ትግራይ፡ ጠንቂ ሞት እታ ድሕሪ 10 መዓልታት ሬሳኣ ዝተረኽበ መንእሰይ እንታይ’ዩ?

ምንጪ ስእሊ, SM
ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ንልዕሊ 10 መዓልታት ደሃያ ጠፊኡ ዝጸንሐ መንእሰይ ሞይታ ምስ ተረኸበት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኰይኑ ቀንዩ።
ቤተልሄም ገብረሚካኤል፡ ካብ 11 ግንቦት 2016 (ግ) ጀሚሩ ደሃያ ጠፊኡ ምጽንሑ ይፍለጥ።
እታ መንእሰይ ንምርካብ ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ክግበር’ኳ እንተጸንሐ፡ እቲ ኣለሻ ግን ቤተልሄም ብህይወት ክትርከብ ኣየኽኣለን።
ኣብ መቐለ ክፍለከተማ ሓድነት፡ ጣብያ ደብሪ፡ ቐጠና መቓይ ኣብ ዝርከብ ቀላይ ሞይታ ተረኺባ፤ ብሰኑይ 19 ግንቦት ድማ ስነ-ስርዓት ቀብራ ተፈጺሙ ኣሎ።
ብዛዕባ ጠንቂ ሞት ቤተልሄም ገብረሚካኤል፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተፈላለዩ ግምታት ክወሃብን ከዘራርብን ጸኒሑ እዩ።
ገለ ካብኡ፡ እታ መንእሰይ ርእሰ ቅትለት ፈጺማ ወይስ ተቐቲላ እያ ናብቲ ቀላይ ተደርብያ ዝብሉ ይርከብዎም።
ቢቢሲ፡ ኣቦ እታ መንእሰይ ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣዘራሪቡ፡ ነቲ ዘሕዝን ፍጻመ ዳህሲስዎ'ሎ።
ወላዲኣ ኣቶ ገብረሚካኤል ነጋሽ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ጓሎም ዘጋጠመ ነገር ምድምዳም ከቢድ ከምዝዀነ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
“ባዕላ ድያ [ናብቲ ቀላይ] ኣትያ፡ ሰብ ድዩ ወሲድዋ ዝብል ምድምዳም ኣይከኣልን።”
ቤተልሄም ገብረሚካኤል፡ ተምሃሪት ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ እያ ነይራ። ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ፡ ውጽኢት ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ብልዑል ነጥቢ ዝዛዘሙ ብሉጻት ተምሃሮ ተወዳዲሮም ብምእታው ዝመሃርሉ ብሕታዊ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ እዩ።
ቤተልሄም፡ ኣብ 2016 ኣብ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ትምህርቲ ታሽዓይ ክፍሊ ጀሚራ። ድሕሪ ምጥፍኣ ኣብ ዝነበረ ፈለማይ ሰሙን ኣብ ዝጅምር ሓድሽ ሰሚስተር ድማ ናይ ዓስራይ ክፍሊ ትምህርቲ ክትቅጽል ትጽቢት ነይሩ።
ቅድሚ ምጥፋኣ ግን ወለዳ ክትሓትት ኣፍቂዳ ናብ መቐለ ከይዳ።
“ቀዳመ ሰንበት ዕረፍቲ ስለ ዝነበረ ምስ መሓዛኣ ብዓርቢ’ያ ክቘርባ መጺአን። መደበን ቀዳም ቈሪበን ሰንበት ክኸዳ እዩ ነይሩ” ክብል ኣቦ ቤተልሄም ዝመጸትሉ ምኽንያት ገሊጹ።
ይዅን’ምበር ሰንበት 11 ግንቦት ሰዓት ክልተ ኣቢሉ ቤተ ክርስትያን ክትሳለም ካብ ገዛ ከምዝወጸትን ብድሕሪኡ ከምዘይተመልሰተን ወሲኹ ሓቢሩ።
“ፈቐዶ ቤተ ክርስትያን” ከምኡ’ውን በብከባቢኡ ኣለሻ ኣካይዶም ክረኽብዋ ኣይከኣሉን።
ድሕሪ ኣስታት 10 መዓልታት ግን ሬሳኣ ኣብ ከባቢ ገዳም እንዳ ሚካኤል ጸላዮ ኣብ ዝርከብ ቀላይ ተረኺቡ።
ብድሕሪ’ዚ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ንፖሊስ ከምዝሓበሩን፡ ፖሊስ ኣብቲ ጉዳይ ምጽራይ የካይድ ከምዘሎን ገሊጹ።
ኣቶ ገብረሚካኤል ከምዝብሎ፡ ጓሉ ርእሰ ቕትለት ንኽትፍጽም ዝደረኻ ጭንቀት ርእዩላ ከምዘይፈልጥ እዩ ዝገልጽ።
