ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ጀነራል ኣል ቡርሃን ተዘራሪቡ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣልቡርሃንን

ምንጪ ስእሊ, PM OFFICE

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃንን

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ምስ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ኬንያ ተራኺቦም ተዘራሪቦም።

እቶም መራሕቲ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝካየድ ፍሉይ ጉባኤ መራሕቲ ኢጋድ ንምስታፍ ኣብ ዝኸዱሉ እዮም ተራኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ምስ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ዝገበርክዎ ዘተ፡ ክልቲአን ሃገራት ብሰላማዊ መንገዲ ዝሰርሓሎም ብዙሓት ጉዳያትከም ዘለው ኣብ ስምምዕ በጺሕና ኢና፡” ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ “ካብቶም ንክልቲአን ሃገራት ዝፈላልዩ ጉዳያት እቶም ዘተኣሳስሩ ይበዝሑ” ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ክልቲአን ሃገራት ፍልልያተን ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ቃል ምእታወን ሓቢሩ።

ብሕቶ ይግበኣኒ ኣብ ምስሕሓብ ዝረከባ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ብዝተኣሳሰር'ውን ርክበን ሓርፊፉ ጸኒሑ እዩ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ወተሃደራተይ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተቐቲሎምኒ ዝበለት ሱዳን፡ ኣብ ኣዋሰንቲ ከባቢታት ኢትዮጵያ ደብዳብ ከቢድ ብረት ምክያዳ ይዝከር።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ሰራዊት ሱዳን ኣልፋሽጋ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብኢትዮጵያውያን ሓረስቶት ክለምዕ ዝጸንሐ ከባቢ ምቍጽጻሩ ስዒቡ፡ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ነጊሱ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተጋደደ ወጥሪ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃንን ሎሚ ኣብ ናይሮቢ ከም ዝተራኸቡ ተገሊጹ ኣሎ።

ሎሚ ኣብ ኬንያ ዝጀመረ መበል 39 ፍሉይ ጉባኤ በየነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)፡ ኣብ “ሓባራዊ ጉዳያት” ኣባል ሃገራት ከምዝዝቲ ገሊጹ።

እዚ ጉባኤ ኣብ መንጐ ሱዳንን ኢትዮጵያን ጎንጺ ከይለዓል ኣብ ዝተሰግኣሉ ቅንያት ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ቅድሚ መዓልታት ናብ ሱዳን ኣምሪሑ ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ብምዝርራብ ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ናይ ወሰን ምስሕሓብ፡ ዲፕሎማስያዊ መፍትሒ ከናድያሉ ጸዊዑ እዩ።

እቲ ጉባኤ “ኣዝዩ ኣገዳስን ኵሎም መራሕቲ ኣባል ሃገራት ዝሳተፉሉን” ከምዝኾነ እቲ ዋና ጸሓፊ ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ።