ክሲ ክርስትያኖ ሮናልዶ፡ እቲ ጉዳይ ንክቃላዕ 'ሚ ቱ' ኣተባቢዑ

ክርስትያኖ ሮናልዶ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ክርስትያኖ ሮናልዶ ነቲ ዝበሃል ዘሎ ጉዳይ "ስኑዕ ዜና" ክብል ይገልፆ

መምህር ነበር ካትሪን ማዮርጋ ክርስትያኖ ሮናልዶ ብ2009 ከምዝዓመፃ ክትዛረብ ዝተደፋፍአት 'ሚ ቱ' (#MeToo) ብዝተብሃለ ምንቅስቓስ ከምዝኾነ ጠበቕኣ ተዛሪቡ።

ጠበቓ ለስሊ ስቶቫል "እቲ ምንቅስቓስን ፆታዊ ዓመፃት ኣብ ምቅላዕ እትነጥፍ ሰበይትን፡ ንካትሪን ክትዛረብ ኣተባቢዖምዋ" ክብል ነቲ ኩነታት ገሊፁ።

ክርስትያኖ ሮናልዶ ግን እቲ ላስቬጋስ (ኣሜሪካ) ኣብ ዝርከብ ሆቴል ተፈፂሙ ዝበሃል ገበን ምዕማፅ ከምዘይፈፀሞ ኣፍሊጡ'ሎ።

ካትሪን ማዮርጋ ኣብ ዘይተረኸበትሉ መግለፂ ዝሃበ ጠበቕኣ፡ ካትሪን ነቲ ጉዳይ ካብ ማዕኸናት ዜና ንምርሓቕ ካብ ላስ ቬጋስ ከምዝወፀት ተዛሪቡ።

"ብምኽንያት ዝሓደራ ፅቡቕ ዘይኮነ ስምዒት ኣብ ሚድያ ንዘይምቕራብን ካብ ሓፋሽ ንክትርሕቕን ወሲና ፀኒሓ እያ" ክብል ንጋዜጠኛታት መግለፂ ሂቡ።

ካትሪን ከም ትብሎ ፓልምስ ኣብ ዝተበሃለ ሆቴል ኣብ ዘሎ ምሸታዊ መዘናግዒ ምስ ክርስትያኖ ተራኺቦም፤ ናብ ዝሓዞ መደቀሲ ክፍሊ ወሲዱ ድማ ዓሚፅዋ።

በቲ ኣብ ልዕለይ ተፈፂሙ ዝበለቶ ፆታዊ ዓመፅ ኣብ ከቢድ ስነ-ልቦናዊ ፀቕጢ ከምዝኣተወትን ክሳብ ነብሰ ቅትለት ንምፍፃም ሓሲባ ከምዝነበረትን ጠበቕኣ ሓቢሩ።

ሰብ-ሞያ ሕክምና ብዝገበሩላ ምርመራ'ውን ድሕሪ ሓደ ፍፃመ ብዝፍጠር ስነ-ልቦናዊ ቅልውላው ከም ዝተሃሰየት መረጋገፂ ምሃቦም ኣፍሊጡ።

ክርስትያኖ ሮናልዶ ኣብቲ ጉዳይ ምላሽ ንክህብ ናይ 20 መዓልቲ ዕድል ከምዘለዎ ጠበቐኣ ተዛሪቡ።

ንጉዳያ ዝከታተሉ ሰብ-ሞያ ሕጊ፡ ንፀብፃብ ፖሊስን ሕክምናን ሓዊሱ ኩሎም ነቲ ፍፃመ ዝገልፁ ሰነዳት ንምቅላሕ ይሓስቡ ከምዘለዉ ይግለፅ።

ምላሽ ሮናልዶ

ክርስትያኖ 'ደር ስፔገል' ዝተበሃለ ጋዜጣ ጀርመን ሽዑ ኣቃሊሕዎ ንዝነበረ ፀብፃብ "ስኑዕ ዜና" ክብል ገሊፅዎ ነይሩ።

ትማሊ ረቡዕ ድማ ኣብ ትዊተሩ መግለፂ ሂቡ።

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 1

Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 2

እቲ ጋዜጣ ሽዑ ኣብ ዘውፅኦ ዜና፡ ጓል 34 ዓመት ማዮርጋ ንፖሊስ ላስቬጋስ ኣመልኪታ ምንባራ ገሊፁ እዩ።

ብድሕሪ ዓመት ድማ ምስ ክርስትያኖ ብዝገበረቶ ውሽጣዊ ስምምዕ እቲ ጉዳይ ንዘይምውዕዋዕ 375,000 ዶላር ንክኸፍላ ተረዳዲኦም ምንባሮም ፀብፃባት የመልክቱ።

ሕዚ ጠበቐኣ ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ዘረድእ ሰነድ ንምውፃእ ድልየት ኣለዎ።

ፖሊስ ላስቬጋስ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ነቲ ብ2009 ዝቐረበሉ ጥርዓን ከምዝመርመረን ተጠርጣሪ ክረክብ ከምዘይከኣለን ኣፍሊጡ።

"እቲ ፀብፃብ ኣብ ዝወፀሉ እዋን እታ ግዳይ ዘቕረበቶ ብዛዕባ እቲ ገበን ዝተፈፀመሉ ቦታን ኩነታት ተጠርጣሪ ዝገልፅ መረዳእታ ክተቕርብ ኣይከኣለትን ነይራ" ይብል እቲ መግለፂ።

"ኣብ መስከረም 2018 ከኣ እቲ ጉዳይ መሊሱ ተኸፊቱ'ሎ መርምርትና ድማ ነቲ ዝቐረበ መረዳእታ ይርእይዎ ኣለዉ" ክብል እውን ወሲኹ።

ጠበቓታት ክርስትያኖ ሮናልዶ ጋዜጣ ደር ስፕገል ብዘውፅኦ ፀብፃብ ከም ዝኸስዎ ገሊፆም ነይሮም።