ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ መን ትዕወት? ኣርሰናል’ዶ ማን ሲቲ?

ኣሰልጠንቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ናብ መን ተመርሕ? ናብ ኣርሰናል’ዶ ናብ ማን ሲቲ? ናይ ኩሉ ሰብ ሕቶ ኰይኑ ኣሎ።

ኣርሰናል ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ስታድዩም ኢማራትስ ንክሪስታል ፓላስ 4ብ1 ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ።

ኣርሰናል ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ካብ እትዓትር 19 ዓመታት ገይራ ኣላ። ሕጂ ድማ ድሕሪ 10 ጸወታታት ደግፍታ ዝተሃንጠይሉ ዋንጫ ክትዓትር ተኽእሎ ኣሎ።

ሓደ ጸወታ ዝተርፋ ማንቸስተር ሲቲ ካብ ኣርሰናል ብሸሞንተ ነጥቢ ድሒራ ትርከብ፤ እንተዀነ ማን ሶቲ ዘይከም ኣርሴናል ኣብ ኤፍኤ ካፕን ሻምፕዮንስ ሊግን ውድድራት ተካይድ ኣላ።

ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ስታድዩም ኢትሃድ ረቡዕ 16 ሚያዝያ ንኣርሰናል ክተአንግድ’ያ።

መን እያ ዋንጫ ክትዓትር? ካብ ክልቲአን ጋንታታት ኣየነይቲ እያ ዝሓሸ ቀሊል ተረፍ ጸወታ ዘለዋ?

ዝተረፈ ጸወታታት

ኣርሰናል ምስ ሲቲ ክነጻጸር ከሎ ዝተረፈ ጸወታታት ዝቐለለ ምዃኑ ይእመን። ሲቲ ኣብ ኩሉ ዝተረፈ ጸወታታት ከም እትዕወት ምግማት፤ ኣርሰናል ካብ ዝተረፋ 10 ጸወታታት 26 ነጥቢ የድልያ።

ኣርሰናል ናይ መወዳእታ ጸወታኣ ኣብ ሜድኣ ኣንጻር ዎልቭስ ከተካይድ እያ።

ፔፕ ጋርድዮላ ዝመርሓ ጋንታ 11 ጸወታታት ተሪፍዋ ኣሎ። ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ እንተወሓደ ክልተ ግዜ ኣንጻር ባየር ሙኒክ፡ ኣብ ኤፍኤ ካፕ ኣንጻር ሸፊልድ ዩናይትድ እውን ክገጥም እያ። ኣብዚ እንተተዓዊታ ኣብ 3 ሰነ ኣብ ፍጻመ ኤፍኤ ካፕ፡ ኣብ ሰሙኑ 10 ሰነ ድማ ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ሻምፕዮንስ ሊግ ክትጻወት እያ።

ትካል ኒልሰን ግሪንኖትስ፡ ዝተረፈ ጸወታታት ኣርሰናልን ሲቲን ከምኡ'ውን ናይ ምዕዋት ዕድለን ገምጊሙ እዚ ዝስዕብ ግምት ይህብ።

ማይክል ኣርተታ ዝመርሓ ኣርሰናል ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ ናይ ምዕታር ዕድላ 53 ሚእታዊት ኢዩ፤ ሲቲ 47 ሚእታዊት ዕድል ከም ዘለዋ እቲ ትካል ይገልጽ።

ተጻወትቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ኣርሰናል ብሸሞንተ ነጥቢ ንሊግ ትመርሕ እኳ እንተኾነት፡ ዋንጫ ናይ ምልዓል ዕድላ 50/50 ኢዩ። ሲቲ ሓደ ጸወታ ተሪፍዋ ኣሎ። ኣርሰናል ካብ ሜድኣ ወጻኢ ኣንጻር ሰለስተ ካብተን ቀዳሞት 6 ጋንታታት’ውን (ሲቲ፡ ኒውካስልን ሊቨርፑልን) ክትጻወት'ያ" ይብል ተንታኒ ስፖርት ናይቲ ትካል ሳይሞን ግሊቭ።

“ንሲቲ ዝኸበደ ጸወታ ዝመጽእ ወርሒ ካብ ሜድኣ ወጻኢ ምስ ብራይተን እዩ።”

