ክርስትያኖ ሮናልዶ- ብማንችስተር “ከምዝተጠለምኩ” ይስመዐኒ'ሎ

ክርስትያኖ ሮናልዶ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ክርስትያኖ ሮናልዶ ብጋንታ ማንችስተር ዩናይትድ “ከምዝተጠለመ” ከምዝስመዖን፡ ካብቲ ክለብ ክወጽእ ጸቕጢ ይግበረሉ ከምዘሎን ተዛሪቡ።

ሮናልዶ ከምትጽቢቱ ካብ ዩናይትድ ወጺኡ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ናብ እትጻወት ጋንታ ናይ ምስግጋር ዕድል ብዘይምርካቡ፡ ዝተረፈ ግዚኡ ኣብ ኦልድትራፎርድ ብምጽዋት ከምዘሕልፎ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

እቲ ፖርቱጋላዊ ኮኸብ፡ ኣብ ቶክቲቪ ምስ ፒርስ ሞርጋን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕተት እዩ ነቲ በጺሕኒ ዝበሎ ጸቕጢ ተዛሪቡ።

ማንችስተር ዩናይትድ ቅረታ እቲ ተጻዋታይ ኣመልኪታ ምላሽ ክትህብ ሕቶ ቀሪቡላ ኣሎ።

ብሰንበት ንጋንታ ፉልሃም 2 ብ 1 ዝሰዓረት ጋንታ ማንቸስተር፡ ብኣሰልጣኒ ተን ሃግ እናተመርሐት፡ ኣብ ደረጃ ፕረሚየር ሊግ እንግሊዝ ሓምሻይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ።

ኣመራርሓ እታ ጋንታ ክለቅቕ ጸቕጢ ይፈጥሩሉ እንተሃልዮም ዝተሓተተ ሮናልዶ “እወ፡ እቲ ኣሰልጣኒ [ኤሪክ ተን ሃግ] ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ጋንታ ብዝርከቡ ካልኦት ክልተ ሰለስተ ሰባት እውን፤ ከምዝተጠለምኩ እዩ ዝስመዐኒ፡” ኢሉ።

ብተወሳኺ ካብ ላዕለዎት መሪሕነት ካብታ ጋንታ ከውጽእዎ ይፍትኑ እንተሃልዮም ንዝቐረበሉ ሕቶ ድማ “ኣይግድሰንን፤ ሰባት ነቲ ሓቂ ክሰምዑ ኣለዎም።

“እወ፤ ከምዝተጠለምኩን ገለ ሰባት ኣብዚ ክጸንሕ ከምዘይደልዩንን ይስመዐኒ፤ ሎምዘበን ጥራሕ ዘይኮነስ ዝሓለፈ ዓመት እውን” ኢሉ።

ንኣሰልጣኒ ተን ሃግ ‘ክብሪ’ ከምዘይብሉ ይገልጽ

ሮናልዶ ድሕሪ እቲ ኣብ 6 ሕዳር ሓለቓ እታ ጋንታ ኮይኑ ምስ ኣስቶንቪላ ኣብ ዘካየድዎ ጸወታ ዘጋጠሞም ናይ 3 ን 1 ስዕረት፡ ብዘይተፈለጠ ሕማም ኣይተጻወተን።

ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጋንትኡ ምስ ቶተንሃም ኣብ ዘካየደቶ ግጥም፡ ተቐያሪ ኮይኑ ንምእታው ፍቓደኛ ብዘይ ምዃኑ፡ ኣብቲ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ምስ ቼልሲ ዝነበረ ጸወታ ፕሪምየር ሊግ ብኣሰልጣኒ ተን ሃግ ካብቲ ግጥም ወጻኢ ኮይኑ።

“ናዓይ ኣኽብሮት ስለዘየርእየኒ ኣነ እውን ንዕኡ ክብሪ የብለይን” ኢሉ ኣብቲ ቃለ መሕተት።

“እንተዘይኣኽቢርካኒ ኣይከኽበረካን እየ።”

ሮናልዶ ብዛዕባ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዘጋጠመ ሞት ወዱን ድሕሪኡ ደገፍቲ ሊቨርፑል ኣብ ኣንፊልድ ከጸናንዕዎ ዝፈተኑሉ መንገድን ልቡ ከምዝተንከፎ እውን ነቲ ጋዜጠኛ ገሊጹሉ።

ነታ ጋንታ ጽቡቕ ኣበርክቶ ንምግባር ከምዝተመለሰ ዝገልጽ እዚ ፖርቱጋላዊ፡ እንተኾነ ኣብታ ጋንታ ምምሕያሽ ከምዘይጸነሖ ተዛሪቡ።

“ኣሌክስ ፈርጉሰን [ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ነበር]፡ ካብታ ጋንታ ካብ ዝወጽእ፡ ኣብታ ክለብ ዝኾነ ምዕባለ ኣይረአኹን። ዝተለወጠ ነገር የለን።”

ሮናልዶ ነቲ ብወዲ ጋንትኡ ነበር ዋይን ሩኒ ንዝቐረበሉ ነቐፌታ'ውን ምላሽ ሂቡ።

“ንምንታይ ብኸቢድ ከምዝወቐሰኒ ኣይፈልጥን፤ ምናልባት ንሱ ጸወታ ስለዘቋረጸን ኣነ ግን ክሳብ ሕዚ ብጽቡቕ ደረጃ ይጻወት ስለዘለኹን ክኸውን ይኽእል።”