‘ከም ህዝቢ ንባዕልና ዳግም ክንርኢ ይግባእ’ - ሓድሽ ኣቦ መንበር ዓረና ትግራይ ዓምዶም ገ/ስላሴ

ኣቦ መንበር ውድብ ዓረና ትግራይ ኣቶ ዓምዶም ገ/ስላሴ

ምንጪ ስእሊ, Amdom Gebreselssie

ፖለቲካዊ ሰልፊ ዓረና ኣብ መወዳእታ ነሓሰ ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካየዶ 5ይ ስሩዕ ጉባኤ ናይ ኣመራርሓ ለውጢ ብምግባር፡ ኣቶ ዓምዶም ገብረስላሴ ዝርከቦም 11 ኣመራርሓ ፈጻሚ ስራሕ መዚዙ ጉባኤኡ ዛዚሙ።

ዓረና፡ ኣብ መጀመርታ 2000 ዓ.ም ገዲም ፖለቲከኛ ገብሩ ኣስራት ካብ ህወሓት ምስ ተፈልየ ዝመስረቶ ኰይኑ፡ ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ክንቀሳቐስ ጸኒሑ።

ኣብ ራብዓይ ጉባኤኡ፡ ብ2017 (ኣ. ኣ)፡ ነቲ ኣብ መሪሕነት ን ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ኣቦ መንበር ሸይምዎ ነይሩ።

ኣብርሃ ደስታ፡ ኣብ እዋን መሪሕነት ኢህወደግ ንኽልተ ዓመት ተኣሲሩ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብዚ እዋን ድማ ርክብ ህዝቢ እቲ ፓርቲ ኰይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ዓምዶም ገብረስላሴ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ሰሙናት ተገሊጹ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ ንሓፈሻዊ ኵነታት ዓረናን ኣብዚ ጉባኤ ዝገበሮም ምምሕያሻት፣ ፖለቲካዊ ተመኵሮ ብዝምልከት ምስ ሓድሽ ኣቦ መንበር እቲ ሰልፊ ቃለ መሕትት ኣካይዱ ኣሎ።

ቢቢሲ፤ዓረና፡ ንትግራይ ዘቐድም ፖለቲካዊ ኣንፈት የብሉን ክብሃል’ዩ ጸኒሑ’ሞ ሕጂ’ኸ መራሕቲ ጥራይ ድዩ ቐይሩ ወይስ ምምሕያሻት ፖሊሲ እውን ገይሩ ኣሎ?

ኣቶ ዓምዶም፤ ብዙሕ ለውጢ ኣሰራርሓ ኣጽዲቝ እዩ። ሓደ ነቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ጸገማት ዝምጥን ናይ ሕውየት ፖሊሲ ኣውጺኡ ኣሎ፤ ካልኣይ ኣብ ኢትዮጵያ ክንነብር፡ ኵሎም ኢትዮጵያውያን ጸገሞም ፈቲሖም ብሓባር ክንነብር እንተዄንና፡ በቲ ኢህወደግ ዘውጽኦ ሕገ መንግስቲ፡ ኣሰራርሓታት፡ ስልጣን መንግስትን ካልእን ኢትዮጵያ ክትነብር ኣይትኽእልን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ስለዚ ዓረና ሓድሽ ማሕበራውን ፖለቲካውን ውዕሊ ክንኣስር ኣለና ዝብል ሓሳብ እዩ ሒዙ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ብሪፈረንደም መሰሉ ከኽብር ከም ዝኽእል’ውን ይኣምን። ዓረና፡ ኣብ ኢትዮጵያ (ቅድሚ ኲናት ዝነበረ መርገጺኡ) ረብሓታት ትግራይ ሒዙ ምስ ንረብሓታት ካልኦት ብሄራት ሒዞም ዝመጽኡ ኣካላት ብሓባር ‘መድረኽ’ ዝበሃል ፓርቲ ኣጣይሹ’ዩ።

ኦፌኮ ናይ ኦሮሞ ዝበሎም፡ ሲኣን ናይ ሲዳማ፡ ዓረና’ውን ናይ ትግራይ ረብሓታት ዝበሎም፡ ካልኦትን’ውን ከምኡ ሒዞም’ዮም ናብ መድረኽ መጺኦም። ስለዚ ረብሓታትና እንከይተተንከፈ ብሓባር ከመይ ኢልና ክንነብር ንኽእል ዝብል ተዘራሪብና እናተቓለስና ጸኒሕና ኢና።

