ትግራይ፡ ስለምንታይ ንኣዋልዳን ደቀንስትዮኣን ‘ሲኦል’ ኰይናተን?

ምንጪ ስእሊ, FAMILIES
- Author, ላየን ፅጋብ
- Role, ጋዜጠኛ ቢቢሲ
እተን ኣብ ዝሓልፈ እዋን ኲናት ብዙሕ ግፍዒን ጾታዊ ዓመጻትን ዝረኣያ ደቂኣንስትዮ ትግራይ፡ ኣብዚ እዋን እውን ሩፍታ ኣይረኸባን፤ ይጭወያ፡ ይዕመጻ ሕሉፍ ሓሊፉ’ውን ይቕተላ ከምዘለዋ ብሰፊሕ ክንገር ጸኒሑ እዩ።
እዚ ድማ ኣብ ከቢድ ራዕድን ስነ-ልቦናዊ ፀቕጥን ሸሚምወን ይርከብ። ብዙሓት ድማ፡ ኣብዚ እዋን ትግራይ ንደቂኣንስትዮ ‘ሲኦል’ ከም ዝዀነት ይገልጹ። እታ ክልል ግን ንምንታይ እያ ንገዛእ ኣዋልዳ ንምንባር ዘይትጥዕም ‘ሲኦል’ ኰይና?
መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ንኣንበብቲ ክርብሽ ዝኽእል ትሕዝቶ ዝሓዘ እዩ።
ኣብ ትግራይ - መቐለ፡ ከባቢ ዓዲ ሓውሲ ብ13 ነሓሰ 2015 [ግ] መንእሰይ ዘውዱ ሃፍቱ ኣብ ማእከል ኣደባባይ ብዘስካሕክሕ ጭካነ ዝተቐትለትሉ ኣመና ዘሰንብድ ፍፃመ ተኸስተ።
ሰምሃል ገብረእግዚኣብሄርን ዘውዱ ሃፍቱን ኣብ 2003 [ግ] ካብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ዝጀመረ ን13 ዓመታት ዝቐጸለ ፅኑዕ ምሕዝነት ነይሩወን።
ኣብታ ዕለት ከባቢ ሰዓት 1፡30 (7፡30) ናይ መሓዝአን ልደት ከኽብራ እናኸዳ፡ ታርጋ ብዘይብላ መኪና ዝመጽኡ ሰባት ንዘውዱ ሃፍቱ ብፀጕራን ኩርንዓን ንዝተወሰነ ርሕቐት ጐቲቶም ርእሳ ጨፍሊቖም ቀቲሎማ።
ሰምሃል፡ እቲ ንመሓዛኣ ዝቐዘፈ ዘስካሕክሕ ቅትለት ብዓይና ርእያን፤ ዘውዱ በቶም መንነቶም ዘይተለለየ ሰባት መጥቃዕቲ ምስ ኣጋጠማ ከተእዊ እንከላ እውን ሰሚዓታን እያ።
“ብሆቴል ደስታ ኣቢልና እናኸድና ኣብ ከባቢ ‘እንዳ ጓል ኣባዲ ሑመራ’ ሬስቶራንት ምስ በፃሕና፡ ብድሕረና ዝመፀት ታርጋ ዘይብላ ‘ፓትሮል’ መኪና፡ ኢዶም ብመስኮት ሰዲዶም ንዘውዱ ብጸጕራን ኩርንዓን ብቍመታ ልክዕ ጐቲቶም ንኣስታት 100ን ገለን ሜትሮ ወሲዶምዋ" ትብል ነቲ ህሞት እንክትዝክሮ።

ምንጪ ስእሊ, SM
“ኣነ እናእወኹ ደድሕሪኣ ይጐዪ ነይረ። ንሳ’ውን ተእዊ ነይራ….ጐቲቶም ምስ ወሰዱዋ ኣብ መወዳእታ ክድርብይዋ ብርሕቐት ርእየ። እታ መኪና ብቕልጣፈ ትውንጨፍ ስለዝነበረት ኣብ መንጎና ናይ ርሕቐት ፍልልይ ነይሩ። ኣብቲ ቦታ ክበፅሕ እንከለኹ ሰብ ከቢቡ ይርእያ ከም ዝነበረ እዝክር... እቲ ሓደጋ ብጣዕሚ ጐዲእዋ፡ ርእሳ ተጨፍሊቑ’ያ ፀኒሓትኒ፤ ብህይወት ዘላ ስለዝመሰለኒ ናብ ሆስፒታል ዓይደር ሒዝናያ ኬድና” ትብል።
