ዘላ ኣርሰናል [ኣርሰናል ሓደ ጸብለልታ ጸወታ ኣለዋ] ብ34 ነጥቢ ክትድሕር እንከላ፡ ካብታ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ማንቸስተር ዩናይትድ ከኣ ብ12 ነጥቢ ድሒራ ትርከብ።
ቸልሲ ጽባሕ ሰሉስ ኣብ ጸወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኣብ ሜድኣ ኣንጻር ሊቨርፑል፡ 12 ሚያዝያ ኸኣ ቀዳማይ እግሪ ጸወታ ርብዒ ፍጻመ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣንጻር ሪያል ማድሪድ ጸወታ ክህልዋ’ዩ።
ቸልሲ ንምብራር ግራሃም ፓተርን ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “ፖተር እቲ መስረሕ ምርኽኻብ ብጽፉፍ ንኽዛዘም ተሰማሚዑ ኣሎ፡” ድሕሪ ምባል ምስ ግራሃም ፓተር ብምዃን ኣብ ብራይተን ዝሰርሐ ብሩኖ ሳልተር እታ ጋንታ ሓዲሽ ኣሰልጣኒ ክሳብ ተፈርም ግዝያዊ ዓላሚ ኰይኑ ንቸልሲ ክመርሓ ተመዚዙ ከምዘሎ ኣፍሊጣ።
ንቸልሲ ብግዚያውነት ከሰልጥን ተመዚዙ ዘሎ ወዲ 42 ዓመት ብሩኖ ሳልተር ቅድሚ ኣብ 2019 ካብ ጸወታ ደው ምባሉ ምስ ብራይተን ንሸውዓተ ዓመት ከምዝተጻወተ ይዝከር።
ንግራሃም ተኪኦም ኣሰልጠንቲ ቸልሲ ንምዃን ግምት ተዋሂብዎም ካብ ዘሎ፤ ጁሊያን ናገልስማን፡ ማውሪስዮ ፓቸቲኖ፡ ሉዊስ ኢንሪኲ፡ ዚነዲን ዚዳን፡ ኣንቶንዮ ኮንተ ከምኡ'ውን ተሪ ሄንሪ ይርከብዎም።
ምስቲ ትማሊ ሰንበት ካብ መዝነት ምስልጣን ሌስተር ሲቲ ዝተባረረ ብሬንዳን ሮጀርስ ሓዊስካ ኣብዚ ዓመት ኣብ ፕረሚየር ሊግ 12 ኣሰልጠንቲ ካብ ስርሖም ተባሪሮም ኣለዉ።
ሌሲስተር ሲቲ ብቐዳም ብክሪስታል ፓላስ 2 ብ 1 ድሕሪ ምስዓራ’ዮም ኣባላት ቦርድ እታ ክለብ ነቲ ኣልጣኒ ትማሊ ሰንበት ካብ ስርሑ ኣሰናቢቶሞ።
ሌስተር ሲቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ፕረሚየርሊግ ዘካየደቶ ሓሙሽተ ጸወታ፡ ኣርባዕተ ግዜ ክትስዓር እንከላ ሓንሳብ ማዕረ ወጺኣ።
ኣብ 28 ጸወታታት እቲ ሊግ ከኣ ሸውዓተ ግዜ ስዒራ፤ ኣርባዕተ ግዜ ማዕረ ወጺኣ 17 ጸወታታት ተሳዒራ ብ25 ነጥቢ ንሳውዝሃምፕተን ጥራይ በሊጻ ኣብ መበል 19 ሰሪዓ ትርከብ።
ብሬንዳን ሮጀርስ ኣብ ለካቲት 2019’ዩ መዝነት ምስልጣን ሌስተር ሲቲ ተረኪቡ፤ ኣብ 2021 ኸኣ ምስታ ጋንታ ብምዃን ዋንጫ ኤፍኤ ክዓትር ክኢሉ’ዩ።
ኣቦ ወንበር ጋንታ ሌስተር ሲቲ ኣያዋት ስሪቫድሃን ፕራብሃ፡ እታ ክለብ ኣብዚ ሎሚ ዓመት ኣብ ዝገበረቶ ጸወታታት፡ “ትሕቲ እቲ ኵልና ንጽበዮ ዝነበርና’ዩ” ኢሉ።
እቲ ኣቦ ወንበር ኣብ መግለጺኡ “ጸወታ ፕረሚየርሊግ ክዛዘም 10 ጸወታታት ጥራይ’ዩ ተሪፍዎ ዘሎ፡ ነዛ ጋንታ ናብ ድሕሪት ካብ ምምላስ ከነድሕና ካልእ ኣማራጺ ከነናዲ ኸኣ ግዚኤ ሕጂ’ዩ” ኢሉ።
ወዲ 50 ዓመት ብሬንዳን ሮጀርስ ኣብ መጀመርታ ክልተ ዓመታት፡ ሌስተር ክልተ ግዜ ሓምሸይቲ ኰይና ውድድራ ንኽትዛዝምን ኣብ 2021 ንቸልሲ ስዒራ ዋንጫ ኤፍኤ ንኽትዕወትን ኣኽኢልዋ’ዩ።
ኣብ ዓመተ 2022-2023 ግን እታ ጋንታ ኣብ መጀመርታ ቀዳሞት 10 ጸወታታት ሸውዓት ግዜ ስለዝተሰዓረት ካብቲ ዝጀመረቶ ሸታሕታሕ ከድሕና ኣይክኣለን።
ከም ውጽኢቱ ኸኣ ነታ ብ23 ነጥቢ ኣብ መበል ዕስራ ትርከብ ሳውዝሃምተን ታኮ ገይራ ደው ኢላ ኣላ፡ ዝተረፈ ዓሰርተ ጸወታታት እንታይ’ዩ ከርእያ ግን ብሕጂ ዝርአ’ዩ።
ነታ ጽባሕ ሰሉስ ኣብ ሜድኣ ዓዲማ ትጻዋታ ኣስቶንቪላ ከም መንጠሪ ተጠቒማዶ ነጥባ ተበርኽ፡ ወይስ ካብዚ ዘላቶ ዝኸፍአ'ዩ ክመጻ ኸኣ ጽባሕ ክፈርዳ’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







