ኣመሪካ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ከምዝቐተለት ተገሊፁ

ዕጡቓት ኣልሸባብ

ምንጪ ስእሊ, AP

ኣመሪካ ንዕጡቓት ኣልሸባብ ዒላማ ብምግባር ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብቲ ጉጅለ ጉድኣት ከም ዝበፅሐ መንግስቲ ሶማልያ ኣፍሊጡ።

ካብ ሚንስትሪ ሓበሬታ እታ ሃገር ዝወጽአ መግለፂ ከም ዘመልከቶ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣየር ሓሙሽተ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ተቐቲሎም።

እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ውግእ ዝተኻየደ ድማ ዕጡቓት ኣልሸባብ ካብ ከተማ ኪስማዮ ንኣንፈት ደቡብ ምዕራብ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዘሎ ሓይሊ መንግስቲ ሶማልያ መጥቃዕቲ ብምፍፃሙ ከም ዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣሜሪካ ወተሃደራታ ዳግም ናብ ሶማልያ ክትልእኽ ምዃና ውሳነኣ ዕላዊ ድሕሪ ምግባራ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት'ዮም ዕጡቓት ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዘለዉ።

ሶማልያ ሓድሽ ፕረዚደንት ድሕሪ ምምራጻ፡ ፕሬዝደንት ጂ ባይደን ኣስታት 500 ወተሃደራት ናብ ሶማሊያ ከም ዝልእኽ ወግዓዊ ገይሩ።

ንኻልኣይ ጊዜ ዝተመረፀ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ድማ፡ ኣመሪካ ወተሃደራት ክተዋፍር ምውሳና ብእወንታ ቅቡል ከም ዝገበሮ ይዝከር።

ሚንስትሪ ሓበሬታ ሶማልያ ዝዘርግሖ መግለፂ፡ "ሞቓዲሹን ዋሺንግተንን ኣንፃር ኣልሸባብ ሓቢረን ንምቅላስ ድልዋት እየን" ይብል።

ኣመሪካ ኣብ እዋን መሪሕነት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቶም ኣብ ሶማልያ ዝነበሩ ወተሃደራታ ቅድሚ ምስሓባ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ እስላማዊ ኣሸባሪ ጉጅለ ተመሳሰልቲ መጥቃዕትታት ኣየር ትፍፅም ምንባራ ይፍለጥ።

ሽዑ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብዝተኻየዱ መጥቃዕትታት ላዕለዎት መሪሕነት ኣልሸባብ ከም ዝተቐተሉ ዝግለፅ ኮይኑ፡ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱ'ውን ይዝረብ።

ብዓርቢ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣስታት ሓሙሽተ ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ከም ዝተቐተሉን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ግን ዝበፅሐ ጉድኣት ከም ዘየለን መንግስቲ ሶማልያ ኣፍሊጡ'ሎ።

ብወገን ኣመሪካ ግን ብዛዕባ እቲ ተፈጺሙ ዝብሃል ዘሎ መጥቃዕቲ ኣየር ዛጊድ ዝተወሃበ መግለፂ የለን።