ጥርጡር ቐታሊ፡ ‘ሕያዋይ ሳምራዊ’ ዝተባሃለሉ ቅትለት ጸሊም መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, TRIBUNE CONTENT AGENCY LLC / ALAMY
ወዲ 30 ዓመት ጆርዳን ኒሊ ግዳም ሓደር ጸሊም መንእሰይ እዩ ኔሩ። ብ 1 ግንቦት 2023፡ ምስ ሓደ ተሳፋሪ ባቡር ኣብ ዝገበሮ ቃልሲ ከኣ እዩ ተቐቲሉ።
ዳኒኤል ፔኒ፡ ወዲ 24 ዓመት ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ነበር ኮይኑ፤ ኒሊ፡ ንካልእ ሰብ ምእንቲ ከየጥቅዕ ብዝብል ክቐትሎ እንከሎ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝነበረ ሰብ ቪድዮ ተቐሪጹ።
ዳኒኤል ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ፤ እንተተፈሪዱ ድማ ክሳብ 15 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ እዩ።
እንተዀነ ኣብቲ ጉዳይ ዘሎ ኣመለኻኽታ ዝተፈላለየ ኮይኑ ኣሎ።
ገለ ሰባት፡ ዳኒኤል ፔኒ ከም ጅግና ክቖጽርዎ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ከም ቀታሊ ሰብ ይርእይዎ።
ሪፓብሊካውያን ፖለቲከኛታት፡ ዳኒኤል ፔኒ ‘ሕያዋይ ሳምራዊ’ እዩ ብምባል ንዕኡ ዘለዎም ደገፍ የበርትዑ ከም ዘለዉ፡ መርበብ ሓበሬታ ፖለቲኮ የመልክት።
ኒውዮርክ ታየምስ ብወገኑ፡ እቲ ንጆርዳን ኒሊ ብምቕታል ዝተኸሰሰ ዳንኤል ፔኒ፡ ብዓቃባውያን ፖለቲከኛታት፡ ፍሉጣት ሰባት “ጅግና”ን ሕያዋይ ሳምራዊን ተባሂሉ ይጽዋዕ ከም ዘሎ ይሕብር።
እዚ ፍልልይ ክፍጠር ዝኸኣለሉ ምኽንያት እንታይ? ንምዃኑ ኣብቲ ፍጻመ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?
ኣብቲ ሞት ዘስዓበ ፍጻመ እንታይ ኣጋጢሙ?
እቲ ፍጻመ ብሰኑይ 1 ግንቦት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ማንሃታን ኣብ እትርከብ ባቡር 'ኤፍ' እዩ ኣጋጢሙ።
ጆርዳን ኒሊ፡ ተሳፈርቲ ገንዘብ ክህብዎ እናጨደረ ይሓትት ከም ዝነበረ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይገልጹ። ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ተሳፋሪ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ዘመልክት መርትዖ የለን።
ሓደ ተዓዛቢ ዝቐረጾ ቪድዮ፡ ኣእዳው ፔኒ ንከባቢ ክልተ ደቒቕን 55 ካልኢትን ንክሳድ ጆርዳን ኒሊ ሓኒቖም የርኢ።
ካልኦት ክልተ ተሳፈርቲ እውን ንኒሊ ብቕልጽሙ ክገትእዎ ይረኣዩ።
ድሕሪ ክልተ ደቓይቕ፡ ሓደ ናብታ ባቡር ዝኣተወ ተሳፋሪ፡ ንፔኒን ነቶም ካልኦት ሰባትን ኒሊ ክመውት ከም ዝኽእል የጠንቅቖም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ካብቶም ሰብኡት፡ ፔኒ ንክሳድ ኒሊ "ምጭፍላቕ" ኣቋሪጹ’ዩ ኢሉ ይምልሰሉ።
እቲ ሓዱሽ ዝተሳፈረ ሰብ፡ ኒሊ ኣብ ክዳኑ ሰገራ ከም ዘምለጦን፡ እዚ ድማ ይመውት ከም ዘሎ ዘርኢ ምልክት ክኸውን ከም ዝኽእልን ይዛረብ።
ፔኒ እንተዘይሰዲድዎ ብቅትለት ክኽሰስ ከም ዝኽእል ከኣ የጠንቅቖ።
ፔኒ ምስ ተንሲኡ ደው ምስበለ፡ ካልእ ተሳፋራይ "ሓያል ማሕነቕቲ’ዩ" ክብሎ ይስማዕ።
ፖሊስ ንኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ኣብ ኣሜሪካ፡ ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፔኒ ኣብ እዋን እቲ ቃልሲ ንኻልኦት ተጓዓዝቲ ናብ ህጹጽ ኣገልግሎት ክድውሉ ከም ዝነገሮም ሓቢሩ።
ኒሊ ኣካሉ ምስ ለመሰ ናብ ክሓውይ ዝኽእለሉ ኣቀማምጣ ከስተኻኽሎ ከሎ ኣብቲ ቪድዮ ይርአ።
ነቲ ፍጻመ ዝቐረጸ ናጻ ጋዜጠኛ ጁዋን ኣልበርቶ ቫዝኬዝ ንጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኒሊ ዝበልዖን ዝሰትዮን ከም ዘይብሉ ክጭድር ከም ዝጸንሐ ገሊጹ።
"ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣትየ ዕድመ ልክዕ እንተተኣሰርኩ ኣይግድሰንን እዩ። ንሞት ድሉው እየ" ከም ዝበለ ይዛረብ።
ቫዝኬዝ፡ እቲ ሰብኣይ ክመውት እዩ ኢሉ ከም ዘይኣመነ ይገልጽ።
"ዋላ ሓደ ካባና ከምኡ ዝሓሰበ ኣይነበረን። ይንቀሳቐስ ነይሩ፡ ንነብሱ ድማ ይከላኸል ነይሩ።"
ጆርዳን ኒሊ መን እዩ ነይሩ?
