ብኣመሪካ ክድለ ዝጸንሐ መራሒ ኣልሸባብ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝተቐትለ ተሓቢሩ

ፉኣድ መሓመድ ካህላፍ

ምንጪ ስእሊ, ENA

ብሓይልታት ምክልኻል ዝተወስደ ስጉምቲ ስዒቡ፡ ሰለስተ ላዕለዎት መራሕቲ ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉ ተገሊፁ።

ካብቶም ብሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተቐቲሎም ዝተብሃሉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣል-ሸባብ፡ ፉኣድ መሓመድ ካህላፍ ይርከቦም።

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ብዛዕባ ሃለዋት ፉኣድ ንዝሓበረ 5 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ክኸፍል ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ሓላፊ ምውፋር ሓይሊታት ምክልኻል ሃገርን፡ ጊዝያዊ ኣዋሃዲ፡ ኮማንድ ፖስት ፀጥታን፡ ሜጀር ጀነራል ተስፋይ ኣያሌው፡ ሓላፊ ጎስጓስን ፕሮፖጋንዳን ኣልሸባብ ፉኣድ መሓመድ ካህላፍ ሓዊሱ፡ ሰለስተ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ጉጅለ ከምዝተቐትሉ ምግላጹ፡ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

ከምኡ'ውን፡ ኣፈኛ ናይቲ ጉጅለ ምዃኑ ዝንገረሉ ዓብዱልዓዚዝ ኣቡ ሙሳን፡ ሓላፊ ዞባ ባኩልን ኣዋሰንቲ ኢትዮጵያን ዝዀነ፡ ዑቤዳ ኑር ኢሳን፡ በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉ፡ ሜጀር ጀነራል ተስፋይ ኣያሌው ወሲኹ ተዛሪቡ።

 መንግስቲ ኣሜሪካ፡ እቲ ብሰፊሑ 'ፉኣድ ሾንጋለ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ፉኣድ መሓመድ ካህላፍ፡ ካብቶም ዝድለዩ መራሕቲ ኣልሸባብ ምዃኑን ነቲ ‘ኣኽራሪ’ ጉጅለ ፋይናንሳዊ ደገፍ ከምዝገብርን ይገልጽ።

 ኣልሸባብ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ፡ እቲ ጉጅለ ንመዋፈሪ ዝጥቀመሉ ዝነበረ መኽዘናት ኣጽዋርን መግብን ከጥቅዕ ከምዝኸኣለ እቲ ጀነራል ወሲኹ ገሊጹ።

እዚ ዜና ብዝምልከት፡ ዛጊድ ካብቲ ጉጀል ዝተብሃለ የለን።

ኣልሸባብ ሎሚ ንጎሆ ዓርቢ 22 ሓምለ 2014 ዓርቢ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ልዕሊ ምስ ኢትዮጵያ እትዳወብ ኣቶ ዝተብሃለት ከተማ ሶማልያ፡ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ሓደ በዓልመዚ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ናብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ምስ ዝኣተዉ ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዶብ ከምዝተዋግኡ ጸብጻባት ይሕብሩ።

 እቲ መጥቃዕቲ፡ ሶማልያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ትዳወበሎም ከተማታት ዶብ ዝተፈፀመ ኮይኑ፡ ብኽልቲኦም ወገናት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ ነይሩ።

ነዚ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ናብታ ክልል ከምዝተዋፈረ እውን ተገሊፁ ነይሩ።

ኣልሸባብ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ክሕነ እኳ እንተፀንሐ፡ ካብ ፈተነ ዝዘለለ መጥቃዕቲ ግና ፈፂሙ ኣይፈልጥን። ሕዚ ዕጡቓቱ ዶብ ሰጊሮም ዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ድማ ትፅቢት ዘይተገበሮ እዩ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ኣልሸባብ ኣብዚ ቅነ ኣብቲ ክልል ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ልዕሊ 80 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ'ቲ ክልል ከምዝቐተለ ምፅብፃቡ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ኣስታት 200 ኣባላት እቲ ጉጅለ ከምዝቐተሉ ይግለፅ።

ብሰፊሑ ኣብ ሶማልያ ዝንቀሳቐስ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ከምዘለዎ ይግለፅ። ኣብ ሶማልያ ከኣ ህይወት ብዙሓት ዝቐጠፈ ናይ ቦንቧን ደባይን መጥቃዕትታት ክፍፅም ፀኒሑ።