ናብ ከባቢ መዕቈቢ ስደተኛታትን ቤት ኣልቦን ብናህሪ ዝኣተወት መኪና ሸሞንተ ሰባት ቀቲላ

ሓደጋ መኪና

ምንጪ ስእሊ, NEWSNATION VIA CBS

ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ቴክሳስ፡ ኣብ ጥቓ መዕቆቢ ገዛ ዘይብሎምን ስደተኛታትን ዝኣተወት መኪና ሸሞንተ ሰባት ቀቲላ።

ካብቶም ኣብ ከተማ ብራውንስቪል ኣብ ፌርማታ ኣውቶቡስ ዝነበሩ ብውሕዱ ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት ክቘስሉ እንከለዉ ገለኦም ድማ ኣብ ከቢድ ኵነታት ይርከቡ።

እቲ መራሒ መኪና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ተኸሲሱ ኣሎ።

ፖሊስ ብራውንስቪል፡ እቲ ፍጻመ ሓደጋ ይዅን ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመን ግን ንጹር ከምዘይኰነ ገሊጹ።

ኣቐዲመን ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ንፖሊስ ጠቒሰን፡ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ይመስል ክብላ ጸብጺበን ነይረን።

ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ጳጳስ ኤንሪከ ሳን ፔድሮ ኦዛናም ዝበሃል ማእከል መዕቈቢ ቪክቶር ማልዶናዶ ንቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብናይ ጸጥታ ካሜራ ዝተቐርጸ ቪድዮ፡ ሓንቲ ኤስዩቪ ቀይሕ መብራህቲ ጥሒሳ ናብቲ ፌርማታ ኣውቶቡስ ብፍጥነት ክትቀርብ ከምዘርኣየ ሓቢሩ።

ብድሕሪኡ እታ መኪና ደንደስ ሃሪማ ኣስታት 60 ሜተር ነፊራ ነቶም ኣብ መንገዳ ዝነበሩ ሰባት ገጭያቶም።

ማልዶናዶ፡ ቅድሚ እቲ ፍጻመ ፍርቂ ሰዓት ኣቢሉ፡ ኣብቲ ማእከል ክሓድሩ ዝቐነዩ ኣስታት 20 ሰባት ዝሓቘፈ ጕጅለ ከም ዝኸዱን ኣብ ፌርማታ ኣውቶቡስ እናተጸበዩ ከም ዝነበሩን ገሊጹ።

ንሱ ኣቐዲሙ ንኣሶሼይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መብዛሕትኦም ግዳያት ደቂ ተባዕትዮ ቬንዙዌላውያን ምዃኖም ገሊጹ ነይሩ።

"ብዙሓት ካብቶም ኣብዚ ዘለዉና ሰባት ቈልዑ ዘለወን ኣደታት፡ ከምኡ'ውን መጻምድቲ ዘይብሎም ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም፡ ሓደ ዘሕዝን ፍጻመ ተዓዚቦም።"

ንሱ ወሲኹ፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝዀነ ዓይነት ጽልኢ ከም ዘይረኣየ'ኳ እንተገለጸ፡ ናይቲ ከባቢ ማዕከን ዜና KRGV-TV ግን ካብቲ ፍጻመ ጀሚሩ ሰባት ናብቲ ኣፍደገ ከም ዝመጹን ንሓላዊ ጸጥታ "ብሰንክና ዘጋጠመ’ዩ" ከም ዝበሉን ምሕባሩ ይጠቅስ።

ነቲ ፍጻመ ስዒቡ፡ እቲ መራሒ መኪና ንሕክምና ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስደን መርመራ ዕጸፋርስን ኣልኮላዊ መስተ ከም ዝተገብረሉን ገሊጹ። ንሱ፡ ምስ ሰበስልጣን ምትሕብባር ከም ዘይነበሮ ይግለጽ።

ብመሰረት ሰበስልጣን ሓለዋ ዶባት ኣሜሪካ፡ ኣብ ከተማ ብራውንስቪል ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዝሒ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ወሰኽ ኣርእዩ እዩ።

ማልዶናዶ ብተወሳኺ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ክሳብ 250 ሰባት ክሕዝ ዝኽእል ናይ ለይቲ መዕቆቢ ማእከል ኦዛናም ኣብ መዓልቲ ክሳብ 380 ሰባት ክሕዝ ከምዝጸንሐ ማዕከን ዜና ኤፒ ይጠቅስ።

ሰበስልጣን ብራውንስቪል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ሓደጋ ኣዋጅ ኣውጺኦም ነይሮም፤ እዚ ካልኦት ኣብ ዶብ ቴክሳስ ዝርከባ ከተማታት ዝወሰድኦ ስጕምቲ ስዒቡ እዩ ነይሩ።

እዚ ድማ፡ ኣሜሪካ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ብቐጥታ ክትሰጉግ ዘኽእላ ኣዋጅ እዋን ኮቪድ ክስረዝ ኣብ ዝተቓረበሉ እዋን ዝተረኣየ ዋሕዚ ስደተኛታት እዩ።