ዘውዱ ግን ብዝወረዳ ማህሰይቲ ብህይወት ኣይነበረትን፤ ሰምሃል ከኣ ንመሓዛኣ ብኸምዚ ዓይነት ቅትለት ስኢናታ።
ሰምሃል በቲ ዘሰምብድ ቅትለት ፀገም ኣእምሮ ኣጋጢሙዋ። ሕክምናዊ ክትትል እናተገብረላ ብዛዕባ እቲ ዝረኣየቶ ንፖሊስ ቃል ምስክርነታ ትህብ ነይራ። ፖሊስ ከኣ ክበፅሑዋ ምስ ዝመጽኡ ሰባት “ከይትራኸብን ስልኪ ከይትጥቀምን ከልኪሎም፡ ንግሆን ምሸትን ክትትልን ፀቕጥን ይገብሩላ” ነይሮም።
እቲ ቃለ ምስክርነት ዝወስደላ ዝነበረ ፖሊስ፡ ብቕትለት ጠርጢረያ ብምባል ንሸሞንተ ኣዋርሕን ሸሞንተ መዓልትን ኣብ ፀልማት ቤት-ማእሰርቲ ከምዝኣሰራ ሰምሃል ትሕብር።
እንተዀነ፡ እቲ ነዚ ጉዳይ ዝከታታል ዝነበረ ቤት-ፍርዲ ወረዳ ክፍለ ከተማ ዓዲሓቂ፡ ብቅትለት ዘውዱ ከጠርጥራ ዘኽእል መረዳእታ ስለዘይረኸበ መዝገብ ብምዕጻዉ፡ ብዋሕስ ፈቲሑዋ። እቲ 11 ኣዋርሕ ዝገበረ ንብዙሓት ዘሰምበደ ቅትለት ጓል 32 ዓመት ዘውዱ ግን ክሳብ ሕዚ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኰይኑ ቀጺሉ ኣሎ። ፈጸምቲ ገበን ናብ ሕጊ ኣይቀረቡን፤ ስድራ ቤት ፍትሒ ይፅበዩ ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, SEMHAL
ብርቱኳን ሃፍቱ፡ ንዘውዱ ምንኣስ ሓፍታ’ያ። ክሳብ ሕዚ ፍትሒ ዘይምርካቦም ካልኣይ ሞት ከምዝዀኖም ንቢቢሲ ትገልፅ።
“ሓፍትኻ ካብ ገዛ ወጺኣ፡ እሞ ብወዲ ዓዳ ኣብ ኣፍ ደገ ገዛኻ ብኸምዚ ዓይነት ግፍዓዊ ኣቀታትላ ተቐቲላስ፡ ክሳብ ሕዚ ፍትሒ ዘይምርካብና ብጣዕሚ ኢና ንሓዝን። ንዓና ክልተ ሞት’ዩ ኰይኑና ዘሎ።
ቈጸራ ቤት ፍርዲ ብዝተውሃበ ቁፅሪ ከኣ ሽማግለታት ወለደይ፡ ‘ንሕና ወገን ስለዘይብልና’ዶ ይኾን ፍርዲ ዘይወሃበና ዘሎ?’ ኢሎም ብጣዕሚ ይሓዝኑ። ኣብ ከቢድ ኵነታት’ዮም ዘለዉ” ትብል።
ፖሊስ ንኣርባዕተ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ይምርምር ከም ዘሎ’ዩ ዝገልጽ።
ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ዘለዉ መርመርቲ ግን፡ ስርሖም ብግቡእ ንከይሰርሑ ካብ ሰብመዚ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ጸቕጥን ምፍርራሕን ይበፅሖም ከምዘሎ ወግዓዊ ደብዳበ ጽሒፎም’ዮም። ብዛዕባ’ዚ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ምንጪ ስእሊ, SM
ኣብ ከተማ መቐለ ብሉጻት ተምሃሮ ኣብ ዝመሃርሉ ብሕታዊ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ትምሃር ዝነበረት ቤተልሄም ገብረሚካኤል እውን ንዓሰርተ መዓልታት ደሃያ ጠፊኡ ድሕሪ ምፅናሕ፡ ብ19 ግንቦት 2016 ኣ.ግ ኣብ ሓደ ቀላይ ሞይታ ተረኺባ። ስድራ ቤታ ከቢድ ሓዘን ወሪድዎም ገባሪ ክፉእ ኣብ ሕጊ ክቐርብ ይፅበዩ ኣለው።