ልዕሊ ትግራይ ንኢትዮጵያ እየ ዘቐድም ኢሉ ግን ኣይፈልጥን። ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝነበርና ድማ ምስ ከማና ዝበሉ ተመሳሳሊ ድልየት ዘለዎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ዝብል ቅዋም እዩ ነይሩዎ።

ሓድሽ ማሕበራዊ ውዕል የድሊ፤ ፈደራላዊ ስርዓት ንክልላት ዝሓሸ ስልጣን ክህብ ኣለዎ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ ፈደሬሽንን ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ዘሎ ንእሽቶ ይዅን ዓቢ ብሄር፣ ንኣሽቱ ብሄራት ብዓበይቲ ከይዕብለላ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰል ክህልወን ሓድሽ ሰነድ የድልየና። ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እንተሃኒጽና ግን ሪፈረንደም’ውን ሓደ መማረጺ’ዩ ኢልና ኢና ንወስድ።

ቢቢሲ፤ስለዚ ምስረታ ሃገር ዝብል ዝንባለ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባትን ምሁራትን ትግራይ ብኸመይ ኢኻ ትርእዮ? እንታይ ትርጕም ይህበካ?

ኣቶ ዓምዶም፤ ከም ሕቶ ኣይንነጽጐን፤ ግን ትግራይ ቅድሚ ሃገር ምዃና ክልል ክትኸውን ኣለዋ ኢልና ኢና ንሓስብ። ሕዚ ምዕራብ ትግራይ፡ ኣብ ክልል ትግራይ የለን፤ ሸራሮ፡ እገላ፡ ኢሮብ፡ ራያ ኵሎም ኣብ ትሕቲ ወረርቲ’ዮም ዘለው። ህዝቢ ብጥምየት፡ ሕማም ይመውት ኣሎ። እዚ ናብ መረበቱ ምምላስ ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ፤ ዝዓነው መሰረተ ልምዓት ኵሎም ዳግም ምህናጽ የድልየና።

ውላዱ ብውሑጅ ዝተወስዶ ተፈናቓሊ ትግራዋይ፡ ብጥምየት ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ፡ ትግራይ ሃገር’ዶ ትኹን ክልል ዝብል ኣጀንዳኡ ኣይኰነን። ህይወት ከድሕን ክኽእል ኣለዎ።

እዚኦም ምስ ተፈጸሙ ህዝቢ ናብ ንቡር ህይወቱ ምስ ተመለሰ እዚ ዛዕባ ኣጀንዳ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ሕዚ ግን ናይ ‘ኤሊት’ ኣጀንዳ እምበር ናይ ህዝቢ ኣይኰነን። ብዛዕባ ሃገር ክንሓስብ እንከለና’ውን በይንና ክንሓስብ የብልናን።

ኦሮሚያ፡ ንብዙሕ ዓመት ሃገር ኦሮሚያ ዝብል ኦነግ ዝተባህለ ፓርቲ ኣለዎም፤ ኦነግ ሃገር ስለ ዝበለ ግን ኦሮሚያ ሃገር ኣይኰነትን - ‘ኤሊት’ በይኑ ዝገብሮ ኣይኰነን። እቲ ኲናት ብዙሕ ማሕበረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ከስዕበልና ዝኽኣለ ኣጀንዳታትና ቅደም ሰዓብ ከነትሕዝ ስለ ዘይክኣልና እዩ።

ቢቢሲ፤ናብ ፖለቲካ ዝኣተኻሉ ኣጋጣሚ እንታይ ይመስል?

ኣቶ ዓምዶም፤ ኣብ ዩኒቨርሲቲ እንከለና (ብ1996 ዓ.ም ግእዝ) ናይ ብሄር ጐንጺታት ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ይለዓሉ ነይሮም። ህወሓት/ኢህወደግ ድማ ድሕሪ መረጻ 1997 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝበጽሕ ዝነበረ ወጽዓታት ክከላኸል ኣይክእልን ነይሩ።

