‘ናብ ብሪጣንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምእታው እንተዘይፍትን ምሓሸኒ’

“ዕቑባ ኣይደለኹን፤ ናብራይ ንምቕያር ከምዝተሰደድኩ ነጊረዮም” ይብል ኣርተን።
“ኣቑሑትና ዝሓዘ ሳንጣ ፕላስቲክ ሂቦምና፤ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ቲራና ክትወርድ ኢኻ ተባሂለ።”
ካብ ካልኦት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ኣልባንያውያን ብዝተፈለየ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ ናብ ሃገሩ ተሰጕጉ።
ካብ ኣዝማዱን ኣዕሩኽቱን ብዝተለቅሖ ገንዘብ፡ ልዕሊ 4 ሽሕ ዶላር ንዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ብምኽፋል በቲ ሓደገኛ መንገዲ መትረብ እንግሊዝ ተጓዒዙ።
ነዚ ሓቀኛ ሽሙ ብዘይኮነ ኣርታን ክጽዋዕ ዝመረጸ ኣብ ሰላሳታት ዝርከብ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ጥቓ ኢንዱስትሪያዊ ከባቢ ርእሰ ከተማ ኣልባንያ ረኺብናዮ።
“እቶም ኣሰጋገርቲ ካራሩን ሸጓጉጥን ዓጢቘም ነይሮም። ‘ዝዀነ ነገር ብቪድዮ ከይትቕድሑ፣ ከይንረኣይ ሽጋራ እውን ከይተትክኹ ኢሎም የፈራርሑና ነይሮም” ይብል።
እንተዀነ ነዚ ምፍርራሕ ሸለል ኢሉ፡ ኣብ ከባቢ እቲ መትረብ ዝተወሰኑ ምስልታት ቀዲሑ።
ናብ ብሪጣንያን ጀርመንን ዝግበር ዘይሕጋዊ ጕዕዞ፡ ብዙሓት ኣልባንያውያን ዝምነይዎ እዩ። ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 12 ሽሕ ኣልባናውያን ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ብሪጣንያ ኣትዮም። ካብ ሓንቲ ሃገር በዚ መንገዲ ክንድዚ ስደተኛታት ክኣትዉ ንፈለማ ግዜ እዩ።
ብገምጋም ልዕሊ ፍርቂ ኣልባንያውያን ዕቁባ ይረኽቡ እዮም።
“በቲ መትረብ ዝግበር ጕዕዞ ስቓይ እዩ” ይብል ኣርታን። ኣዐርዩ ቆራሪ፡ ማዕበላውን ዘፍርሕን ነይሩ።
“20 ደቒቕ ምስተጓዓዝና ሓንቲ ጃልባ ፖሊስ ፈረንሳ መጺኣትና። ካብ 200 ሜትሮ ርሕቀት ዝኸውን ተኸታቲሎምና። ንሰለስተ ወይ ልዕሊኡ ሰዓት ዝኸውን ጸኒሖም። ድሕሪኡ ናብ ማያት ብሪጣንያ ሰጊርና፤ ንፖሊስ ብሪጣንያ ጸዊዕና።”
ሰብመዚ ብሪጣን ብጽቡቕ ከምዝተቐበሉዎም ኣርታን ይዝክር።

ከምቶም ኣብዚ ዓመት ናብታ ሃገር ዝሰገሩ ሰደተኛታት፡ ንሱ እውን ኣብቲ ማንሰን ዝተባህለ መዕረፊ ስደተኛታት ኣትዩ።
ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብ ዝበዝሓሉ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኣብቲ 1600 ሰባት ዝሕዝ ማእከል፡ ኣስታት 4 ሽሕ ሰባት ተዓቝቦም ነይሮም።