እቲ ተንታኒ ከም ዝብሎ፡ ኣርሰናል ብመሰረት እቲ ትካል ዝገበሮ ናይ ዓወት ግመታት፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመተ ስፖርት 87 ነጥቢ ክትረክብ እያ፤ ሲቲ ድማ 86።

ሳይሞን ወሲኹ፡ ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸወታ ናይ ምዕዋት፡ ናይ ምስዓር ወይ ናይ ማዕረ ዕድለን እንተተቖጺሩ፡ ክልቲአን ጋንታታት ብ88 ነጥቢ ዓመተ ስፖርት ክዛዝማ ይኽእላ እየን።

ረቡዕ 16 ሚያዝያ ኣብ ስታድዩም ኢትሃድ ማንቸስተር ሲቲ ምስ ኣርሰናል እትገብሮ ጸወታ እታ ዋንጫ ናበይ ከም እትኸይድ ከመልክት ይኽእል እዩ።

ማንቸስተር ሲቲ ኣብዚ ግጥም ናይ ምዕዋት ዕድላ 66 ሚእታዊት እዩ። ኣርሰናል ግን ማዕረ ተፈላልያ፤ ወይ እንተተዓዊቱ ኩነታት ክቕየር እዩ።

ታሪኽ ንኣርሰናል ይድግፍ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣርሰናል ድሕሪ 19 ዓመት ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ ክትዕወት ድያ ኢሎም ድቃስ ስኢኖም ዝጸንሑ 'ጋነርስ' ታሪኽ ብምርኣይ ክዛነዩ ይኽእሉ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኦፕታ ዝተባህለ ትካል ትንተና መረድኢታት፡ ኣብ ታሪኽ ፕሪምየር ሊግ፡ ሰለስተ ጋንታታት ጥራይ እየን ዋንጫ ከይተዓወታ ብሸሞንተ ነጥቢ መሪሐን።

ኣብ ሻምፕዮን ኤውሮጳ 1997/98 ማንቸስተር ዩናይትድ ብ9 ነጥቢ ነቲ ሊግ ትመርሖ እኳ እንተነበረት፡ 3 ጸወታታት ዝተረፋ ኣርሰናል ግን ብድሕሪት መጺኣ ነቲ ሊግ ተዓዊታ።

ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ማንቸስተር ዩናይትድ፤ ድማ ነታ ብሸሞንተ ነጥቢ ንሊግ ትመርሕ ዝነበረት ኣርሰናል ብምግልባጥ ሕነኣ ፈድያ።

ኣብ ዓመተ ስፖርት 2011/12 ማንቸስተር ሲቲ ብድሕሪት መጺኣ ነታ ዩናይትድ ዝነበራ መሪሕነት ነጥቢ ዝነበራ ዩናይትድ ብታሪኻዊት ሸቶ ኣጉዌሮ ስዒራ ዋንጫ ከም ዝዓተረት ይዝከር።

ታሪኽ እንተርኢና ካብተን 30 ጸወታታት ተጻዊተን ልዕሊ 69 ነጥቢ ዘዋህለላ ክለባት ሓንቲ ጋንታ ጥራይ እያ ዋንጫ ክትዓትር ዘይከኣለት - ሊቨርፑል ኣብ 2018/19።

ተኸላኻላይ ኣርሰናል ነበር ማሪን ኬዎን፡ ውድድር ዋንጫ ኣዝዩ መሳጢ ከምዝኸውን ኣይጠራጠርን። ይኹን'ምበር ኣርሰናል ዝከኣላ ትገብር ከምዘላ ይገልጽ።

“ሕጂ’ውን ብዙሕ ስራሕ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ንምብጻሕ ዝከኣሎም ኩሉ ገይሮም እዮም። ሲቲ ኣብ ጽኑዕ ቦታ ኣላ። ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግን ኤፍኤ ካፕን እናተሳተፈ ንኣርሰናል ክትፈታተን'ያ።"

ተኸላኻላይ ዌልስ ነበር ዳኒ ጋቢደን ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ኣርሰናል ኣዝያ ሚዛናዊት ምዃና ይገልጽ።

ኣርሰናል ገና ኣንጻር ዓበይቲ ጋንታታት ጸወታታት እኳ እንተሃለዋ፡ ህሉው ኣቀማምጣ እታ ጋንታ ግን ፍሉይ እዩ ይብል።

"ውድድር ዋንጫ ናይ ሎሚ ዓመት ክሳብ መወዳእታ ክቕጽል'ዩ።"