ሽዑ ተጋሩ ንብረቶም ይቃጸል፡ ይዝመት፡ ይቕተሉን ዝተፈላለየ መጥቃዕቲ ይበጽሖምን ነይሩ። ህወሓት ግን ንስልጣኑ ክብል ትግራዋይ ድምጹ ከይስማዕ ይገበር ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተጋሩ ፖለቲካዊ ሕቶታት ዝሓዘ ምትእኽኻባት ነይሩና።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዩኒቨርሲቲታት ሃረማያ፡ ኣምቦ፡ ኣዳማ ዝነበሩ ተጋሩ ተመሃሮ መጥቃዕቲ ክበጽሖም እንከሎ፡ ተቓውሞታት ነስምዕ ነይርና። ደሓር ዓረና ክምስረት እንከሎ ድማ፡ መብዛሕትኦም ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ’ዮም ፌርማ ኣተኣኻኺቦም፤ ኣብ ኣመራርሓ’ውን ነይሮም። በዓል ገብሩ ኣስራት’ውን ተድልዩና ኢኹም ምሳና ስርሑ ኢሎም።

ቢቢሲ፡ ስለዚ ካብ ዩኒቨርሲቲ ምስ ወጻእካ ምሉእ ብምሉእ ዲኻ ናብ ፖለቲካ ኣቲኻ?

ኣቶ ዓምዶም፤ ምስ ተመረቕኹ (ብ1999 ግእዝ) ኣብ ዓብዪ ዓዲ ክኢላ ርክብ ህዝቢ ምውዳብን ምስልጣንን ኰይነ ሰሪሐ፤ ኣብ ዓብዪ ዓዲ ኰይነ ንዓረና ፌርማ የተኣኻኽብ ነይረ። ኣብ ዝቕጽል ዓመት ድማ ናብ ሬድዮ ድምጺ ወያነ ኣትየ። ኣብዚ ስርሐይ ብጥንቃቐ እየ ዝሰርሕ ነይረ። ኣብ ግንቦት 2002 ግን ኣብ ነቝጣ መረጻ ተምቤን ተወዳዳሪ ባይቶ ክልል ኰይነ መጺአ። ካብ ድምጺ ወያነ ድማ ልቐቕ ተባሂለ ወጺአ።

ድሕሪ ሰነ ክሳብ 2005 ዓ.ም ቀዋሚ ስራሕ ኣይነበረንን፤ መረዳእታ ኣካቢ ኰይነ ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ዘይኰኑ ኣካላት ይሰርሕ ነይረ።

ኣብ 2005 ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ማእከላይ ኮሚቴ ተመሪጸ ርክብ ህዝቢ ኰይነ ብቐዋሚ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ክሰርሕ ጀሚረ። ናይ ሕጊ ክፍተት ከይንፈጥር ጥንቃቐ ገይርና ኢና ንሰርሕ ነይርና። ግን ክንንቀሳቐስ ስለ ዘይድለ ማእሰርቲ ጀሚሩ፤ ልዕሊ 30 ግዜ ተኣሲረ እየ።

ቢቢሲ፤ እቲ መረጻ መብዛሕትኡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝፈልጦም ግን ከኣ ኣብ 1993 ኣብ ውሽጢ ውድብ ህወሓት ብዝተፈጥረ ምክፍፋል ካብቲ ውድብ ዝወጽኡ ነባራት ተጋደልቲ ስየ ኣብርሃ፡ ገብሩ ኣስራት፡ ኣረጋሽ ኣዳነ፡ ኣቶ ኣስገደ ገብረስላሰን ካልኦትን ዝተሳተፍሉ እዩ ነይሩ። ሽዑ ኣብ ትግራይ ንተቓወምቲ ሰልፊታት ዝነበረ ኵነታት እንታይ ይመስል ነይሩ?

ኣቶ ዓምዶም፤ እቲ ናይ 2002 መረጻ ንትግራይ ፈላማይ እዩ ክንብል ንኽእል። ህወሓት እቶም ኣብ 1993 ዝወጽኡ ናይ “ኣንጃ ሓይሊ” ኢሉ’ዩ ፈሪጁዎም። ይዅን’ምበር፡ ኣብ ምስረታ ዓረና ኣርባዕተ ጥራይ እዮም ኣባላት ህወሓት ዝነበሩ። እቲ ዝተረፈ መንእሰይ፡ ምሁር፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ፡ ነጋዳይ እዩ ነይሩ።