በዝሒ እቶም ስደተኛታት ዘሰንበዳ ጸሓፊት ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ብሪጣንያ ስዌላ ብራቨርማን፡ ነቲ ኵነታት “ወራር” ክትብል ምግላጻ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ።
ኣርታን፡ ዋላ'ኳ ንመግለጺ እታ ሚኒስተር እንተዘይተቐበሎ፡ ንምንታይ ናብ ብሪጣንያ ከምዝኣተወ ግን ኣይሓብአን።
“ነታ ቃለ መጠይቕ ዝገበረትለይ ሰበይቲ ‘ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከምዝኣተኹ ይፈልጥ እየ፤ ንጸወታ ግን ኣይኮንኩን መጺአ። ስራሕ ደልየ እየ መጺአ። ዕቑባ ኣይደለኹን” ኢለያ ይብል።
“ናብራይ ከመሓይሽ ከምዝተሰደድኩ ነጊረዮም። ኣቦይ ጉዱእ ኣካል እዩ። ን15 ዓመታት ንጉዱኣት ብዝወሃብ ጥሮታ እዩ ዝናበር። መድሃኒት ንምግዛእ'ኳ ኣይኣኽሎን።”
ናብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምእታዉ ምፍላጡ ሓቲተዮ።
“እወ እፈልጥ፤ ስሩዕ ሰነድ፡ ቪዛን ማሕተምን ዘይብልካ ናብ ካልእ ሃገር እንተኣቲኻ ዘይሕጋዊ ኢኻ።”
“ሕጋዊ መንገዲ ከምዘሎ እፈልጥ እየ። ግን እቲ ዝሰለጠን ዝረኸሰን መንገዲ መሪጸ” ይብል።
ካብቶም ኣርታን ዝተሰጐገሎም ምኽንያታት እቲ ሓደ፡ ብዛዕባ ናብ ብሪጣንያ ዝተጓዓዘሉ ሓቀኛ ምኽንያት ምዝራቡ እዩ። ዕቑባ ክሓትት ኣይፈተነን፤ ክሰርሕ ከምዝኸደ እዩ ተዛሪቡ።
ናብ ዓዱ ይመልስዎ ከምዘለዉ እውን ኣይፈለጠን ነይሩ።
“ንደገ ኣውጺኦምና፤ ብፖሊስ ተኸቢብና። ኣብቲ እዋን ክገልጾ ብዘይክእል መንገዲ ሓሪቐ ነይረ። ሓንጐለይ ክነቱግ ከምዝበለን ምንም ክገብር ከምዘይክእልን ይስመዓኒ ነይሩ።”
ኣርታን ሕጊ ብሪጣንያ ብምጥሓሱ ከምዝተባረረ እዩ ዝኣምን። ናብ ዓዱ ምምላሱ ከይኣክል ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት ናብ ዝዀነት ኣውሮጳዊት ሃገር ክኸይድ ኣይፍቀዶን እዩ።
“ካብታ ናብ ኣውቶብስ ኣትየ ይስጐግ ከምዘለኹ ዝፈለጥኩላ ህሞት ክሳብ ናብ ኣልባንያ ዝኣቱ፡ ኣብ ምሉእ ጉዕዞ፡ በኽየ።”
ጉዳይ እቲ ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝግበር ጕዕዞ፡ ኣብ ብሪጣንያ ሓያል ክትዕ እዩ ፈጢሩ ዘሎ፤ ገሊኦም እቲ ጸገም ተጋኒኑ እዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ከቢድ ቅልውላው ከምዝዀነ ይገልጹ።
ዳርጋ ኵሎም ግን ብሓደ ነገር ይሰማምዑ፤ እቶም ካብዚ ኵነታት ዘትርፉ ዘለዉ እቶም ኣሰጋገርቲ ምዃኖም።
ኣርታን እቲ ዝገበሮ ጕዕዞ፡ ኣብ ዕዳ ኣሽሓት ፖውንድ ከምዝሸመሞን ከምዝናሳሕን እዩ ዝገልጽ። ካልኦት ነቲ ጕዕዞ ክፍትንዎ እውን ኣይመክርን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