ወላዲኣ ኣይተ ገብረሚካኤል ነጋሽ፡ “ቀዳምን ሰንበትን ዕረፍቲ ስለ ዝነበረ ዓርቢ ምስ መሓዛኣ ክቘርባ መጺአን። መደበን ቀዳም ቈሪበን ሰንበት ክኸዳ’ዩ ነይሩ። ይዅን’ምበር ሰንበት 11 ግንቦት ከባቢ ሰዓት 2፡00 ቤተ-ክርስትያን ክትሳለም ካብ ገዛ ወጺኣ፤ ብድሕሪኡ ኣይተመለሰትን” ይብሉ።
ሬሳ ቤተልሄም ናብ ዝተረኸበሉ ከባቢ ገዳም እንዳ ሚካኤል ጸላዮ ከይዱ ዝተዓዘበ ፖሊስ ከተማ መቐለ፡ ኣብ ጠንቂ ሞት ቤተልሄም ዝበጽሖ መደምደምታ ከምዘየለ ብምግላጽ ውጽኢት ምርመራ ሬሳ ምስ ተቐበሉ ከምዝገልጹ ሓቢሩ።
'ሓፍትና ብኸቢድ ጭካነ ተቐቲላ ረኺብናያ'
ኣብ ከተማ ዓድግራት እንዳ ጽማቚ ከፊታ እትናበር ዝነበረት ኣዳነሽ ኣብርሃ፡ ነሓሰ 2015 [ግ ] “ሰዓት 5፡30 ፀበል ክሕፀብ” ኢላ ካብ ገዛኣ ምስ ወጸት ከይተመለሰት ተሪፋ። ስድራኣ ንኣዋርሕ ደልዮምዋ።
ድሕሪ ቅሩብ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ መኾኒ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ተቐቲላ፡ ሬሳኣ ኣብ ሓደ ግራት ኣብ ቃንጫ ምሸላ ተደርብዩ ተረኺቡ።
ኣዛዚ ፖሊስ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ኢንስፔክተር ኣያሌው ሳሙኤል፡ ነዚ ፍጻመ ንቢቢሲ ብምርግጋፅ፡ “ካብ ከተማ ውጽእ ኢልካ ሬሳኣ ተረኺቡ። ኣብቲ እዋን መንነት ግዳይ ስለዘይተፈልጠ ኣብ ከተማ መኾኒ ተቐቢራ” ይብል።
ድሕሪ ዓሰርተ ወርሒ ግን፡ ናብ ሓፍታ መምህር መሰሉ ኣብርሃ፡ ካብ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ከተማ መኾኒ ተደዊሉ።
ስድራ ኣዳነሽ ካብ ዓድግራት ናብ ከተማ መኾኒ ኣምሪሖም፤ ፖሊስ ብኤግዚቢት ንዝሓዞ ተንቀሳቓሲ ምስልን ስእልን ርእዮም።
እታ ግዳይ፡ እታ ንኣዋርሕ ተደልያ ዝተቐብጸት ኣዳነሽ ከም ዝዀነት ኣረጋጊጾም።

ምንጪ ስእሊ, FAMILY
መምህር መሰሉ፡ “እቲ ፖሊስ እናፈርሐ ‘እስኪ ረእይያ፡ ምናልባት ንሳ ዘይክትከውን ትኽእል’ ኢሉና። ኬድና ምስረኣናያ ግን ንሳ ባዕላ’ያ.....ክዳውንታ፣ መትሓዚ ፀጕሪ ርእሳ፡ ንሳ ባዕላ... ፖሊስ ሬሳኣ እንተልዕሉ፣ ናብ ስትሬትቸይር እንተደይብዋ ዝቐረፅዎ ቪድዮን ስእልን ርኢና። ብ12 ለይቲ ኣብ በረኻ መኾኒ ተቐቲላ” ትብል፡ ዓባይ ሓፍታ መምህር መሰሉ ኣብርሃ።
ኣዳነሽ ምስ በዓል ቤታ ነበር ብ70 ካሬ ገዛ ይሰሓሓቡ ከም ዝነበሩ ስድርኣ ይገልፁ።