ግን ሽም ናይ ምጥፋእ ምንቅስቓሳት ኣካይዶም፤ ካብ ኣቶ መለስ ጀሚሩ ድሕሪ መረጻ ክንኣስሮም ኢና፡ ክንርሽኖም ኢና ዝብሉ ዓበይቲ ፕሮፖጋንዳታት’ዮም ሓሊፎም፤ እቲ ሕብረተሰብ ሓድሽ ምንቅስቓስ ፓርቲ ምስ ርኣየ ዓረና ዓብዪ ድጋፍ ረኺቡ። ዳርጋ ኣብ ምሉእ ትግራይ ተንቀሳቒስና፡ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ድማ ብድምጺ ስዒርና ዝወጻእናሉ ኣጋጣሚታት ነይሩ።

ሰላማዊ ግን ኣይነበረን። ንኣብነት ኣብ ተምቤን ወርዒ ከባቢ (በዓል ኣቶ ስየ ብኡ ይንቀሳቐሱ ስለ ዝነበሩ) ልምምድ ከቢድ ብረት ዝጀመርሉ፣ ኲናት ክለዓል’ዩ ዝብል ሽበራ ዝነበረሉ’ዩ። ኣረጋዊ ገብረዮውሃንስ ዝተባህለ ናይ ነበለት ተወዳዳሪና ተቐቲሉ፡ ብዙሓት ኣባላትና ተኣሲሮም ተገሪፎም’ዮም።

ወለዲ፡ ኣሕዋትን ኣዕሩኽትን ተወዳደርቲ’ውን ድሕሪ መረጻ ክቕተሉ’ዮም ሓዘንኩም ወድኡ ክሳብ ዝብል ምፍርራሓት ይበጽሖም ነይሩ። ናይ መጀመርታ ስለ ዝነበረ ግን፡ ዓረና እቲ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ፖለቲካን መረጻን ኣፍልጦ ክህልዎ ግን ዓብዪ ተራ ነይርዎ ክብል ይኽእል።

ቢቢሲ፤ ፖለቲከኛታትን ምሁራትን ትግራይ፡ ህዝብና ፖለቲካዊ ማሕበረሰብ እዩ ብምባል ክትንእድዎ ብተደጋጋሚ ይስማዕ። ብኣንጻሩ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዋላ’ውን እቲ ገዛኢ ሰልፊ (ህወሓት) ዘምጽኦም’ዮም ዝበሃሉ ፖለቲካዊ ውድቀታት ተቐቢሉ እዩ ዝኸይድ። ፖለቲካዊ ማሕበረሰብ ስለ ምንታይ ብተደጋጋሚ ይወድቕ? ኣብ ውድቀቱ’ኸ ተራ ነይሩና እዩ ኢልኩም ንነብስኹም ትነቕፉ’ዶ?

ኣቶ ዓምዶም፤ እዚ ዝተጋነነ’ዩ ዝብል እምነት’ዩ ዘለኒ። እቲ ሕብረተሰብ ብጣዕሚ ኣብ ጸቢብ ፖለቲካዊ ምህዳር ዝርከብ፡ ተጸጊሙ ዝነብር፡ ንመሰሉ ንረብሓታቱ ከይቃለስ ተቘሪኑ ዝነብር ማሕበረሰብ ደኣ ምበር ከምቲ ዝበሃል ዓብዪ ፖለቲካዊ ባይታ ረኺቡ ድላዩ ዝመርጽ፡ ዝደለዮ ዘውርድን ዘደይብን ህዝቢ ኣይኰነን።

ንቝሕ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ዘለዎ ማሕበረሰብ ክሳብ “ጀኖሳይድ” ዝፍጸመሉ መፍትሒ ከይሓዘ ክጸንሕ ኣይክእልን። ብዙሓት መማረጺታት እናሃለው ብናይ ሓደ ፓርቲ ሚዲያታት፡ ካድረታት፡ ብሓደ ንሓሙሽተ ኣወዳድባታት ተኣሲሩ ረብሓታቱ ከኽብር ዘይከኣለ ማሕበረሰብ እዩ።

እዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ’ውን በዚ ውዳበታት እዚ ተኣሲሩ ካብ ናይ ህወሓት ኣተሓሳስባ ወጻኢ ዓለም ዝበጽሐቶ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት፡ ዲሞክራሲያዊ መሰላትን ግዴታን ብኣግባቡ እንትፍጽም ኣይተራእየን።

ንባዕልና ዳግም ክንርኢ ይግብአና ዝብል እምነት ኣለኒ፤ ምሁራት መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ ሓደ ፓርቲ ኰይኖም እቲ ጀኖሳይድ ክፍጸም፡ ኲናት ደው ከይብል፡ ካልኦት መማረጺታት ከይንርኢ ዓብዪ ግደ ተጻዊቶም’ዮም። ሚልዮናት ህዝቢ ክሳብ ዝስኣን ዝዀነ ዓይነት መፍትሒ ሓሳባት ከምጽእ ዘይኽእል ምሁርን ኤሊትን ሒዝካ ፖለቲካዊ ማሕበረሰብ ኣለና ክበሃል ኣይክእልን።

ቢቢሲ፤ ነዚ ኣብ ምፍታሕ ስለ ምንታይ ሰኒፍኩም?

