ኢትዮጵያ ልዕሊ 800 ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ብዝርከቡ ከባቢታት ዶብ ኣቢሎም ናብ ክልል ሶማል - ኢትዮጲያ - ካብ ዝኣተዉ ዕጡቓት ኣልሸባብ ልዕሊ 800 ከምዝተቐትሉ ፕረዚደንት እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ናይ ምፍጻም ታሪኽ ዘይነበሮ ኣልሸባብ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዶብ ሰጊሩ ብምእታው ምስ ፍሉይ ሓይሊ ሶማል ኣብ ውግእ ተጸሚዱ ምህላዉ ይንገር።
ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ሙስጠፋ ዑመር ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ብዘይካ'ቶም ዝተቐትሉ ዕጡቓት ኣልሸባብ ካልኦት ኣስታት ሚእቲ ኣባላት እቲ ጕጅለ'ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ሓቢሩ።
ቢቢሲ፡ እቶም ዕጡቓት ከምዝተቐተሉን ከምዝተትሓዙን ካብ ዘይሻራዊ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተኸፈተሉ 13 ሓምለ 2014 [ግእዝ] ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ከምዘለዎ ዝዝረበሉ ኣልሸባብ፡ ሓያሎ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ከምዝቐተለ ገሊጹ ነይሩ።
ኣልሸባብ ክልተ ጕጅለታት ዘሳተፈ ኰይኑ፡ ሓደ ጕጅለ ካብ ሶማል ዘሳግር፡ ካልእ ጕጅለ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ምንባሩ ይግለፅ።
ካልኣይ ዙርያ መጥቃዕቲ ብሰኑይ 18 ሓምለ 2014 ተኻይዱ። ብኣንፈት ፊር ሸበሌ ሶማል ዝኽፈት ኰይኑ፡ ካብቲ ከባቢ ቀጺላ ፌር-ፌር ዝተበህለት ዶባዊት ከተማ ኢትዮጵያ ትርከብ። ኣብ ጥቓ ፌር-ፌር፡ ላስቁሩን እትበሃል ከተማ’ውን ውግእ ተኻይዱ።
በዚ መሰረት፡ ብርቱዕ ኲናት ከም ዝተኻየደን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዙሓት ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉ ዝተገልጸን ኣብታ ፌር-ፌር እትብሃል ቦታ’ዩ።
ኣብቲ ከባቢ ኣብ መንጎ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማልን ኣባላት እቲ እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለን ውግእ ክካየድ ከምዝረኣዩ ነበርቲ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
እቲ ሓሙሻይን ዝነኣሰን ውግእ ዘእንገደት ድማ ቤሪስማን ዝተብሃለት ኣብ ጥቓ ፌር ፌር እትርከብ ካልእ ቦታ ነይራ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማልን ሓባራዊ ስርሒት ከምዝጀመሩ ሰበስልጣን እቲ ክልል ኣፍሊጦም’ዮም።
ኣብቲ ኣንፃር ናብ መሬት ኢትዮጵያ ኣትዮም ዝነበሩ ዕጡቓት ኣልሸባብ ዝተኻየደ ውግእ፡ ኣማኢት ዕጡቓት እቲ ጕጅለ ከምዝተቐትሉ፡ መካይን ከምዝዓነዋን ብዙሓት ኣጽዋር ከምዝተማረኹን ይዝረብ።
ኢትዮጵያ፡ ነቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ሃለዋቱ ንዝሕብር 5 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ክኸፍል እየ ዝበለትሉ ሓላፊ ጎስጓስን ፕሮፖጋንዳን ኣልሸባብ ፉኣድ መሓመድ ካህላፍ ዝርከቦም ሰለስተ ላዕለዎት መራሕቲ ኣልሸባብ ከምዝቐተለት ከም ዝገለጸት ይዝከር።
ኣልሸባብ ድማ እዞም መራሕቲ ኣይተቐትሉን ብምባል ምላሽ ሂቡ ነይሩ።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማል፡ ሙስጠፋ ንቤት ምኽሪ 'ቲ ክልል ሂብዎ ኣብ ዝነበረ መብርሂ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ክልል ካብ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ናይ መከላኸሊ ዞባ ንምህናጽ መደብ ከምዘለዋ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብቲ ብዓርቢ ዘስምዖ መደረ፡ እቲ ጕጅለ "ናብ ዶብ ክቐርብ ፈጺሙ ከይደፍር" ጻዕርታት ይግበር ከምዘሎ ገሊጹ።
ዝርዝሩ’ኳ እንተዘይተገልጸ፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ኢትዮጵያ ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ናብ ሶማልያ ብምብጻሕ ምስ ሰበ-ስልጣን 'ታ ሀገር ከምዝተዘራረቡ ተሓቢሩ’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