ኢንስፔክተር ኣያሌው፡ ቤተሰባ ነቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ክዳን ብምርኣይ መዋቲት ናቶም ከምዝዀነት ምስ ሓበሩ፡ ኣብ ሰነ 2016 ምፅራይ ብምጅማር ኣብ መስርሕ ከም ዝርከቡ ሓቢሩ።
ድሕሪ 10 ወርሒ ኸኣ ሬሳኣ ተዃዒቱ፡ ስርዓተ ቀብራ ኣብ ዓድግራት ተፈጺሙ።
“እዚ ኵሉ በረኻ፡ ካብ ዓድግራት ኮብኲብካ ናብ ራያ ዓዘቦ ወሲድካስ ከምዚ ይግበር?! [ንገባሪ ክፉእ] ኣምላኽ ባዕሉ ኣብ ሰማይን ምድርን ይፍረዶ። ንሕና መዓናጡና ሓሪርና፡ ተሓምዚግና፡ ንዕድመ ልክዕና ዘይወፃኣልና ሓዘን’ዩ። ሞት ንዅሉ ሰብ’ዩ እቲ ኣቀታትልኣ ግና……(ብኽያት)” ትብል ሓፍታ መምህር መሰሉ።
ኣካላት ፀጥታ ነቲ ቅትለት ብምፍፃም ዝተጠርጠረ በዓልቤታ ነበር ፀለላ ወልደሚካኤል ኣብ ቀይዲ ዘውዓሉ እንተኾኑ፡ ስድራ ግዳያት ግና ክሳብ ሕዚ ፍትሒ ኣይረኸቡን።

ምንጪ ስእሊ, MILLION
ብ10 መጋቢት 2016 ኣብ ዓድዋ፡ ጓል 16 ዓመት ተምሃሪት ሻምናይ ክፍሊ ማህሌት ተኽላይ ናብ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ እናኸደት ተጨውያ ድሕሪ ምውሳዳ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ተቐቲላ ተረኺባ።
ስድርኣ ብናህታ ስልኪ ተደዊሉ ‘ሰለስተ ሚልየን ብር’ ክኸፍሉ ተሓቲቶም ከም ዝነበሩ ይዝክሩ።
ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ግና ብመጭወይቲ እታ ተምሃሪት ተጠርጢሮም ዝተትሓዙ ውልቀሰባት ንማህሌት ቀቲሎም ከም ዝቐበርዋ ስለዝተኣመኑ ፖሊስ ናብቲ ቦታ ብምኻድ ሬሳኣ ተዃዒቱ ክወፅእ ገይሩ፤ ስርዓተ ቀብራ ድማ ኣብታ ከተማ ተፈፂሙ።
ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ኣዋልድን ደቀንስትዮን ካብ ቅትለትን መጭወይትን ብተወሳኺ ፆታዊ ዓመፅ’ውን ይፍፀም ከምዘሎ ቢቢሲ ተረዲኡ ኣሎ።
‘ንፖለቲካዊ ትርፊ ዝተኸወለ ጾታዊ ዓመጽ’
ኣብቲ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህይወት ዝቐዘፈ ኲናት ትግራይ፡ ኣዋልድን ደቀንስትዮን ትግራይ ብሰራዊት ኢትዮጵያ መሻርኽቱ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ግዳያት መጥቃዕትን ጾታዊ ዓመጽን ከም ዝዀና፡ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ትካላት ምግላፆም ይፍለጥ።
ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፡ ሕዚ’ውን ብተጋሩ ግዳያት ይኾና ምህላወን፡ ንብዙሓት ዘስደመመን፡ ምእንቲ ‘ፖለቲካዊ ትርፊ’ ዘይተነገረሉ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ከም ዝዀነን ሰብሞያ ጥዕና ይገልፁ።
ነዘን ግዳያት ሕክምናውን ስነ-ልቦናውን ኣገልግሎት ፍወሳ ዝህብ ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ዝርከብ ‘ዋን ስቶፕ ሰንተር’፡ መዓልታዊ ሓደሽቲ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ይምዝግብ ኣሎ።
ንድሕነቱ መንነቱ ዘይግለጽ በዓልሞያ ጥዕና፡ ኣብዚ ዓመት “ኣብ ግንቦትን ሰነን ጥራይ፡ ወርሓዊ 100 ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ናብቲ ሆስፒታል መጽየን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ፡ ኣብ ሓደ ወርሒ ካብ 200 ክሳብ 300 ግዳያት ይመጻ ነይረን፤ ክሳብ ሕዚ እውን ኣየቋረፀን ዘሎ።
እዘን ደቀንስትዮ ኣብቲ እዋን ኲናት፡ ብተፃባእቲ ሓይልታት እየን ዝዕመጻ ነይረን። ሕዚ ግን ኣብ ትግራይ ብዝነብሩ ሰባት እየን ዝዕመጻ ዘለዋ፤ ሕዚ ናይ ደገ ሰብ የብልናን” ብምባል፡ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
እተን ግዳያት ከም ኤችኣይቪን ንካልእ ብዙሕ ዓይነት ጾታዊ ሕማማት ከም ዝተቓልዓ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ በዓልሞያ፡ “እቲ ብጣዕሚ ዘሕዝን፡ ናይ ደገ ሰብ ነዚ ጾታዊ ዓመጽ እንትፍጽሞ ኡይ…ይ ተባሂሉ፤ ናይ በዓልና ሰብ ክፍጽሞ እንከሎ ግና ንፖለቲካዊ ከስቢ ሱቕ ተባሂሉ፤ እዚ ደብል ስታንዳርድ’ዩ” ኢሉ።
ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እዞም ዝፍፀሙ ዘለዉ መጥቃዕትታት ፍርሒ ከም ዝሰፈነን ወጺእኻ ብሰላም ምምላስ ኣመና ኣሰካፊ ምዃኑን ይግለፅ።
ተምሃሪት 12 ክፍሊ ቅሳነት* ከም ቀደማ ናብ ቤት-ትምህርቲ ንበይና ክትከይድ ከምዘይትኽእል ትዛረብ።
“ወፂአ ክምለስ ድየ ኢለ ብጣዕሚ’የ ዝሻቐል። ንደገ ክወፅእ እንተዀይነ ምስ መሓዙተይ ወይ ምስ ሓወይ ክኸይድ ኣለኒ። መጭወይቲ ስለ ዝፈርሕ ባጃጅ ኣይጥቀምን። ንትምህርቲ እውን እንተዀነ ምስ መማህርተይ ተፀዋዊዕና ኢና ንኸይድ። ሃንደበት ሕማቕ እንተጋጢሙና መታን ሰባት ክረድኡና፡ ሰብ ብዝሓልፈሉ መገዲ ኢና ንጓዓዝ። በይንኻ ንምንቅስቓስ ዘፍርሕ ግዘ’ዩ” ትብል።
ቀንዲ ጠንቂ እዞም መጥቃዕቲታት እንታይ’ዩ?