ጆርዳን ኒሊ ንማይክል ጃክሰን ዘመስል ሰብ ኰይኑ፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ኒውዮርክ ታይምስ ስኴር ምርኢት የቕርብ ነይሩ።
ቅድሚ ሕጂ ካብ ክፍሊት ብምህዳም፡ ስርቅን ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ መጥቃዕቲ ብምፍጻምን ዝብል፡ 42 ግዜ ተኸሲሱ ከም ዝነበረ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ሓቢረን።
ኣብ 2021 ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ካብ መደበር ባቡር ትሕተ ምድሪ እትወጽእ ዝነበረት 67 ዓመት ዝዕድሚኣ ሰበይቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ተኣሚኑ ነይሩ።
ኣዲኡ ክርስቲ ኒሊ፡ ኣብ 2007 ብኣፍቃሪኣ ተሓኒቓ ሞይታ’ያ፡ ኣፍቃሪኣ ድማ ኣብ 2012 ን30 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ።
ድሕሪ ሞት ኣዲኡ፡ ኒሊ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ከጋጥሞ ከም ዝጀመረ ኣባላት ስድራቤቱ ይዛረቡ።
ሓፍቱ ካሮሊን ኒሊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ጆርዳን ፍትሒ ይግብኦ። ተፈታዊ እዩ ነይሩ" ኢላ።
ጠበቓ ስድራቤት ኒሊ ዝዀነ ዳንተ ሚልስ፡ ፔኒ ንገዛእ ርእሱ ከም ሓላዊ ህብረተሰብ ቆጺሩ ተንቀሳቒሱ ክብል ከሲሱ። እቲ ጠበቓ፡ ኒሊ ኣብታ ዝተቐትለላ መዓልቲ ንዝዀነ ተሳፋራይ ከም ዘይጎድአ’ውን ገሊጹ።
"ኣብ ኣዝዩ ንእሽቶ ዕድሚኡ ዘሕዝን ፍጻመ ኣጋጢምዎ።"
ዳኒኤል ፔኒ መን እዩ?
ዳኒኤል ፔኒ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኣገልጊሉ’ዩ።
ሞት ኒሊ ስዒቡ ድሕሪ መዓልታት ብመንገዲ ጠበቓታቱ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ንስድርኡ ጽንዓት ከም ዝተመነየ ገሊጹ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ኒሊ ንፔኒን ንካልኦት ተጓዓዝትን "ብዓመጽ ከፈራርሕ" ከም ዝጸንሐን፡ ፔኒን ካልኦትን "ሓገዝ ክሳብ ዝመጽእ ንርእሶም ንምክልኻል ከም ዝተዋስኡን" ይሕብር።
"ዳንኤል ፔኒ ንኒሊ ክጎድኦ ሓሳብ ኣይነበሮን፡ ክመውት ከም ዝኽእል'ውን ኣቐዲሙ ክግምት ኣይከኣለን።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብመሰረት ጸብጻብ ኤንቢሲ ኒውስ፡ ኣብ 2016 ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ዝዛዘመ ኰይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኲንስ ይነብር ነይሩ።
ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ናይ ሳጅን መዓርግን ሜዳልያ ጽቡቕ ስነ-ምግባር ማሪን ኮርፕስ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ሽልማታትን ረኺቡ’ዩ። ኣብ ሰነ 2021 ድማ ተሰናቢቱ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስነ-ህንፃ ይመሃር ከም ዘሎ ጠበቓታቱ ይዛረቡ።
በቲ ክሲ ገበነኛ ከምዘይኰነ ድሕሪ ምግላጹ፡ ብ100 ሽሕ ዶላር ዋሕስ ተፈቲሑ።
ካልኣይ ደረጃ ቅትለት እንታይ እዩ?
