መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ሱዳን ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከፊቱ ንዝብል ሓበሬታ ነጺጉ

ኣልቡርሃን

ምንጪ ስእሊ, SUNA/TWITTER

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከፊቱ ብዝብል ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ ስኑዕ ክብል ነጺጉ።

ሰራዊት ሱዳን ቅድሚ መዓልታት ኣብ ዘውጽኦ መግለፂ፡ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ረቡዕ 16 ሰነ 2014 [ግእዝ] ተፈጢሩ ብዝተባህለ ግጭት፡ ሸውዓተ ወተሃደራትን ሓደ ሰላማውን ብሓይልታት ኢትዮጲያ ከም ዝተቐትሉ ብምጥቃስ ከሲሱ ነይሩ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ነቲ ሱዳናውያን ምሩኻት ኣብ ኣደባባይ ቀቲሉ ዝብል ብሱዳን ዝቐረበሉ ክሲ ብምንጻግ፡ እቲ ሰራዊት ኣብቲ ቦታ ግጭት ከምዘይነበረን፡ እቲ ክስተት ኣብ መንጐ’ቲ ግዝኣት ኢትዮጵያ ሰጊሩ ዝኣተወ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳንን ሚሊሻታት እቲ ከባቢን ዝተፈጥረ እዩ፡ ምባሉ ይዝከር።

ድሕሪ እዚ ክስተት ድማ ሱዳን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተት ዝሕብሩ ዜናታት ኣብ ምቅላሕ ይርከቡ። ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከበደ ደሲሳ ግን እዚ ሓበሬታ ሓሶት ከምዝኾነ ንቢቢሲ ገሊፁ’ሎ።

“ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተት ኣብ ምውዕዋዕ ይርከቡ። ብርግፅ ምትዅታዃት ኣለዉ እዮም። ናብ ቁሸታትን ገለ ከባብታትን ካብ ምትኳስ ብዝሰገረ ዝተኸፈተ መጥቃዕቲ ኮነ ዝጠፍአ ህይወት ሰብን ዝዓነወ ንብረትን የለን። እቲ ብማዕከናት ዜና ዓለምን ብማሕበራዊ መራኸብታትን ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ ሓሶት’ዩ። ብፍሉይ ዝተኸፈተ መጥቃዕቲ ወይ ዝተኸፈተ ኲናት የለን፡" ኢሉ።

ኣመሓደርትን ነበርትን እቲ ከባቢ ግን ሰራዊት ሱዳን ኣብቲ ምስ ኢትዮጲያ ዘዳውብ ከባቢታት ደብዳብ ከቢድ ብረት ከም ዘካየደ ትማሊ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

ሰራዊት ሱዳን ብመዳፍዕን ሞርታራትን ካልኦት ከበድቲ ኣጽዋርን፡ ኣብቲ ከባቢ ደብዳብ ከም ዘካየደ፡ ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣርማጭሆ ኣቶ ደላሰኝ ኣያና ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

መንግስቲ ሱዳን ግን፡ እቲ ግጭት ብሰንኪ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ዝተፈጸመን፡ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ሱዳን ከም ዝተኸስተን ዝነግር መግለጺ እዩ ኣውጺኡ።

ብሰኑይ ዝተኻየደ ደብዳብ ኣመና ጽዑቕ ምንባሩን፡ ክሳብ ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ’ውን እቲ ደብዳብ ከም ዝቐጸለ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብተወሳኺ ገሊጾም።

ኣቶ ከበደ ካልእ እንታይ ኢሉ?

ሚኒስተር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከበደ ግን ብነፈርትን ከበድቲ ኣፅዋርን ዝተሓገዘ መጥቃዕቲ ተኸፊቱ ዝብሃል ዘሎ ፈጺሙ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ’ዩ ተዛሪቡ።

ሰራዊት ሱዳን ኣብዚ ክልተ መዓልታት ተወሰኽቲ ቦታትት ከምዝተቘጻጸረ ንዝገልፅ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ድማ ዝስዕብ ኢሉ።

“ዝተቘጻጸርዎ ተወሳኺ መሬት የለን። ቅድም ክብል ምስ ሓይልታት ህወሓት ንዝተወለዐ ኲናት ተበሊፆም ዶብ ጥሒሶም ከም ዝኣተዉ ዝፍለጥ’ዩ። ነቲ ኣቐዲሞም ዝሓዝዎ መሬት ከኣ ለቒቘም ክወጽኡ ብተደጋጋሚ ንሓቶም ኣለና። እቲ ኵነታት ብሰላም ክፍታሕን መሬትና ብሰላማዊ መገዲ ክገድፉልናን ኣብ ምሕታት ኣለና። እቲ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ዝገብርዎ ግን ፈተነ እዩ ነይሩ” ይብል ኣቶ ከበደ።