ኣቶ ዓምዶም፡ ዓረና ካብ 2000 ዓ.ም ጀሚሩ ክንቀሳቐስ እንከሎ ማሕበረሰባዊ ንቕሓት ንምፍጣር ክሳብ 2006 ዓብዪ ምንቅስቓስ ኣካይድና ፖሊሲታትና፡ ፕሮግራማትና፡ ብዛዕባ ዲሞክራሲ፡ ሰብኣዊ መሰልን ካልኦትን ኣስተምህሮታት ሂብና ኢና።

ካብ 2006 ጀሚርና ብህዝባዊ ኮንፈረንሳትን ካልእ መገድን ብዝገበርናዮ መጽናዕቲ’ውን ፍርሒ፡ ኣምልዀ ህወሓት ከም ዘሎ ተረዲእና። እናተኣሰርና፡ እናተቐጥቀጥና ሕብረተሰብ መሰሉ ክሳብ ዝፈልጥ ክንመርሖ ኣለና ዝብል ሓያል ምንቅስቓስ ኣካይድና ለውጢ ኣምጺእና ኢና ኢልና ንሓስብ።

እተን ተፈጢረን ዘለዋ ሓደሽቲ ውድባት፡ ኣክቲቭስታት ሽዑ ብዝገበርናዮ ምንቅስቓስ ዝተፈጥሩ’ዮም። እዚአን ካብ ጽግዕተኝነት ህወሓት ናጻ ኰይነን ዘጋጥመን ጸገማት ክጻወራ ክኽእላ ኣለወን።

ቢቢሲ፤ ኣንፈት ቃልሲ ካብ ኣልዓልካ፡ ብሓፈሻ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ውድባት ትግራይ ካብ ምትሕርራቕ ዝወጽአ ኣንፈት ቃልሲ ኣይርኣዮን፤ ከም ዓረና ከኣ ቃልስኹም (ንርእስኻ ሓዊሱ) ኣብ ፌስቡክ ዝተሓጸረ’ዩ ዝብል ነቐፌታ ይቐርበልኩም እዩ። እቲ ክልወጥ ዝድለ ዘሎ ህዝቢ ድማ ሰፊሕን ዝያዳ ብራድዮን ተሌቪዥንን ተበጻሒ ዝኸውን’ዩ። እዚ ብኸመይ ትቕበሎ?

ኣቶ ዓምዶም፤ ዓረና ክሳብ 2006 ዓ.ም ኣብ ትግራይ ዘይበጽሖ ቦታ የለን። ኣብ ምዕራብ ሰለስተ ቤት ጽሕፈት ነይሩና፤ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ’ውን ውዳበታት ነይሮምና። ክሳብ ጣብያታት ኣብ ህድሞ ኣብያተ ጽሕፈት ከፊትና ኢና (ፋይናንሳዊ ጸገም ከጋጥመና እንከሎ ዝዓጸናዮም መሊስና ዝኸፈትናዮም ክህልው ይኽእሉ’ዮም)። ስለዚ ናይ ተበጻሕነት ጸገም የብልናን።

ጸገምና እቲ ኣባልና ብተደጋጋሚ ይውቃዕ፡ ይእሰር፡ ድኹዕን መስኖ ማይን ይኽልከል፡ መውስቦ ይተዓናቐፎ፡ መራሒ ሃይማኖት ይኽልከል፡ ዝተኸሎ ተኽሊ ለይቲ ይንቀሎ ነይሩ። እዚ ዅሉ ኣብ ገጠር ስለ ዝኣተና’ዩ ዘጋጥም ነይሩ። ግን በዚ ጥራይ ኣብቲ ህዝቢ በጺሕና ኢና ኢልና ንኣምን።

