ክልል ኣምሓራ፡ ቅትለት ተጨውያ ዝጸንሐት ቈልዓ ክልተ ዓመት ህዝባዊ ቍጠዐ ኣለዓዒሉ

ምንጪ ስእሊ, SM
ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ተጨውያ ደሃያ ተሳኢኑ ዝነበረ ቈልዓ ክልተ ዓመት ተቐቲላ ሬሳኣ ኣብ ቀጽሪ መንበሪ ወለዳ ተደርብዩ ተረኺቡ።
ኖላዊት ዘግየ ዝተባህለት ጓል ክልተ ዓመት ብ24 ነሓሰ 2016 [30 ነሓሰ 2024] ካብ ገዛኣ ከምዝተጨወየት ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ካብ ቤተሰብ እታ ህጻን ሓቢሩ።
ኣባላት ስድራቤት ዝበዝሕ ካብቲ ክኸፍልዎ ዝተሓተቱ በጃ እኳ እንተኸፈሉ ጨወይታ ግን ንህጻን ኖላዊት ቀቲሎም ከምዝደርበይዋ እቲ ኣባል ቤተሰብ ተዛሪቡ።
ብቕትለት እታ ህጻን ዝተቘጥዑ ነበርቲ ጎንደር ትማሊ ንተቓውሞ ናብ ኣደባባይ ኣብ ዝወጽኡሉ እዋን ምስ ሓይልታት ተጋጭዮም ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት ከምዘለዉ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ኖላዊት ዘግየ ንስድራኣ እንኮ ውላድ እያ ነይራ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንግሆ ኣብ መረባኣ ትጻወት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ድሕሪ ምጥፍኣ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ኣለሻ ወፊሮም ቀንዮም።
ወለዲ ኖላዊት ተኻርዮም ኣብ ዝነብሩሉ መረባ ዝተደርበየ ጽሑፍ ወረቐት ምስተረኸበ ድማ እታ ህጻን ከምዝተጨወየት ክፍለጥ ተኻኢሉ ይብል እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣባል ስድራቤት።
ኣዝማድን ጎረባብትን ኣብቲ ቀጽሪ ተኣኻኺቦም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን "ጨዊና ወሲድናያ ኣለና፤ ክሳብ ንድውለልኩም ተዓገሱ" ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘ ወረቐት ኣብቲ መረባ ከም ዝተረኽበ’ውን ኣረዲኡ።
እቶም ነቲ ጭውያ ዝፈጸሙ ሰባት "ነዚ ዝተኣከበ ሰብ እንተዘይበቲንኩምዎን ናብ ፖሊስ ሓበሬታ እንተሂብኩምን ክንቐትላ ኢና” ዝብል ጽሑፍ ኣብቲ ካንሸሎ ደርብዮም።
ብድሕሪ’ዚ 1 ሚልዮን ብር በጃ ዝሓተቱ ኮይኖም፡ ኣቦ ህጻን ኖላዊት ተቖጺሩ ዝሰርሕ መራሒ መኪና ብምዃኑ ግን "ብልዝብ 300 ሽሕ ብር ክቕበሉ ተሰማሚዖም" ኢሉ እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ መቕርብ።
ይኹን እምበር እቲ 300 ሽሕ ብር እውን ካብ ዓቕሚ ወለድን ፈተውትን ኖላዊት ንላዕሊ ብምንባሩ ናብ 100 ሽሕ ብር ጎዲሉ።
ሽዑ እቶም ጨወይቲ ብባጃጅ (ሰለስተ እግሪ ዘለዋ ተሽከርካሪት) ብምምጻእ ነቲ ገንዘብ ድሕሪ ምቕባል ነታ ቆልዓ ቀቲሎም ሬሳኣ ኣብ ድሕሪት ገዛ ወለዳ ከም ዝደርበይዎ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ቤተሰብ ኣረዲኡ።
"ምናልባት እቲ ገንዘብ ናብ 100 ሽሕ ብምጉዳሉ እዮም ቀቲሎምዋ ዝኾኑ" ዝበለ እቲ ውልቀሰብ፡ ቁጽሪ ሰሌዳ (ታርጋ) ናይታ ባጃጅን ዝተጠቀሙሉ ቁጽሪ ተሌፎንን ከምዝተትሓዘ ሓቢሩ።
ንቅትለት ህጻን ኖላዊት ስዒቡ ኣብ ከተማ ጎንደር ቁጥዐ ከምዝተወለዐ'ውን ወሲኹ ገሊጹ።
ብሰኑይ ምሸት፡ ኣቦ እታ ህጻንን ካልኦት ነበርቲ እታ ከተማን ሬሳ እታ ህጻን ሒዞም ናብ ኣደባባይ ብምውጻእ "ፍትሒ" ኣብ ዝሓቱሉ እዋን ምስ ሓይልታት ጸጥታ ተጋጭዮም።
ኣብ መንጎ ኣካላት ጸጥታ መንግስትን ነበርትን ኣብ ዝተፈጠረ ምስሕሓብ ብኣኽበርቲ ጸጥታ ብዝተተኰሰ ጥይት ዝተጎድኡ ሰባት ከምዘለዉ’ውን ተሓቢሩ።
ብዘይካ ህጻን ኖላዊት፡ ኣብ ጎንደር ዝፍጸም ጭውያን ቅትለትን "ከም ንግዲ ኮይኑ’ሎ" ዝብል ኣባል ስድራቤት፡ ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ሃብቶም ዒላማ ከይዀኑ ብምስጋእ ካብታ ከተማ ክወጽኡ ከምዝተገደዱ ይዛረብ።
ብተዛማዲ ዜና፡ ፖሊስ ከተማ ጎንደር ብጭውያ ዝተጠርጠሩ 31 ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ይሕብራ።
ብፍላይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ንገንዘብ ብዝብል ዝፍጸም ጭውያ ንብዙሓት ሰባት ናብ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው ኣእትዩ ኣሎ።
ዝተጨወዩ ሰባት ሓራ ንምውጻእ ካብ ውሑዳት ኣሽሓት ክሳብ ሚልዮናት ክኸፍሉ ዝግደዱ ሰባት ብዙሓት እኳ እንተኾኑ፡ ብኢድ ጨወይቲ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት እውን ብዙሓት እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







