ወተሃደራት ሱዳን ብሓይልታት ኢትዮጵያ ተቐቲሎም

ሓይልታት ኢትዮጵያ ሸውዓተ ሱዳናውያን ወተሃደራትን ሓደ ሲቪልን ከም ዝቐተሉ ሱዳን ከሲሳ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ግዳያት ዝሓለፈ ረቡዕ 22 ሰነ ካብ መሬት ሱዳን ተጨውዮም ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምውሳዶም ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።
"ሬሳኦም ንህዝቢ ክርአ" ከም ዝተገብረ'ውን ሱዳን ከሲሳ'ላ።
ነቲ "ዘይሰብኣዊ" ክትብል ዝገለጸቶ ቕትለት ብምኹናን፡ ግብረመልሲ ከም እትህበሉ ኸኣ ኣጠንቂቓ።
እቲ ፍጻመ ኣብ መሬታ ከም ዘጋጠመ ዝገለጸት ኢትዮጵያ ብወገና፡ ብቕትለት ናይቶም ሱዳናውያን ከም ዝሓዘነትን ከተጻርዮ ምዃና ኣፍሊጣ'ላ።
"መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሚሊሻ [ኢትዮጵያን] ዘጋጠመ ረጽሚ ዝጠፍአ ሂወት ዝተሰምዖ ሓዘን ይገልጽ" ክብል፡ ነቲ ኵነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ ገሊጹ።
እንተኾነ፡ እቲ ፍጻመ ብህወሓት ዝተደገፈ ሰራዊት ሱዳን ናብ መሬት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእታዉ ከም ዝሰዓበ ኢትዮጵያ ትምጉት። ህወሓት ብዛዕባ'ቲ ክሲ ዛጊት ዝሃቦ መግለጺ የለን።
ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣዕቊባ ከምዘላ ዝተጠቐሰት ሱዳን፡ ዘለዋ ተቓውሞ ንምግላጽ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣምባሳደራ ናብ ካርቱም ክትስሕቦ ምዃናን፣ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ብምጽዋዕ ብዛዕባ'ቲ ኵነታት መብርሂ ክህብ ክትሓቶ ምዃናን እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ'ሎ።
"መንግስቲ ሱዳን፡ ብመሰረት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝህቦ ውሕስነት፡ መሬቱን ሰብኣዊ ክብሩን ንምክልኻል ምሉእ መሰል ከምዘለዎ የፍልጥ" ይብል እቲ መግለጺ ወሲኹ።
ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ግጭት ዶብ ከም ዘሎን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኣብ ከባቢ ኣልፋሽጋ ሓሓሊፉ ግጭት ክርአ ከም ዝጸንሐን ይፍለጥ።
ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ብዘላ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ እውን ከም ዝተቘጥዐት ዝፍለጥ እዩ።
ንጉዳይ ናይቲ ግድብ ዝከታተል ላዕለዋይ ኮሚቲ ሱዳን፡ ሎሚ ብሚኒስተር ማይን መስኖን እታ ሃገር ንዝቐረበሉ ጸብጻብ ከምዝሰምዐ ኣገልግሎት ዜና ሱና ኣብ ፌስቡክ ሓቢሩ'ሎ።
ኩርናዕ ኣልፋሽጋ
ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ትሰሓሓበሉ ዘላ ከባቢ፡ ልሙዕ ኰይኑ፡ ኩርናዕ ኣልፋሽጋ ብዝብል ይፍለጥ።
ኣብቲ ዶብ ብኽልቲኡ ሸነኻት ዝርከቡ ሓረስቶት፡ ነቲ ልሙዕ መሬት ይምነዩ።
ኩርናዕ ኣልፋሸጋ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሱዳን፡ ምብራቓዊ ገዳርፍ ዝርከብ መሬት እዩ።
ኣልፋሸጋ 250 ትርብዒት ኪሎሜትር ዝሽፍንን ልዕሊ 240 ሄክታር ልሙዕ መሬት ዝሽፍን እዩ።
ሰበ ስልጣን ሱዳን፡ ኣልፋሸጋ ናይ ሱዳን ግዝኣት ምዃኑ ይዛረቡ።
ሕጂ ስለምንታይ ብኢትዮጵያውያን ተታሒዙ ንዝብል ክምልሱ እንከለው፡ "ሱዳን ምስታ ሃገር ብዝነበራ ናይ ምትሕብባርን ምርድዳእን ስምምዓት፡ ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት ነቲ ስፍራ ከልምዕዎ ጸኒሖም" ይብሉ።
ክልቲኦም መንግስታት ኣቐዲሞም፡ ነዚ ኣሰሓሓቢ ዶብ፡ ዳግማይ ንምሕንጻጽ ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት ንምጅማርን፡ ንህዝቢ እቲ ከባቢ ተረባሒ ንምግባርን ተሰማሚዖም ምንባሮም ይዝከር።
ኣብ 2014 ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ናይ ክልቲአን ሃገራት ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ እቲ ዶብ ኣብ ባይታ ዝምልከተሉ ዕለት ክውስኑ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም ነይሮም።
እንተኾነ ኣብ ባይታ ዶብ ናይ ምምልካት ስራሕ ክሳዕ ሎሚ ኣይተፈጸመን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







