ማንቸስተር ዩናይትድ ካብ 'ምኒኑታት ናብ ዕዉታት' ተሰጋጊሮም

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ዓወት ተሓሪምዋ ዝጸንሐት እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ትማሊ ሰንበት፡ ድሕሪ 6 ዓመት ሓንቲ ዋንጫ ዓቲራ'ላ።
ኣብቲ ኣብ ለንደን፡ ስታድዮም ዌምብሊ ዝተኻየደ ናይ ፍጻመ ግጥም ዋንጫ 'ካራቦ ካፕ'፡ ነታ ፍሉጥ ኤርትራዊ-ስዊድናዊ ኣለክሳንደር ኢሳቕ ዘሰለፈት ክለብ ኒውካስል ዩናይትድ 2 ብ 0 ስዒራ'ያ ማንቸስተር ዋንጫ ወኒና ዘላ።
'ዋንጫ ካራቦ" ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ብሳልሳይ ደረጃ ዝስራዕን ጋንታታት ታሕተዎት ዲቪዢናት (ሊጋት) ዝሳተፋሉን ናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ውድድር'ዩ።
ይኹን'ምበር ንተጻወትን ደገፍትን ማንቸስተር እቲ ናይ ትማሊ ዓወት፡ ዓቢ ሞራል ዝሃበን ናይ ቀደም ሰናይ ዘመን ዘዘኻኸረን'ዩ ነይሩ።
"ዝያዳ [ዓወት] ንደሊን የድልየናን'ዩ" ክብል ተጻዋታይ ማእከል ብሩኖ ፈርናንደዝ ዋንጫ ድሕሪ ምዕታሩ ተዛሪቡ'ሎ።
"ዕጉብ'የ ሕጂ፡ ምኽንያቱ ዋንጫይ ስለዝረኸብኩ፡ ግና ክንውስኽ ኢና ንደሊ" ይብል ፈርናንደዝ።
እቲ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ፓርቱጋል ዝኾነ ፈርናንደዝ "ናይዚ ዓመተ-ውድድር ፈላሚት ዋንጫ'ያ፡ ግና ዝያዳ ክንውስኽ ኢና ንደሊ። ነዛ ክለብ እዚኣ እዚ እኹል ኣይኮነን" ብምባል ተወሳኺ ዓወታት ንምጉንጻፍ ክምርሹ ምዃኖም ኣሚቱ'ሎ።
ማንቸስተር፡ ኣብ ዓመተ 2016-17፡ ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒ ጆሰ ሞሪንሆ ነታ 'ኢ-ኤፍ-ኤል' ተባሂላ ትጽዋዕ ዝነበረት ተመሳሳሊት ዋንጫን ናይ ኣውሮጳ ሊግ ዋንጫን ድሕሪ ምዕዋታ፡ ዝኾነ ዋንጫ ከይወሰደት'ያ ጸኒሓ።
ኣብዚ ዓመተ ውድድር እዚ ግን፡ ንሓያለ ዋንጫታት እንግሊዝን ኣውሮጳን ንምዕታር ትመጣጠርን ትጠማጠምን ኣላ።
እታ ብኣሰልጣኒ ኤሪክ ተን ሃግ እትምራሕ ጋንታ፡ ንዓርሞሸሽ ኩዕሶ እግሪ ዝነበረት ባርሰሎና ብምስዓር ናብ ደረጃ 16 ቻምዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ክትሓልፍ ክኢላ'ላ።
ኣብታ ብካልኣይ ደረጃ ትስራዕ ዋንጫ ዓዲ-እንግሊዝ 'ኤፍ-ኤ-ካፕ' ናብ ሓምሻይ ዙርያ ብምብጻሕ ኣብ ዝመጽእ ረቡዕ ሰዓት 19:45 ብኣቆጻጽራ ለንደን (GMT) ኣብ ኦልድ-ትራፈርድ ምስ ዌስት ሃም ክትገጥም'ያ።
ብወገን ሪሜርሊግ ድማ፡ ጋንታ 'ረድ ደቪልስ' ነታ ዛጊት 57 ነጥቢ ብምውህላል ነቲ ሊግ ትመርሖ ዘላ ኣርሰናል ብ8 ነጥቢ ድሒራ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ'ላ። ክልቲአን ጋንታታት 14 ግጥማት ፕሪሜርሎግ'ዩ ተሪፍወን ዘሎ።
እታ ብሓደ ጸወታ እትመርሓ ዘላን ቀንዲ መቐናቐንታ ዝኾነትን ማንቸስተር ሲቲ ብወገና 55 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ'ላ።
'ንማንቸስተር ዩናይትድ ናብ ንቡር ንምምላስ ንፍልም ኢና ዘለና'
ሆላንዳዊ ኣሰልጣኒ ኤሪክ ተን ሃግ ናብታ ክለብ ካብ ዝጽንበር ንድሓር ዝተራእየ ለውጥጥ ኣዝዩ ዝድነቕ'ዩ።
ነታ ኣብ ቅልውላው ዝነበረት፡ ኣብቲ ናይዚ ዓመተ-ውድድር ፕሪሜርሊግ ኣንጻር ብራይተን ዘካየደቶ ፈላሚ ግጥማ ዝተሳዕረትን ምስ ብረንትፈርድ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ቅድሚ ዕረፍቲ ጥራይ 4 ሸቶታት ተመዝጊብዋ ሕፍረት ዝተጎልበበትን ጋንታ፡ ናብ ዋንጫ ክትበጽሕ ኣኽኢሉዋ ኣሎ።
