ቶተንሃም ንኣሰልጣኒኣ ኣንቶንዮ ኮንተ ኣሰናቢታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እንግሊዛዊት ክለብ ቶተንሃም፡ ነቲ ን 16 ኣዋርሕ ከሰልጥና ዝጸንሐ ኢጣልያዊ ኣሰልጣኒ ኣንቶንዮ ኮንተ ብክልተኣዊ ስምምዕ ከምዘሰናበተቶ ብወግዒ ኣፍሊጣ።
ኣሰልጣኒ ኮንተን ቶተንሃምን ዝነበሮም ርክብ ኣብ ዝሓመቐ ደረጃኡ ዝወደቐ፡ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ኣሰልጣኒ ናብ ምሕደራ እታ ክለብን ተጻወትቲን ዝቐንዐ ተሪር ነቐፌታ ድሕሪ ምውንጫፉ እዩ።
ዝሓለፈ ሰሙን እታ ጋንታ ምስ ሳውዛምፕተን ኣብ ዝገበረቶ ጸወታ ፕረሚየር ሊግ እንግሊዝ 3 ብ 3 ድሕሪ ምፍልላያ፡ ኮንተ ነቶም ተጻወትቲ “ፈተውቲ ነብሶም” ክብል ድሕሪ ምውቃሱ እዩ እቲ ቍሩቁስ ንደገ ዝወጽአ።
በታ ዓወት ዝረሓቓ ጋንታ ኣመና ዝተበሳጨወ ኮንተ፡ “[እዛ ጋንታ] ኣሰልጣኒ’ውን እንተቐየረት ፍጹም ውጽኢት ከተመጽእ ኣይትኽእልን እያ” ብምባል ኣምሪሩ ተዛሪቡ።
ቶተንሃም ኣብዚ እዋን ኣብ ፕረሚየር እንግሊዝ ራብዓይ ደረጃ’ኳ ሒዛ እንተላ፡ ኣብ ካልኦት ውድድራት - ካብ ቻምፒዮንስ ሊግ ብኤሲ ሚላን፣ ካብ ኤፍኤ ካፕ ድማ በታ ኣብ ቀዳማይ ዲቪዝዮን እትጻወት ሸፊልድ ዩናይትድ ተሳዒራ - ተገሊፋ እያ።
ቀዳማይ ኣሰልጣኒኣ ዘሰናበተት ቶተንሃም፡ ተሓጋጋዚ ኣሰልጣኒ ክሪስቲያን ስተሊኒ፡ ተጻዋታይ እታ ጋንታ ብዝነበረ ራይን ሜሲ እናተሓገዘ ክሳብ ምዝዛም እዚ ዓመተ-ውድድር ክመርሓ ምዃኑ ብወግዒ ኣፍሊጣ’ላ።
ቶተንሃም፡ ኣብ 2019 ንማውሪዮ ፓቸቲኖ ድሕሪ ምስንባታ፡ ቀዋሚ ኣሰልጣኒ ተናዲ ዘላ ሕጂ ንራብዓይ ግዜኣ እዩ።
ኮንተ ድሕሪ’ቲ ኣብ 18 መጋቢት ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ጸወታ፡ ጋንታኡ ኣብቲ 3 ብ 1 ክትመርሕ ውዒላ ስለስተ ማዕረ ዝተፈላለየትሉ ጸወታ ኣመና ተቘጢዑ፤ “ታሪኽ ቶተንሃም እዚ እዩ፡ 20 ዓመት ሓደ ዋና እዩ ዘለዋ፣ ዋንጫ ረኺባ’ውን ኣይትፈልጥን” ክብል ድሕሪ ጸወታ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ንዅሉ ጨርጊፉ።
“ክሳብ ሕጂ እቲ ዝረኣኽዎ ክሰትሮ ፈቲነ እየ፤ ሕጂ ግን ይኣክል፡ ክደግሞ እየ፣ እዚ ሎሚ ዝረኣኽዎ ፍጻመ ደጊመ ክርእዮ ኣይደልን፡ ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚ ደገፍትና ተቐባልነት የብሉን፡” ኢሉ።
ተቶንሃም፡ ኣብ 2001፡ ኣብ ትሕቲ ብለቪይ ዝምራሕ ጕጅለ ወነንቲ ካብ እትኣቱ ሓንቲ ዋንጫ ጥራሕ እያ ረኺባ - ኣብ 2008። ካብ ሽዑ ድማ 11 ኣሰልጠንቲ በጺሓ።
ብሓባራዊ ስምምዕ ምስንባት ኮንተ፡ ብጠቕላላ ምቕያር ኣሰልጠንቲ ፕረሚየር ሊግ ኣብዚ ዓመት ናብ 11 ኣብጺሕዎ’ሎ። እዚ ኸኣ ሓድሽ ክብረወሰነ ኣብ ታሪኽ እቲ ሊግ ምዃኑ እዩ።
ኢጣልያዊ ኣሰልጣኒ ኣንቶንዮ ኮንተ፡ ምስ ክለባት ቸልሲ፡ ጁቬንቱስን ኢንተርሚላንን ዋንጫ ሻፕዮንስ ሊግ ዝተዓወተ ኰይኑ፤ ቶተንሃም ኣሰልጣኒኣ ዝነበረ፡ ኑኖ ስፒቲቶ ሳንቶ ድሕሪ ምብራራ እዩ ኣብ ሕዳር 2021 መዝነት ተረኪቡ ጸኒሑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