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰብ ሞያ፡ ኣብታ ከቢድ ኲናት ዘሕለፈት ትግራይ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝወርድ መጥቃዕቲታት ስለምንታይ ኣብ ከምዚ ዝበለ ደረጃ ከምዝበጽሐ ዝተፈላለየ ኣጠማምታ የቐምጡ።
ትካል ሂዩማን ራይትስ ፈረስት፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝፍፀሙ ገበናት ኣመና ኣሰካፊ ኣብ ዝዀነ ደረጃ ከም ዝበፅሐ ይገልፅ።
ኣብ እዋን እቲ ኲናት ህወሓት ካብ በረኻታት ትግራይ ንመቐለ ተመሊሱ ዳግም መንግስትነት ምስ ሓዘ ‘ኣብ እዋን መኸተ ጠሊሙኒ’ ኢሉ ንዝኸሰሶ ፖሊስ ትግራይ ኣፍሪስዎ።
በዚ መሰረት ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነባር ፖሊስ ተሰጒጐም፡ ካብ ሰራዊት ትግራይ ከም ዝትክኡ ተገይሩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ’ውን ነቲ ጉዳይ ብዝነበሮ ቀፂልዎ።
ምክትል ዳይረክተር ትካል ሂዩማን ራይትስ ፈረስት ኣይተ መብርሂ ብርሃነ፡ እቲ ‘ፖሊስ ጠሊሙና’ ብዝብል ዝተወሰደ ስጕምቲ፡ ነዚ ሕዚ ዘሎ ኵነታት ምኽንያት ከም ዝዀነ ይገልፅ።
ኣይተ መብርሂ፡ “ፖሊስ ናይ ባዕሉ ሞያ’ዩ። ስቕ ኢልካ ብልምዲ ትሰርሖ ኣይኰነን። እቶም ካብ ሰራዊት ትግራይ ዝተተክኡ፡ ናይ ገበን ምክልኻልን ናይ ምርመራ ቴክኒክን ልምዲ የብሎምን፣ ግንዛበን ፍልጠትን ሞያ ፖሊስ የብሎምን፣ ናይ ሕጊ ፍልጠቶም’ውን ድሩት እዩ። እዚ ኣብ ዓቕሚ ገበን ምክልኻል ዓብይ ክፍተት ፈጢሩ። ነዚ ድማ’ዩ ዘይሻራዊ ዝዀነ ትካል ከይህሉ ኢዶም ዘእትውሉ ኵነታት ተፈጢሩ ዘሎ” ይብል።

ምንጪ ስእሊ, MEBRIHI
ጠበቓን ኣማኻሪት ሕጊን ሰላም ኪዳነ፡ ነቲ ስሩዕ ቍመና ዝነበሮ ነባር ፖሊስ ትግራይ ብፖለቲካዊ ውሳነ ብምፍራስ፡ ልምዲ ዘይብሉ ሓድሽ ፖሊስ ንኽትምድብ ዝገብር ዝዀነ ዓይነት ሕጊ ከም ዘየለ ተረድእ።
“ኣብ ሓደ ብዲሞክራሲ ዝምራሕ ዓዲ፡ ዝዀነ ኣካል፡ ንዘይተሰማምዖ ትካል ኣፍሪሱ ካልእ ክትክእ ወይ ኣብኡ ንዝነበሩ ሰራሕተኛታት በቲኑ ካልእ ከምፅእ ትጽቢት ኣይግበርን፤ ከምዚ ዓይነት ድንጋገ’ውን የለን። ንሓደ ዓዲ፡ ዓዲ ዘብሎ፡ ህላወ ትካላት’ዩ። ፖለቲካ ክቀያየር ይኽእል’ዩ፡ ትካላት ግን ክቕጽሉ’ዩ ዘለዎም። ስለዚ ልክዕ ውሳነ’ዩ ኢለ ኣይኣምንን” ብምባል፡ ድሕሪ ኲናት ንዘጋጥም ስግኣት ጸጥታ፡ ቅድሚ ኲናት ብዝነበረ መንገዲ ክእለ ከም ዘይብሉ ትገልጽ።
ሓደ መንግስቲ ዝጣየሸሉ ዕላማ ድሕነት ሕብረተሰብ ንምሕላው’ዩ ትብል ጠበቓ ሰላም፡ መንግስቲ ብፍሉይ ፅኑዕ መሓውር ጸጥታ ዘይምህናፁ ድማ፡ ነቲ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ቆራፅነት ከም ዘይብሉ ዘርኢ’ዩ ትብል።
“እቶም ሕዚ ፖሊስ ዝዀኑ፡ ብዙሓት መሓዝቶም እናሰውኡ ዝመፅኡን ዘስካሕክሕ ነገራት ዝረኣዩን ክንሶም ካብዚ ስነ ልቦናዊ ሃሰያ ንክሓውዩ እኹል ስልጠና እንከይተዋህቦም ናብ ፖሊስ ምእታዎምን እኹል መሃያ ዝኽፈሉ ዘይምዃኖምን፡ መፍትሒ ኣየምጽእን።”