ካልኣይ ደረጃ ቅትለት፡ ሓደ ሰብ "ብዘይምጥንቃቑ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ሞት ከስዕብ" ከሎ ዝምስረት ክሲ እዩ፡ ብመሰረት ሕጊ ገበን ኒውዮርክ።
ደያኑ፡ ተኸሳሲ ኣብ ዘይምኽኑይ ናይ ሞት ሓደጋ ዝፈጥር ሸለልትነት ከም ዝተዋፈረን ድሕሪኡ ድማ ነቲ ሓደጋ ብፍላጥ ዕሽሽ ከም ዝበሎን ክኣምኑ ኣለዎም።
እቲ ተኸሳሲ ዝፈጸሞ ተግባር እውን፡ ካብቲ ሓደ ርትዓዊ ሰብ ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ክፍጽሞ ዝኽእል ዓብዪ ምዝንባል ዘመልክት ክኸውን ኣለዎ።
ብዘይ ፍላጥ ሞት ዘስዓቡ፡ ግን ከኣ ሓደጋ ተግባራቶም ዘይፈልጡ ጥርጡራት፡ ብትሑት ክሲ ገበናዊ ሸለልትነት ቅትለት ክሕተቱ ይኽእሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንክፍረዶ ዘሎ ተኽእሎ ክንደይ ዝኣክል’ዩ?
ኣኽባሪ ሕጊ ማንሃታን ኣልቪን ብራግ፡ ኣብ ፍርዲ ክዕወት ከም ዝኽእል እኹል ርእሰ ተኣማንነት ኣለዎ።
ኣብ 2014 ኤሪክ ጋርነር ዝተባህለ ዕጥቂ ዘይብሉ ሰብኣይ ብፖሊስ ብክሳዱ ተሓኒቑ ድሕሪ ምሟቱ፡ ብዛዕባ ሓደጋ ምዕፋን ዝምልከት ግንዛበ እናወሰኸ መጺኡ’ዩ።
ከምኡ’ውን ኣብ 2020 ድሕሪ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣባላት ባይቶ ኒውዮርክ ኣብ እዋን ማእሰርቲ ምዕፋን ንዝጥቀሙ መኮንናት መቕጻዕቲ ኣጠናኺሮም ኣለዉ።
ጠበቓ ምክልኻል ኒውዮርክ ጀፍሪ ሊችማን ግን፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ዳኒኤል ፔኒ ኣብ ዘቕርብዎ ክሲ ክዕወቱ ከም ዘይኽእሉ ይዛረብ። ወሲኹ፡ እቲ ተኸሳሲ ተግባራቱ ክቐትል ከም ዝኽእል ይፈልጥ ምንባሩ ከረጋግጹ ኣይኽእሉን ይብል።
ጀፍሪ ሊችማን፡ ፔኒ፡ ንተሳፈርቲ ንምክልኻል ብዘይ ርእሰ ፍትወት ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ከም ዘውደቐ ይገልጽ፤ መሰኻኽር ድማ እቲ ዝነበረ ምትህልላኽ ብሞት ክውዳእ ከም ዘይተጸበዩ ምግላጾም’ውን ይሕብር።
ኣብ ዝኾነ እዋን ኒሊ ተማእዚዙ ነቲ ቅልስ ክዛዝሞ ይኽእል ነይሩ ክብል’ውን ይሙግት።
ዝኾነ ነባሪ ኒውዮርክ፡ ኣብ ባቡር ትሕቲ መሬት፡ ብዙሕ ግዜ ሕማም ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ከጋጥሞ ይኽእል’ዩ።
መብዛሕትኦም ኣባላት መጋባኣያ፡ ከም ፔኒ ዝኣመሰለ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ፡ ኣብ ባቡር ትሕቲ መሬት ኣብ ዝፍጠር ዓመጽ፡ ጣልቃ ክኣቱ ከም ዝመርጹ ወሲኹ ይገልጽ።
"ብግቡእ እንተተኻቲዑ እዚ ብኡ ንብኡ ነጻ ክኸውን'ዩ፡" ከኣ ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







