ውሩይ ተዋሳኣይን ተዋዛይን ቢል ኮዝቢ ምዕማፅ ብምፍጻሙ ንማእሰርቲ 10 ዓመት ተፈሪዱ

ቢል ኮዝቢ

ምንጪ ስእሊ, Gilbert Carrasquillo

መግለጺ ስእሊ, ውሩይ ተዋሳኣይን ተዋዛይን ቢል ኮዝቢ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ን10 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ

ወዲ 81 ዓመት ህቡብ ተዋሳኣይ ቢል ኮዝቢ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ኣብ ሞንቶጎመሪ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ካብ ሰለስተ ስጋብ 10 ዓመት ፈሪድዎ። ካልኦት 60 ዝኾነ ደቀንስትዮ ቢል ኮዝቢ ኣብ ልዕሊኤን ጾታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ከሲስንኦ ነይረን፡ እንተኾነ ስጋብ ሕጂ ክሰን ኣብ ቤት ፍርዲ ኣይቀረበን ዘሎ።

ኣብ ፔንሲልቪንያ [ኣሜሪካ] ዝርከብ ዳኛ ንህቡብ ተዋዛያይ ቢል ኮዝቢ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ካብ ሰለስተ ስጋብ 10 ዓመት ማእሰርቲ ፈሪድዎ።

ድሕሪ`ቲ ፍርዲ፡ እቲ ውሩይ ናይ ፊልም ተዋሳኣይ ርእይትኡ ክህብ ቅሩብ ኣይነበረን።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝውዓለ መጋባእያ፡ ቢል ኮዝቢ ኣብ 2004 ንኣንሪያ ኮንስታንድ ጎቲቱ ብምዕማጹ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።

ኮዝቢ ስጋብ ናይ ይግባይ ጠለቡ ዝምለስ ብዋሕስ ክፍታሕ ዘቕረቦ ሕቶ በቲ ቤት ፍርዲ ተነጺጉ።

ቢል ኮዝቢ ኣብ ሰማንያታት ናይ ኮዝቢ ቴሌቪዥን ምርኢት ምስ ጀመረ ኣብ ኣሜሪካ ኣዝዩ ህቡብ ሰብ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብታ ከም ኣቦ ኮይኑ ዝተዋስኣ ፊልም ህቡብነቱ ኣብ ኣሜሪካ ሰማይ ዓሪጉ።

እቲ ህቡብነቱ ድማ ከም ``ኣቦ ኣሜሪካ`` ስጋብ ዝጽዋዕ ኮይኑ።

``እዚ ኣዝዩ ከቢድ ገበን ኢዩ`` ኢሉ ዳኛ ስቲቭን ኦኔል ድሕሪ ፍርዲ ምሃቡ ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

``ቢል ኮዝቢ ኩላ ኣብ ልዕሌኻ ተጠንጢና። እታ መዓልትን ሰዓትን ድማ መጺኤን`` ኢሉ እቲ ዳኛ።

ናይ ኣንድሪያ ኮንስታንድ ቃል-ምስክርነት እንታይ ነይሩ?

ኣንድሪያ ኮንስታንድ ኣብ ቤት ፍርዲ ቃላ እንትትህብ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣንድሪያ እቲ ከም እሙን መዓዲኣ ትርእዮ ዝነበረት ቢል ኮዝቢ፡ ብመድሓኒት ኣደንዚዙ ከምዝዓመፃ ንቤት ፍርዲ ቃላ ሂባ

እቲ ከም ``እሙን መዓድን ኮስኳስን`` ትርእዮ ዝነበረት ቢል ኮዝቢ ኣብ ሰነ 2017 ገለ ከኒና ድሕሪ ምሃቡ ኩሉ ኣካላታ ድሕሪ ``ምድንዛዙ`` ነቲ መጥቃዕቲ ደው ክተብሎ ከምዘይከኣለት እታ ኣብ ቴምፕል ዩኒቨርስቲ ኣመሓዳሪት ዝነበረት ኣንድሪኣ ገሊጻ።

``ድሕሪ`ቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕለይ እንታይ ከምዝተፈጸመ ብርግጽ ኣይፈልጥን ነይረ፡ እንተኾነ እቲ ዝሓለፍኩዎ ስቅያት ግና ብዙሕ ኢዩ ነይሩ። እቲ ውርደት ኣዝዩ ዓቢ ኢዩ ነይሩ። ስጋብ ካብ ስድራቤተይን የዕሩኽተይን ከምዝሃድም ገይሩኒ። ኣዝየ ተንጺለ''

ብዛዕባ ኩሉ እቲ ሓቂ ናይቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመ ጉዳይ ነዲኣ ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ ምብላዕን ምድቃስን ምዝንጋዕን ደው ከምዘበለቶን ብዘባህርር ሕልሚ ከምተሳቐየትን ገሊጻትላ።

``ቢል ኮዝቢ ኩሉ ቁንጅናይን ምሉእ ናይ ንእስነት ጥዕናይን ሂወተይን ሓምሺሽዎ`` ኢላ ኣንድሪያ። ``ምሉእ ጥዕናይን ሓይለይን ርእሰ-ምትእምማነይን ዘሚቱዎ`` ኢላ።

``ድሕሪ ሕጂ ንድሕሪት ኣይክጥምትን ኢየ፡ ንቕድሚት ኢየ ከማዕዱ፡ ኣብቲ ቀደም ዝነበርኩዎ ባይታ ክምለስ ኢዩ ድልየተይ`` ኢላ።

ሰላም ዘለዎ ሂወት ክትነብር ምኸኣለት፡ እንተኾነ ፍትሒ ክትግበር ክትርኢ ኢዩ ነይሩ ድልየታ።

ካልኦት ከሰስቲ`ኣለዋ ዶ?

ገለ 60 ዝኾና ደቀንስትዮ፡ ቢል ኮዝቢ ኣብ ልዕሊኤን ጾታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ከሲሰናኦ ኢየን፡

እንተኾነ ቢል ኮዝቢ ነተን ዝኸሰስኦ ሓሰውቲ ብምባሉ፡ ብምንዋር ከሰስቱ ክሲ ክቐርበሉ ከምዝኽእል ተገሊጹ።

``በቲ ቁጽሪ ናይተን ናብቲ ቤት ፍርዲ ብምቕራብ፡ቢል ኮዝቢ ብኸመይ ከምዝዓመጸን ዝገለጻ ደቀንስትዮ ኣዝዩ ከምዝተመሰጠ`` ዓቃብ ሕጊ ወረዳ ሞንቶጎመሪ ገሊጹ።