ርእሰ ቅትለት ድያ ፈጺማ ወይስ ተቐቲላ ዝብል ንምርግጋጽ እውን ገና ውጽኢት መርመራ ሬሳ ይጽበዩ ኣለዉ።
ማኔጂን ዳይሬክተር ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ዶክተር መርሃዊ ኣብርሃ ብወገኑ፡ ናብ ርእሰ ቕትለት ዘብጽሕ ዝዀነ ዝተፈልየ ወይ ዘሻቐላ ነገር ከምዘይነበረ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ዶክተር፡ ተምሃሮ እቲ ቤት ትምህርቲ ዕረፍቲ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ስድራ ክሓትት ኢላ ከምዝኸደት ኣረጋጊጹ።
“ቅድሚ 10 መዓልታት ኣቢሉ፡ ዓርቢ ምሸት ኣፍቂዳ ኣብ መቐለ ናብ ዝርከቡ ቤተሰባ ከይዳ። ቀዳምን ሰንበትን ምስኦም ጸኒሓ፡ ሰኑይ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትኣትው ትጽቢት ነይሩ።”

ምንጪ ስእሊ, SM
ዶክተር መርሃዊ፡ ስድራኣ ደሃይ ጓሎም ምስ ሰኣኑ ንጽባሒቱ ሰኑይ ናብቲ ቤት-ትምህርቲ ሪፖርት ከምዝገበሩ ሓቢሩ። እቲ ኣለሻ ስዒቡ ግን ቤተልሄም ብህይወት ኣይተረኽበትን።
“ቤተክርስትያን ትፈቱ ስለ ዝነበረት፡ ምናልባት ናብ ገዳም ዶ ከይዳ ትኸውን ብዝብል ኣብ ብዙሕ ቦታታት እያ ክትድለ ቀንያ። ኣይተሳኽዐን። ብዝምልከቶ ኣካል ናይ መወዳእታ ኣጻርዮም ክሳብ ወግዓዊ ዘይገበሩ ግን፡ ጠንቂ እቲ ሞት እዚ እዩ ክንብል ኣይንኽእልን” ኢሉ።
ካብ ወለዲ ዝበጽሐ ሓበሬታ ስዒቡ ምጽራይ ዘካይድ ዘሎ ፖሊስ ዞባ መቐለ፡ ጠንቂ ሞት እታ መንእሰይ ዛጊት ከምዘይተረጋገጸ እዩ ዝገልጽ።
ሬሳ ቤተልሄም ኣብ ዝተረኸበሉ እዋን፡ እታ መንእሰይ ካብ ትመውት ጸኒሓ ክትከውን ከም'እትኽእል ኮማንደር ኣብሪሃ ወረደ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ሬሳ ዝተረኸበሉ ቀላይ ካብቲ ገዳም ርሕቕ ዝበለን ገደልን ስለ ዝዀነ፡ ኣብቲ ገዳም ዝርከቡ ሰባት ነቲ ሬሳ ከይረኣይዎ ክጸንሑ ከምዝኽእሉ ኣብሪሁ።
ይዅን’ምበር ምስ ግዜ “ሬሳኣ ምስ ተንሳፈፈ ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ ጥቆማ ሂቡ” ኢሉ።
ዛጊት ፖሊስ ዝኣከቦ መረዳእታ ጠንቂ ሞት እታ መንእሰይ እዚ እዩ ኢልካ ንምድምዳም ዘኽእል ከምዘይኰነ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
“ምጽራይ ስለ ዘድሊ ንሕክምና ኣእቲናያ ኣለና” ብምባል ሬሳኣ ናብ ዓይደር ሆስፒታል ከምዝተለኣኸን ናይ መወዳእታ ውጽኢት ምርመራ ሬሳ ገና ከምዘይበጽሖምን ኣብሪሁ።
ካብ ዝተፈላለዩ ሰባትን ኣብቲ ሬሳኣ ዝተረኸበሉ ቦታ ካብ ዘካየዶን ምጽራይ ግን፡ “ምስ ገበን ዘተኣሳስር ዝበጻሕናዮ ነገር የለን” ብምባል እታ መንእሰይ “ጠሊቓ” ክትከውን ተኽእሎ ከምዘሎ ኣብሪሁ።
ፖሊስ ምስ ስድራቤት እታ መንእሰይን ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር፡ ምናልባት ምስ ገበን ምትእስሳር ይህልዎ’ዶ ኣይህልዎን ንምርግጋጽ ልዑል ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ’ውን ጠቒሱ።
ብተወሳኺ፡ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ምርመራ ሬሳ ምስ በጽሖምን ብድሕሪኡ ዝመጹ መረዳእታትን መሰረት ገይሩ፡ ብዛዕባ እታ መንእሰይ ዘጋጠማ ነገር “ክሳዕ መወዳእታ” ከምዘጻርዩ ቃል ኣትዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







