ዙር ጋቦን 2023፡ ንኤርትራ ዝውክሉ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ተፈሊጦም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ካብ 23 ክሳብ 29 ጥሪ ኣብ ጋቦን ዝካየድ፡ ናይ 2.1 መዐቀኒ ዘለዎ ዙር ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጊ (ዙር ጋቦን) ንሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ዝውክሉ ተቐዳደምቲ ብወግዒ ተፈሊጦም።
ኣብዚ ሓሙሽተ ክለባትን 10 ኣፍሪቃውያን ሃገራውያን ጋንታታን ዝሳተፈኦ ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ዙር ርዋንዳ ማዕረ ደረጃ ዘለዎ ውድድር ብሓፈሻ 90 ተቐዳደምቲ ክሳተፉ’ዮም።
ዙር ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ 2021 ከምኡ ከኣ 2022 ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ድሕሪ ክልተ ዓመት ብኩራት 23 ጥሪ መጋረጅኡ ክቕንጥጥ ዝዳሎ ዘሎ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ከኣ ብሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ዳዊት የማነ፡ ሜሮን ተሾመ፡ ኣኽሊሉ ኣረፈ፡ ኤፍሬም ገብረህይወትን ሚኪኤል ሃብቶምን ክትውከል’ያ።
ብዘይካ እዞም ሽዱሽተ ኤርትራውያን ተጻወትቲ፡ ምስ ቱርካዊት ጋንታ በይኮዝ ዝሳተፍን ነዚ ውድድር ኣብ 2014 ዝተዓወተሉን ናትናኤል ብርሃነ’ውን ምስ ጋንትኡ ብምዃን ኣብ ላ ትሮፒካለ 2023 ክሳተፍ እዩ።
ናትናኤል ንዙር ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ ዝተዓወተሉ ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ 2015 ቱኒዝያዊ ችትዊ ራፋ፡ ኣብ 2018 ከኣ ርዋንዳዊ ኣረሩያ ጆሴፍ ተዓዊተምሉ ምንባሮም ዝዝከር’ዩ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚራ ኣብ ኤርትራ ብምዃን ልምምድ ከተካይድ ከምዝጸንሐት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ምስ’ዛ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተጠርኒፎም ዘለዉ ተቐዳደምቲ ኣብ ዓመተ 2022 ዝተፈላለየ ዓወታት ዘመዝገቡን ኣብ ዙር ዞባ ማእከል ዝንኣድ ውጽኢት ዝነበሮምን ተቐዳደምቲ’ዮም።
ሄኖክ ሙሉብርሃን ናይ 2022 ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ክኸውን ዝኸኣለ ተቐዳዳማይ ኮይኑ ኣብ ዙር ርዋንዳ 2022’ውን ንመንእሰይ ኣብ እትውሃብ ማልያ ካልኣይ ኮይኑ’ዩ ውድድሩ ዛዚሙ።
ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ዙር ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ ሎሚ ዓመት ንራብዓይ ግዚኡ’ዩ ክሳተፍ፡ ኣብ 2019 ከምኡ ከኣ 2020 ንመንእሰይ ኣብ እትውሃብ ጻዕዳ ማልያ ካልኣይ ኮይኑ ውድድሩ ክዛዝም እንከሎ ኣብ 2018’ውን ኣብ ጻዕዳ ማልያ ራብዓይ ኮይኑ’ዩ ውድድሩ ወዲኡ።
ንዙር ሰርብያ 2022 ዝተዓወተሉ ዳዊት የማነ፡ ኣብ ዙር ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ ሎሚ ዓመት ንካልኣይ ግዚኡ ዝወዳደር ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ 2020 ኣብ ዝተኻየደ ዙር ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ ንጉስ ዓቐበት ብምዃን ውድድሩ ከም ዝዛዘመ ይዝከር።