ንሱ፡ ወሲኹ ድማ፡ ሰራዊት ሱዳን ንዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ሒዙ ብናታቶም ሓገዝ ንምእታው ዝግበሩ ፈተነታት ከም ዘለዉ ብምኽሳስ፤ እንተዀነ፡ ካብዚ ሓሊፉ ዝተትሓዘ ሓድሽ ቦታ ከምዘየለ ተዛሪቡ።

መራሕቲትግራይ ነቲ ሓይልታቶም ምስ ሱዳን ብምውዳድ መጥቃዕቲ ከፊቶም ብዝብል ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተደጋጊሙ ዝቐርበሎም ክስታት ነፂጎምዎ ኣለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንፈት ንምቕያር ዓሊሙንህወሓት ተሓታቲ ክገብር ከምዝደለየ ብምግላፅ፡ ሓይልታቶም ነቲ ተግባር ከም ዘይወዓልዎ ይሕብሩ።

መራሕቲ ትግራይ፡ ኣብቲ ብሰሉስ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ከምዚ ዓይነት ክሲ ምቕራቡ፡ እቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ዝምራሕ መንግስቲንሰላም ዘለዎ ድልውነት ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ምዃኑ ኣፍሊጦም ኣለዉ። 

እናተጋደደ ዝሓድር ዘሎ ወጥሪ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብሰንኪ ዘይተፈትሐ ዘሎ ሕቶ ይግብኣኒ መሬት፡ ኣብ ክልቲኡ ወገን ብዘለው ዕጡቓት ሓይልታት ሓሓሊፉ ግጭት ከጋጥም ከም ዝጸንሐ ዝዝከር ኰይኑ፡ እዚ ናይ ሕጂ ግን ንመዓልታት ዝቐጸለ ወጥሪ ኣስዒቡ ኣሎ።

ብሰንኪ’ዚ ድማ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ እቲ ግጭት ከይዓርግ ስግኣት ከም ዘለዎም ብምግላጽ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ናብ ውሑስ ከባቢ ክግዕዙ ከም ዝሓስቡ ይገልጹ’ለው።

በቲ ዝተኻየደ ደብዳብ፡ ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብ ግራውትን ሓፈሻዊ ቦታታት ሕርሻን ጉድኣት ከም ዘውረደ ግን፡ እቲ ኣመሓዳሪ ይገልጽ።

ብሰንኪ’ዚ ብዝተፈጥረ ስግኣት፡ ነበርቲ ካብ ንቡር ዕዮ ማሕረስ ከም ዝበዀሩ ሓቢሮም።

ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ዝነበረ ንግዳዊ ንጥፈታት ከም ዝተኣጓጐለን፡ እታ መሰጋገሪት ኰይና ዝጸንሐት ገላባት ዝተባህለት ቦታ’ውን ከም ዝተዓጽወት ኣመሓዳሪ ኣቶ ደሳለኝ ይገልጽ።

ወሃቢ ቓል ሓይልታት ሱዳን፡ ሰራዊት ሱዳን ዶብ ሰጊሩ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመን ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከም ዝማረኸን ዝገልጽ ዜና ቅኑዕ ከም ዘይኰነ ገሊጹ’ሎ።

ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት’ታ ሃገር ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ሰራዊትን ነበርትን እቲ ከባቢ ከም ዝተዘራረበ፡ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ገሊጹ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ትግራይ ሰሜን ኢትዮጲያ ዝተወልዐ ኲናት፡ ወተሃደራት ሱዳን ነቶም ኣከራኸርቲ ኰይኖም ዝጸንሑ ቦታታት ብሓይሊ ዝሓዘ ዀይኑ፡ እቲ ጉዳይ ብዝርርብ ክፍታሕን ጻዕርታት ክፍተኑ እንተቨንሑ’ኳ፡ ዛጊድ ኣይሰመሩን።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣመሓዳሪ ኣቶ ደሳለኝ፡ ስናር፡ ገላሉባን፡ ጐረደም፡ ልዕላይን ታሕታይን ኣቦጠር፡ ከምኡ’ውን ሰላም በር ዝተባህሉ ቦታታት ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ሱዳን ኣትዮም ይርከቡ።