ኣርሰናል ምስ ማን ዩናይትድ፡ ቸልሲ ምስ ሊቨርፑል- መን ትዕወት?

ኣርሰናል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣርሰናል ኣብ ፕሪሜር ሊግ እንግሊዝ ብ47 ነጥቢ ትመርሕ ኣላ። ተወሳኺ ሓደ ጸወታ ዘካየደት ሲቲ ብወገና ብ42 ነጥቢ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ።

ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ኒውካስል፡ ቶተንሃምን ፉልሃምን ብተኸታታሊ ክሳብ ሻድሻይ ደረጃ ተሰሪዐን ኣለዋ።

ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ኣርሰናል ዘጋጠማ እንኮ ስዕረት ኣብ ኦልድትራፎርድ ኣንጻር ማንቸስተር ዩናይትድ እዩ ነይሩ። ክልቲአን ጋንታታት ዳግማይ ክራኸባ መደብ ተታሒዙለን ኣሎ። መን ትዕወት?

ማንቸስተር ሲቲ ኣንጻር ቶተንሃም ሓሙስ ምሸት ዝተጻወታ ክኾና ከለዋ፡ ተንታኒ ስፖርት ቢቢሲ ክሪስ ሳተን ሲቲ 3 ብ 1 ከም ትዕወት ​​ኣተንቢሁ ነይሩ።

እቲ ጸወታ ግን 4 ብ 2 ብዓወት ሲቲ ተዛዚሙ።

ሳተን ካብ ቀዳም ክሳዕ ሰኑይ ዝካየዱ ጸወታታት ፕሪሜር ሊግ ብዝምልከት ዘቐመጦም ቅድመ-ግምታት ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስሉ።

ቀዳም

ቀዳም ሽዱሽተ ጸወታታት ክካየዱ እዮም።

ካብኦም እቲ ዓቢ ትጽቢት ዝግበረሉ ሊቨርፑል ኣንጻር ቼልሲ ተካይዶ ግጥም እዩ።

ሊቨርፑል ኣንጻር ቸልሲ

ሎጎ ጋንታታት

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

ኣብዚ ዓመተ ውድድር ክልቲኤን ክለባት ድኹም ብቕዓት የርእያ ከም ዘለዋ ዝገልጽ ሳተን፡ ውጽኢት ናይዚ ጸወታ ንምግማት ኣጸጋሚ እዩ ይብል።

ሊቨርፑል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብብራይተን 3 ብ 0 ከም ዝተሰዓረት ይዝከር።

ኣብ ኤፍኤ ካፕ ግን ንወልቭስ ብምርታዕ ናብ ዝቕጽል ዙር ሰጊራ’ያ።

ሎሚ ዓመት ብቕዓት ቸልሲ’ውን ውሑስ ከም ዘይኮነ ሳተን ይገልጽ።

ንሱ፡ ክልቲኤን ጋንታታት ሰለስተ ነጥቢ ምርካብ ከም ዝናፈቓ ይዛረብ።

ግምት

ሊቨርፑል 1 - 1 ቸልሲ

ሳተን፡ ኣብ ካልኦት ጸወታታት ድማ ነዚ ዝስዕብ ኣሚቱ'ሎ።

በርንማውዝ 0 - 1 ኖቲንግሃም ፎረስት

ሌስተር 1 - 2 ብራይተን

ሳውዝሃምፕተን 1 - 1 ኣስቶን ቪላ

ዌስትሃም 0 - 0 ኤቨርተን

ክሪስታል ፓላስ 1 - 1 ኒውካስል

ሰንበት

ሰንበት ካብ ዝካየዱ 3 ጸወታታት፡ እቲ ዓቢ ትጽቢት ዝግበረሉ መራሒት እቲ ሊግ ኣርሰናል ኣንጻር ማንቸስተር ዩናይትድ ተካይዶ ግጥም እዩ።

ኣርሰናል ኣንጻር ማን ዩናይትድ

ሎጎ ጋንታታት

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ትሕቲ ኤሪክ ቴንሃግ ምምሕያሻት ተርኢ ዘላ ትመስል።

ኣብ ቀዳሞት ጸወታታት እዚ ዓመተ ውድድር ስዕረት ዘጋጠማ ማን ዩናይትድ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ብተኸታታሊ ዘመዝገበቶም ዓወታት ናብ ሳልሳይ ደረጃ ክብ ክትብል ኣኽኢሎማ ኣለዉ።

ሳተን፡ ኣብ ጽቡቕ ብቕዓት ዝርከቡ ራሽፎርድ፡ ፈርናንደስን ኤሪክሰንን ኣብዚ ጸወታ ፍሉያት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግምት።

እንተኾነ ብሰንኪ ተኸታታሊ ብጫ ካርድ ኣንጻር ኣርሰናል ዘይጻወት ካሴሚሮ ንዩናይትድ ዓቢ ክሳራ ክኸውን ኢዩ።

ዩናይትድ ኣብ ቀረባ እዋናት ዓወታት ዘመዝገበት’ኳ እንተኾነት፡ ሳተን ግን ኣርሰናል ኣብ ልዑል ምንቕቓሕ ከም ትርከብ ይገልጽ።

ግምት

ኣርሰናል 3 - 1 ማን ዩናይትድ

ኣብ ካልኦት ጸወታታት ድማ እቲ ተንታኒ ኩዕሶ እግእሪ ከምዚ ዝስዕብ ግምታት ሂቡ ኣሎ።

ሊድስ 2 - 2 ብሬንትፎርድ

ማን ሲቲ 2 - 0 ዎልቭስ

ሰኑይ

ነዚ ናይ መወዳእታ ጸወታ፡ ቶተንሃም ናብ ክሬቭን ኮቴጅ ተጓዒዛ ኣንጻር ፉልሃም ክትገጥም'ያ።

ፉልሃም ኣንጻር ቶተንሃም

ሎጎ ጋንታታት

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ብኣርሰናል 2 ብ 0 ዝተሳዕረት ቶተንሃም ሓሙስ ምሸት ናብ ኢትሓድ ተጓዒዛ 4 ብ 2 ተሳዒራ እያ ተመሊሳ።

ሰኑይ ምሸት ግን ናብ ፉልሃም ተጓዒዛ ናብ ዓወት ክትምለስ ተስፋ ትገበር።

እንተኾነ፡ ናይ ፉልሃም ኣጸዋውታ ንቶተንሃም ቀሊል ከም ዘይከውን ሳተን ይትንትን።

ንሱ፡ ፉልሃም ኣብዚ ጸወታ ተዓዊታ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣሰልጣኒኣ ኣንቶንዮ ኮንተ ዝዓቢ ዘሎ ጸቕጢ ከም ተጋድድ ይግምት።

ፉልሃም ኣብዚ ጸወታ ክትዕወት ​​እንተኽኢላ ናብ 5ይ ደረጃ ደይባ ኣብ ልዕሊ ቶተንሃም ክትቅመጥ ትኽእል'ያ።

ግምት

ፉልሃም 2 - 1 ቶተንሃም