ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ውዱእ ሰዓት ብዘመዝገባ ሸቶ ኒውካስል ሳልሳይ ደረጃኣ ዓቂባ

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሸቶ ድሕሪ ምምዝጋቡ ሓጎሱ እናጸንበለ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኒውካስል፡ ኣንጻር ፉልሃም ኣብ ዘካደቶ መበል 19 ግጥም ጸወታታት ፕረሚየርሊግ ተቐይሩ ዝኣተወ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ኣብ መበል 89 ደቂቕ ብዘመዝገባ ሸቶ ሰለስተ ነጥቢ ከሲባ፣ ብ38 ነጥቢ ንማንቸስተር ዩናይትድ ብጸብለልታ ሸቶ በሊጻ ሳልሳይ ደረጃኣ ዓቒባ።

ንነዊሕ እዋን ብማህረምቲ ካብ ጸወታ ተኣልዩ ዝጸንሐ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ነታ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ጸወታታት ማዕረ ብምውጻእ ነቕ ነቕ ክትብል ዝጸንሐት ኒውካስል ናብ ዓወት ብምምላስ ምስ ቀዳሞት ሰለስተ ቦታኣ ንኸተውሕስ ዓቢ እጃም ኣበርኪቱ።

ኣሰልጣኒ ኒውካስል ኤዲ ሆወ ደሕሪ ዓወቶም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ወሳኒ ግዜ ቀይሩ ናብ ሜዳ ምውራዱ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ምንባሩ ተዛሪቡ።

ኣብ ታሪኽ እታ ጋንታ ብዝኸበረ ዋጋ ናብ ኒውካስል ዝተጸንበረ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ካብ መስከረም ጀሚሩ፡ ብሰንኪ ማህረምቲ ካብ ጸወታ ቦዅሩ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ትማሊ ናብ ጸወታኡ ተመሊሱ መድሕን እታ ጋንታ ዝዀነት ሸቶ ዘመዝገበ።

ኣሰልጣኒ ኤዲ ሆወ ኣብ መግለጺኡ፡ ሸቶ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣዝያ ወሳኒት ምንባራ ብምግላጽ፡ “ጋንታና ብዘይ ብእኡ ጽቡቕ ንኽትጻወት ብሰንኪ ማህሰይቲ ኮፍ ኢሉ ንኽርኢ’ዩ ተገዲዱ ጸኒሑ፤ እንተዀነ ካብ ማህሰይቱ ቀልጢፉ ንኽሓውን ናብ ንቡር ብቕዓት ንኽምለስን ኣበርቲዑ’ዩ ሰሪሑ” ብምባል ንኣሌክሳንደር ወዲሱ።

ብ31 ነጥቢ ኣብ መበል ሻድሻይ ደረጃ ትርከብ ፉልሃም፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ጸወታታት ኣከታቲላ ንክሪስታል ፓላስ፡ ንሳውዝሃምፕተን፡ ንሌስተር ሲቲን ንቸልሲን ከምዝሰዓረት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ገስጋሳ ብሸቶ ኣሌክሳንደር ክቝጸ ክኢሉ ኣሎ።

ኒውካስል በዚ ናይ ትማሊ ዓወታ ካብታ ካልኣይቲ ዘላ ማንቸስተር ሲቲ ብሓንቲ ነጥቢ ካብ መራሒት ኣርሰናል ከኣ ብ ትሽዓተ ነጥቢ ድሒራ ብ38 ነጥቢ ኣብ መበል ሳልሳይ ተሰሪዓ ኣላ።

ብ60 ሚልዮን ፖውንድ ናብ ኒውካስል ዝተሰጋገረ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ክሳብ እቲ ብማህረምቲ ካብ ጸወታ ዝቦኸረሉ ኣብ ዘካየዶ ሰለስተ ጸወታታት ክልተ ሸቶታት ከም ዘመዝገበ ኣይርሳዕን።

ኣሌክሳንደር ኣብ መበል 71 ደቂቕ ተቐይሩ ብምእታው’ዩ ኣብ መበል 89 ነታ እንኮ ሸቶ ናይቲ ግጥም ኣመዝጊቡ።

ኒውካስል ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ጸወታታት ዝኾነ ሸቶ ኣይተመዝገባን፤ ብዘይ'ዚ ንዝሓለፈ 14 ጸወታት ፕሪምየር ሊግ ከይተሰዓረት’ያ ጸወታኣ ወዲኣ።

ተጻወትቲ ኣርሰናል ሸቶ ኦዶሃርፈድ እናጸንበሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ናይ ቀዳም ስዕረት ማንቸስተር ሲቲ ብማንቸስተር ዩናይትድ ንረብሓኣ ዝዀነላ ኣርሰናል ትማሊ፡ ኣብ ግጥም ደርቢ ስሜን ለንደን ኣንጻር ቶተንሃም ኣብ ዘካየደቶ መበል 18 ጸወታኣ ብፍጹም ዕብለላ 2 ብ 0 ብምስዓር ምስ ካልይቲ ዘላ ሲቲ ዘለዋ ናይ ነጥቢ ፍልልይ ናብ ሸሞንተ ኣግፊሓቶ።

ኣርሰናል፡ ኣብ መበል 14 ደቂቕ ባካዮ ሳካ ካብ የማናይ ክንፊ ዝቐልዓ ኩዕሶ ንሓላው ልዳት ቶተንሃም ሁጐ ልዮሪስ ሃሪማ ሸቶ ኰይና፤ ኣብ መበል 36 ደቂቕ ከኣ ማርቲን ኦዲጋር ካብ ርሑቕ ብታሕቲ ታሕቲ ዝሃረማ ኩዕሶ ንየማናይ ዓንዲ ልዳት ተጸጊዓ ሽቶ ኰይና። በዚ ድማ ተጻወትቲ ኣርሰናል ኣፍልቦም ነፊሖም ዕረፍቲ ክወጽኡ ክኢሎም።

ድሕሪ ዕረፍቲ ብኽልቲአን ጋንታታት ዝተመዝገበ ሸቶ ስለዘይነበረ፡ ጸወታ ብዓወት 'ታ ኣብ ሜዳ ቶተንሃም ዘገጠመት ኣርሰናል ተዛዚሙ።

ብ33 ነጥቢ ኣብ መበል ሓሙሻይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ቶተንሃም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ጸወታታት እዚ ሊግ ክልተ ግዜ ተሳዒራ ክልተ ግዜ ስዒራ፡ ሓንሳብ ማዕረ ብምውጻእ ካብ 15 ነጥቢ ሸውዓት ነጥቢ ጥራይ’ያ ከተዋህልል ክኢላ።

ቅድሚ እዚ ጸወታ፡ ወሃቢ ርእይቶ ኩዕሶ እግሪ ቢቢሲ ክሪስ ሱተን፡ ኣርሰናል ነዚ ጸወታ 3ብ0 ከም እትዕወተሉ ግምቱ ሂቡ ነይሩ።

ሱተን ኣብ ገምጋሙ፡ ኣርሰናል ዝሓሸት ጋንታ ከም ዝዀነትን፡ ብቕዓት ቶተንሃም ግን ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ወሪዱ ከም ዘሎን ገሊጹ ነይሩ እዩ።