ምንጪ ስእሊ, SELAM
ዳይረክተር እቲ ንመሰላትን ብቕዓትን ደቂኣንስትዮ ዝሰርሕ ትካል ጐርዞ ሰብለወርቅ ለማ’ውን፡ እቲ ንትግራይ ዘመሓድር ኣካል ቆራጽነት የብሉን ኣብ ዝብል ምስታ በዓልቲ ሞያ ሕጊ ትሰማማዕ።
ከም ትካል፡ ነዞም መጥቃዕትታት ንምግታእ ምስ ዘይመንግስታውያን ትካላት ብምትሕብባር፡ ኣብ ባይታ ግንዛበ ንምፍጣር ይሰርሓ ከምዘለዋ ትገልጽ ሰብለወርቅ፡ “ኵሉ ግዜ ሓደ ዓዲ ውሑስ ዝኸውን ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ውሑሳት ምስ ዝዀኑ’ዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንደቂ ኣንስትዮ ውሕስና ክህብን ንግዳያት ፍትሒ ከረጋግጽን ብደብዳበ ሓቲትና፤ መልሲ ኣይሃበናን። ከም መንግስቲ የመሓድር’የ ዝብል ኣካል ውሕስነት ዜጋታቱ ከረጋግጽ ግቡእ ኣለዎ። እዚ እንተዘይገይሩ ግን፡ ንሕና’ውን ተራና ኢና ክንጽበ” ትብል።
ድሕሪ ኲናት ትግራይ፡ ትካላት ፍትሒ እቲ ክልል፡ ነቲ ናይ ቀደም ቁመና ሒዘን ይቕፅላ ስለዘየለዋ፡ ቍጽጽር ሕጊን ተሓታትነትን ከምዝላሕለሐ ግዳያትን ምሁራትን ይገልፁ።
ጠበቓን ኣማኻሪት ሕጊን ሰላም ኪዳነ፡ “ሓደ ዳይና መዝገብ ክወሃቦ እንከሎ፡ ዝዀነ ሰብ እንከይኣዘዞ ሕጊ መሰረት ገይሩ ክሰርሕ ትጽቢት ይግበር። ድሕሪ 2014 ዝወጹ ሕጊታት ግን፡ ንሕገ-መንግስቲ ዝጻብኡ’ዮም። በቲ ፈጻሚ ኣካል በዞም ደምብታት ክንሰርሕ ብጣዕሚ ተገዲድና ስለ ዝነበርና፡ ኣብ ሕጊ ተርጓሚ ቅረታት ፈጢሮም” ትብል።
ብሰንኪ እዚ ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ድማ ካብቲ መደበኛ ዝዀኑ ሕግታት ወጻኢ ብዝወጹ ሓደስቲ ሕጊታት ዘይተርጐመ ዳኛ ይዅን ካልእ ከም ዝእሰር ምድንጋጉ ትገልጽ።
“ቤት-ፍርዲ ናይ ምትርጓም ነጻነቱ ተኸሊኡ’ዩ ነይሩ። ከም ዳይና ተገዲድካ እንድሕር ትሰርሕ ኴንካ፡ ነጻነት ቤት-ፍርዲ ምስኣን ማለት’ዩ። ብፍላይ ኣብዚ ዓመት ብዙሓት ዳያኑ ስርሖም ለቒቘም” ብምባል፡ እቲ ኣብ ዳያኑ ዝግበር ጸቕጢ ተረድእ።

ምንጪ ስእሊ, BISRAT
ብተወሳኺ፡ ስሉጥ ኣወሃህባ ፍትሒ ዘይምህላዉ ካልኦት መጥቃዕትታት ክፍፀሙ ከምዝድርኽ ትገልጽ።
“ንኣብነት ናይ ዘውዱ ቅትለት እንተርኢና፡ ኣብ 2015 ነሓሰ’ዩ ተፈጺሙ። ክሳብ ሕዚ ዕልባት ብዘይምርካቡ፡ ንፈጸምቲ ገበን የበረታትዖም ኣሎ። ግዳያት ጥቕዓት ንዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ግና ሞራል ዝትንክፍን ውሕስና ዘይህብን’ዩ ዝኸውን ዘሎ።”
እቲ ኣብ መንጐ ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳርን ከምዘሎ ዝግለጽ ምፍሕፋሕ፡ ጠንቂ ሓጓፍ ጸጥታን ገበናትን ከም ዝዀነ ይግለጽ እዩ።