ሜሮን ተሾመ ብወገኑ፡ 2022 ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ውድድርን ዙር ዞባ ማእከልን ኣንጻባራቒ ብቕዓት ብምርኣይ ዝዛዘመላ ዓመት ኮይና ኣብ ዙር ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ ናይዚ ዓመት ድማ ንመበል ሻዱሻይ ግዚኡ’ዩ ዝሳተፍ ዘሎ።
ኣብ 2013፡ 2014፡ 2015፡ 2016፡ 2017 ክወዳደር እንከሎ ኣብ 2016 ኣብ ናይ ነጥቢ ሻሙናይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ፣ ኣብ 2017 ከኣ ኣብ ብጫ ማልያ ሻውዓይ ኮይኑ ዝዛዘመሉ እቲ ዝበለጸ ውጽኢት ናይ ዙር ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ ኮይኑ ተመዝጊብሉ ኣሎ።
ኣክሊሉ ኣረፈ፡ ኣብ ዓመተ 2022 ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ብናይ ጁንየር ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፣ ከምኡ ከኣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ክሊ ዕድመ ጁንየር ብምዃን ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ ክኸውን ክኢሉ እዩ።
ኣብ ቻምፕዮን ኤርትራ’ውን ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ ኮይኑ ነይሩ።
ኣብ ዙር ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ ከኣ ንመጀመርታ ግዜ’ዩ ዝሳተፍ ዘሎ።
ብዘይካ'ዚ፡ ምስ ጋንታ ኩቤካ ዝወዳደር ኤፍረም ገብረህይወት፡ ኣብ ዓመተ 2022 ኣብ ዙር ዲ ላቫነር፡ ኣድርያቲኦ ኣዮኒካ፡ ጂሮ ዲ ሲስልያ ካልእን ብምስታፍ 44 መዓልታት ውድድር ብምክያድ 5,959 ኪሜ ዝዘወረ ተቐዳዳይ ኮይኑ ኣብ ዙር ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ ክሳተፍ እዚ ናይ መጀመርትኡ’ዩ።
ብኻልእ ወገን፡ ምኩር ተቐዳዳማይ ምኪኤል ሃብቶም ዝያዳ በታ ጎሚስታ ትብል ሳጉኡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኻየድ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምዃን ኣብ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ወርቂ መዳልያ ክዓትር ክኢሉ።
ኣብ 2016 ከምኡ ከኣ 2018 ድማ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኮይኑ ኣብ ዙር ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ ዝተሳተፈ ምኪኤል ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዚኡ’ዩ ኣብቲ ውድድር ዝሳተፍ ዘሎ።
ኣብዚ ውድድር ብሓፈሻ 15 ጋንታታት ክሳተፋ’የን፡ ካብዚአን እተን ሓሙሽተ ኣውሮጳውያን ክለባት ክኾና እንከለዋ፡ ካብ ኣፍሪቃ ከኣ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ፡ ኣልጀርያ፡ ቡርኪና ፋሶ፡ ካሜሮን፡ ጋቦን፡ ኣይቮሪኮስት፡ ሞሪሽየስ ፡ ሞሮኮን ርዋንዳን ክሳተፋ’የን።
ቅድሚ ሕጂ ነዚ ውድድር ዝተዓወትሉ ተቐዳደምቲ
2020- ፈረንሳዊ ጆርዳን ለቫሱር
2019- ኢጣልያዊ ቦኒፌዞ ኒኮሎ
2018- ርዋንዳዊ ኣረሩያ ጆሴፍ
2017- ፈረንሳዊ ጀን ዮሃን
2016- ፈረንሳዊ ፐቲት ኣድርያን
2015- ቱኒዝያዊ ጊቶይ ራፌ
2014- ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ
2013- ፈረንሳዊ ጀን ዮሃን
2012- ፈረንሳዊ ቻርትዩ ኣንቶኒ
2011- ፈረንሳዊ ቻርትዩ ኣንቶኒ
2010- ፈረንሳዊ ቻርትዩ ኣንቶኒ




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







