ሶማልያ፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ተቐቲሉ

ዕጡቓት ኣልሸባብ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሓደ ካብ መስረትቲ ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ዝኾነ ዓብዱላሂ ናድር ብቀዳም ኣብ ዞባ ደቡባዊ ማእከል ጁባ ከም ዝተቐትለ መንግስቲ ሶማል ኣፍሊጡ።

ናድር፡ ቀንዲ ሓላፊ ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጎስጓስ ኣልሸባብ ከም ዝነበረን፡ ብዛዕብኡ ሓበሬታ ንዝሃበ 3 ሚልዮን ዶላር ክወሃቦ ተሰሊዑ ከም ዝነበረን ሚኒስትሪ ዜና ሶማል ሓቢሩ።

ናድር ነቲ ነነዊሕ እዋን ብጽኑዕ ከም ዝሓመመ ዝንገረሉ ‘ኣቡ ዑበይዳህ’ ብዝብል ዝፍለጥ መራሒ ኣሕመድ ዑመር ዲሪየ፡ ኪትክእ ብኣል-ሸባብ ትጽቢት ዝግበረሉ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

ናይ ብሕቲ ማዕከናት ዜና ከምዝጸብጸብኦ፡ ናድር ብመጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) እዩ ተቐቲሉ።

ሚኒስትሪ ዜና ሶማልያ ግን፡ ሓይልታት ጸጥታ ሶማል ምስ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ብምትሕብባር ንናድር ኣብ ስርሒት ከም ዝተቐትለ ካብ ምሕባር ሓሊፉ፡ ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ ድሮን ኣይጠቐሰን።

እቲ መብዛሕትኡ ንላዕለዎት መራሕቲ ኣልሸባብ ዒላማ ዝገብር፡ እዚ ኣፍሪቃ ሰራዊት ኣመሪካ (Africa Command) ብዛዕባ’ቲ ዝተባህለ ፍጻመ ዝሃቦ ርእይቶ የልቦን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈጸመ ሓድሽ መጥቃዕቲ ቦምባ ብውሕዱ ትሽዓተ ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብቲ ኣብ ከተማ በለድወይነ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዞባ ከምዝተቐትሉ ፖሊስ ሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ነታጒ'ዩ ተኻይዱ።

እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ'ሎ።

ዕላማ ናይቲ መጥቃዕቲ ሕነ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ዝተቐትለ ላዕለዋይ መራሒንምፍዳይ ክኸውን ከምዝኽእል ጸብጻባት ይእምቱ።

መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ናይ ቱርኪ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ኣብቲ ኣንጻር ዕጡቓት ኣልሸባብ ዝካየድ ዘሎ ስርሒታት ይሳተፋ ከምዘለዋ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ካብ ሓያለ ከባቢታት ከምዝተደፍአን ብዙሓት ካብ ኣባላቱ ከምዝኸሰረን ይግለጽ።