ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ንኻልኣይ ግዜ ምስ ኣልሸባብ ከምዝተዋግአ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, SOMALI REGIONAL COMMUNICATION/FB
ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል፡ ንኻልኣይ ግዜ ናብ ኢትዮጵያ ጥሒሶም ምስ ዝኣተዉ ዕጡቓት ኣልሸባብ ትማሊ ሰኑይ ከምዝእተዋግአ ነበርትን መንግስቲ እቲ ክልልን ገሊጾም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕጡቓት ኣልሸባብ ብወገን ሶማልያ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ኣብ ዞባ ዓፍዴር ክልል ሶማል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ነይሮም።
ሰኑይ 18 ሓምለ 2014 [ግእዝ] ድሕሪ ቐትሪ'ውን፡ ኣብ ክልል ሶማል ከባቢ ወረዳ ፌርፌር፡ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ምስ ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝተዋግአ ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ምምሕዳር ክልል ሶማል ሰኑይ ምሸት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል “ንኻልኣይ ግዜ ዶብ ጥሒሱ ክኣቱ ንዝፈተነ ግብረ ሽበራዊ ጕጅለ ኣልሻባብ ደምሲሱ” ብምባል ዝተፈላለዩ ኣጽዋራት ኲናት ከምዝማረኸ ሓቢሩ።
እቶም ዕጡቓት፡ ኣብ ሶማልያ ካብ ዝርከብ ግዝኣት ሄራን ተበጊሶም፡ ናብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ሶማል ዞባ ሸበሌ ናብ ዝርከብ ወረዳ ፌርፌር ጥሒሶም ንምእታው ከምዝፈተኑን፡ ምስ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ውግእ ከምዝተኻየደን መንግስቲ እቲ ክልል ገሊጹ ኣሎ።
ብተወሳኺ ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝተቐተሉን ከምዝተማረኹን ተሓቢሩ።
እቲ ትማሊ ዝተኻየደ ውግእ ካብ ርሑቕ ከባቢታት ይስማዕ ከምዝነበረ እዮም ነበርቲ ዝገልጹ።
እንተዀነ በቲ ጐንጺ ብዛዕባ ዝወረደ ጕድኣት ዝተባህለ ነገር የለን።
ኣንጻር ዕጡቓት ኣብ ዝግበር ውግእ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ'ውን ተዋፊሮም ከምዘለዉ መንግስቲ ክልል ሶማል ሓቢሩ ኣሎ።
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሰለስተ መዓልቲታት ኣብ መንጎ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማልን ዕጡቓት ኣልሸባብን ዝተኻየደ ከቢድ ኲናት፡ ሰላማውያን ሰባት ዝርከብዎም ብዙሓት ተዋጋእቲ ከምዝተቐተሉን ብዙሓት ተሽከርከርቲ ከምዝተቓጸላን ነበርቲ ተዛሪቦም ነይሮም።
ወሃቢ ቃል ኣልሸባብ ዓብዱያሲስ ኣቡ ሙሳብ፡ ኣብ ሶማልያ ክልተ ዓዲታት ከምዝተቘጻጸሩን ኣብቲ ኲናት ብዙሓት ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ከምዝተቐተሉን ንሮይተርስ ተዛሪቡ ነይሩ።
ንሱ ናብ ኢትዮጲያ ጥሒሶም ብዛዕባ ምእታዎምን ኣብ ዕጡቓቶም ዝወረደ ጕድኣትን ግን ኣይተዛረበን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