ክኢላ ጸጥታን ምሁር ዓለምለኻዊ ርክባትን ኣይተ ብስራት ኣማረ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ውድቀት ጸጥታን ደሕነትን፡ ድሕሪ’ቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ናይ ዘሎ “ፖለቲካዊ ውድቀት” መግለጺ’ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።
እቲ ምሁር፡ “ሕዚ ኣብ ትግራይ ሓደ ገዛኢ ሓይሊ ተፈጢሩ’ዩ። ንብረት፡ ሃፍቲን ፋብሪካታትን ዝሓዘ፡ ስልጣን ዝተቘጻጸረ፡ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ዘለዎን ዝተወደበን፡ ጀነራላት፡ ነጋዶ፡ ዝኸሰሩ ፖለቲከኛታትን ዘለዎን ናይ ባዕሉ ተረኽ ዝሓዘን ናይ ‘ኢኮኖሚክ ደርቢ’ ተፈጢሩ ኣሎ። እዚ ደርቢ ንመን ከም ዝውክል ዘይፍለጥ ካብዝን ካብትን ዝተኣኻኸበ ናይ ፋይናንስ ‘ኦሊጋርኪ’ እዩ። ኣብ ትግራይ ንዅሉ ዘማእከለ መንግስቲ ከይህሉ ድማ ይከላኸል” ብምባል፡ ትግራይ ነዚ ሓይሊ’ዚ ትቃለስ ከም ዘላ የብርህ።
ገለ ነቐፍቲ ድማ፡ ኣብ ትግራይ ጸጥታን ደሕነትን ከውሕስ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘሎን፡ እቲ ሕዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘሰክፍ ኵነታት ጸጥታ፡ ገዛኢ ኣካል ህዝቢ ንዘልዕሎም ሕቶታት ንከይምልስ ኰነ ተባሂሉ ዝተሰርሐሉ ምዃኑ ይገልጹ።
ቀፃሊ ዝዓበየ ስግኣትን መዋጽኦን ትግራይ?
ምክትል ዳይረክተር ሂዩማን ራይትስ ፈረስት ኣይተ መብርሂ ብርሃነ፡ እዞም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸሙ ዘለዉ መጥቃዕትታት እንተዘይተገቲኦም፡ ትግራይ ማእከል ገበን፡ ክትራን፡ ዓመጽን ቅትለትን ስለትኸውን፡ ናብ ‘ኣናርኪዝም ክኸይድ ይኽእል’ዩ” ዝብል ስግኣት ኣለዎ።
ንሱ፡ “ልዕሊ 20/30 ዓመት ልምዲ ዘለዎም ነባር ፖሊስ ናብ ስርሖም ክምለሱ ኣለዎም። ጸገም ስነ-ምግባር ዘለዎ እንተልዩ ብሕጊ ይተሓተት። ሕብረተሰብ ዘሳትፍ ስትራተጂ ምክልኻል ገበን’ውን የድሊ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸሙ ዘለዉ ቅድሚ ሕዚ ርኢናዮም ዘይንፈልጥ ከበድቲ ገበናት ጠጠው ክብሉ እንተዀይኖም፡ ኣብ ልዕሊ ፈጸምቲ ገበናት ንኻልኦት ዘምህር ሕጋዊ ስጕምቲ ምውሳድ የድሊ” ዝብል መፍትሒ የቐምጥ።
ኣማኻሪት ሕጊ ሰላም ኪዳነ፡ እቲ ዘመሓድር ዘሎ ኣካል ቅልጡፍ ፍታሕ እንተዘየምጺኡ፡ ሕዚ ዝፍጸሙ ዘለዉ መጥቃዕትታት እናወሰኹ፡ ስርዓት ኣልቦነት ከም ዝፍጠርን ፍትሒ ብኢድካ ናብ ምርግጋጽ ከም ዝወስድን ትዛረብ።
ኣይተ ብስራት ብወገኑ፡ እቲ ዝፈረሰ ኵነታት ጸጥታ ናብ ንቡር ዝምለስ፡ ኵሉ ሕብረሰተሰብ ዝቕበሎን መዳርግትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ዝሳተፍሉን ናይ ሓባር መንግስቲ ምስ ዝጣየስ ከም ዝዀነ የረድእ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