መዓስ እዚ ጥራይ፡እታ ጋንታ፡ ኣብ ትሕቲ'ቲ ብዙሕ ናእዳ ዝረኸበ መሪሕነቱ፡ ዝተረፋ ክልተ ዋንጫታት ንምዕታር'ውን ትመጣጠር ኣላ። ኣብ ፕሪሜርሊግ መበል ሳልሳይ ደረጃ ምስርዓ'ውን ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት'ዩ።
ተን ሃግ፡ ንቢቢሲ ከምዝበሎ ድሕሪ'ቲ ናይ ትማሊ ሰንበት ግጥም ምስ ፍሉጥ ኣሰልጣኒ ናይታ ክለብ ነበር ሰር ኣለክስ ፈርግሰን ተራኺቡ ነይሩ። "ክቕበለኒ ኣብዚ ምጽንሑ ዓቢ ነገር'ዩ። ነታ ክለብ ተሓጒሱላ'ዩ ዘሎ። ነዛ ክለብ ዝገበረላ ዓቢ ኣርኣያ እዩ። ዋንጫታት ንምዕዋት'ውን ዓቢ ወነ ዘስንቕ'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ኩዕሶ እግሪ ኩሉ ብዛዕባ ምዕዋት'ዩ። ንሱ ኸኣ ብዙሕ ግዜ ነዚ ኣመስኪሩ'ዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ እወታዊ መንፈስ ኣብታ ክለብ ዓሲሉ'ሎ። እዚ ምትእምማን ከምጽኣልና'ዩ፡ ግና ክንቃለስ፡ ከነውፍርን ክንውፈን ኣለና። ከምኡ እንተጌርና፡ ዕዉታት ክንከውን ዝክኣል'ዩ" ይብል ተን ሃግ።
"ጌና ንማንቸስተር ዩናይትድ ናብ ንቡር፡ናብቲ ዝግብኦም ደረጃ ንምምላስ፡ ንፍልም ኢና ዘለና። እዚ ድማ ዋንጫታት ምዕታር'ዩ። እዚኣ ኸኣ ናይ መጀመርታ'ያ"።
'ዓቢ ለውጢ- 'ካብ ምኒኑታት ናብ ዕዉታት'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተን ሃግ ኣብታ ክለብ ዘምጽኦ ለውጢ፡ ብሓደ ካብቶም ፍሉጣትን ዕዉታትን ተጻወቲ ናይታ ክለብ ነበርን ተንታኒ ኩዕሶ እግርን ዝኾነ ጋሪ ነቪል ናእዳ ረኺቡ'ሎ።
ነቪል ንተለቪዢን ስካይ ስፓርት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ሓደ ሰብ'ዩ፡ ንሓንቲ ጋንታ ካብ ምኒኑታት ናብ ዕዉታት ቀዪርዎም" ክብል ዘለዎ ኣድናቖት ተዛሪቡ።
"ተስፋ ዝቖረጽናሎም ተጻወቲ፡ ንካልኣይ ግዜ ነዛ ክለብ እዚኣ ክጻወቱ የብሎምን ዝበልናዮም ተጻወቲ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብኡ ኣለዉ፣ ካብ ድኻሞም ተመሊሶም ዋንጫታት ክዓትሩ ዕድል ኣለዎም። ዕዉታት ሒደት ኣዋርሕ እየን ነይረን" ክብል እቲ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ንዘምጽኦ ለውጢ ገሊጽዎ።
"ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመተ-ውድድር፡ ገለ ካብዞም ተጻወቲ፡ ከምብዓል ኣነ ብዝመሰሉ ሰባት መሕፈራት ዝብል መጸውዒ ዝተዋህቦም'ዮም ነይሮም፡ ስለዚ እቲ ምምሕያሽ ዓቢ'ዩ"።
ኣብ እዋን ፈርግሰን ፍሉጥ ሓለቓ እታ ጋንታ ዝነበረ ሮይ ኪን ብወገኑ፡ ኣብታ ክለብ ሓድሽ መዋእል ከምዝመጸ'ዩ ዝእምት።
"እቲ ኣሰልጣኒ፡ ነታ ክለብ ከምብሓድሽ ክሃንጻ'ዩ መጺኡ። ብዓይኒ ተሪር ነቐፌታ'የ ክርእዮም ጸኒሐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝጸንሖም ኩነታት ጸሊኤዮ እየ ነይረ። እዚ ኣሰልጣኒ'ዚ ዝገበሮ ግን ዝንኣድ'ዩ" ይብል።
"ኩሉ ሞሳ ንዕኡ'ዩ ዝግባእ። ግና ከቢድ ስራሕ'ዩ ዝጽበዮ ዘሎ። እቶም ተጻወቲ ነዚ ከም መንጠሪ ባይታ ክጥቀምሉ ኣለዎም" ይብል ኪን።
ሓደ ካብ ፍሉጣት ተንተንቲ ኩዕሶ እግሪ ዓዲ-እንግሊዝ ዝኾነ ስቲፈን ዎርኖክ ከምዝብሎ'ውን፡ ተን ሃግ ሓደ ካብ ዓበይቲ ኣሰልጠንቲ ፕሪሜርሊግ ምዃኑ ኣረጋጊጹ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