ኣብዚ ናይ ሕዚ ጉባኤ፡ ካብ ምዕራብ፡ ኢሮብን ካልኦት ኣብ ወረርቲ ሓይልታት ዝሓዙዎም ቦታታት ወጻኢ ኣባላትና ካብ ኵሉ ከባቢታት መጺኦም’ዮም። ማሕበራዊ ሚድያ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላትና ዝበጽሕ ወጽዓታት ንምግላጽ፡ ገለ ሕቶታት ንምቕራብ፡ ጻውዒታት ንምክያድ ንጥቀመሉ ኢና። ምትሕርራቕ ክኣ ከም ስልቲ ሓሓሊፉ የጋጥም’ዩ፤ እዚ ኣብ ፖለቲካ ልሙድ’ዩ፤ ናትና ጸገም ኢልና እንወስዶ ግን ሚድያ ዘይንረክብ ምዃንና እዩ።

ቢቢሲ፤ ኣብ ትግራይ፡ ድሕሪ ኲናት ኣብ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ምኽትል ቢሮ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኴንካ ስራሕ ጀሚርካ ነይርካ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ትግራይ ጾታዊ ዓመጽ ይፍጽሙ፡ ንብረት የዕንው ኣለው ዝብል ሓበሬታ ንጋዜጠኛታት ምስ ሃብካ ካብ ስራሕ ተሰጒግካ። ድሕሪኡ እንታይ ኣጋጢሙካ?

ኣቶ ዓምዶም፤ ከም ዓረና መረጻ ትግራይ ክካየድ የብሉን ኢልና ተቓዊምና ኢና። እዚ መረጻ ብዙሕ ሳዕቤን ሒዙ ክመጽእ እዩ፤ ናብ ኲናት ከእትወና እዩ ኢልና ብዙሕ ተኻቲዕና ኢና።

ኲናት ተኻይዱ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልቲ መሰረተ ልምዓት ትግራይ ብምሉእ ጠፊኡ ነይሩ፤ ሸቐጥ፡ ረድኤት ኣይነበረን። ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ናብ ባዶ ወሪዱ። ብልጽግና ጻውዒት ኣቕሪቡ። እንተኣቲና፡ እቲ ዝበጽሐ ግፍዒ ዘብጽሑ ኣካላት ከጋጥሙና እዮም፤ እንተገዲፍናዮ ድማ ህዝቢ ክረግፍ እዩ ዝብል ሓሲብና።

ድሕሪኡ እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ፈቘዶ ገጠራት፡ ኣዲስ ኣበባ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ መቐለ ዝነበርና እውን ስልኪ ስለ ዘይነበረ ክንራኸብ ስለ ዘይክኣልና ኣነን ኣብርሃን ብውልቅና ምስ ምሁራት ሕጊ፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ፖለቲከኛታትን ነጠፍትን ተማኺርና።

ክትኣትው ኣለኩም ዝብል ምኽሪ መጺኡ፤ ውሑዳት ፖለቲከኛታት ግን ከይትኣትው ነቲ መንግስቲ ኢኹም ኣፍልጦ ትህቡዎ ዘለኹም ኢሎሙና። እቲ ዝበዝሕ ግን ሰብ እንተዘይሃልዩስ ትግራይ እንታይ እያ ዝበሉ ክንኣቱ መኺሮምና።

ኣቲና፤ ናይ መጀመርታ ስራሕ ዝሰራሕናዮ ክንደይ ተመዛባሊ ኣሎ ዝብል እዩ፤ መንግስቲ ፈደራል 1.8 ሚሊዮን ኢሉ መጺኡ፤ ንሕና ምዕራብ ኣብ ምንታይ ከም ዘሎ ኣይንፈልጥን፡ ብዘይካ መቐለ ካልእ 5.3 ሚሊዮን ዝብል ጸብጻብ ሒዝና መጺእና። ብልጽግና ግን ክብኣሰና ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፤ 4.5 ሚልዮን ኢልና ኣዊጅና። እዚ ብኡ ልክዕ ረድኤት፡ መድሃኒት፡ መዕቈቢ ህጻናት ናውቲ ድጋፍ ክኣቱ ገይሩ።

ጸኒሑ፡ ጸላኢ ኣትዩ ድዩ ኣይኣተወን ዝብል ሕቶ መጺኡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኤርትራ ኣይኣተወትን ይብል ነይሩ፤ እቲ ሽዑ ዝበጽሕ ዝነበረ ግፍዒ ክንኪ እንተዀይኑ ግን እዞም ኣካላት እዚኦም ክወጽኡ ኣለዎም ኢልና፡ ኣትዮም እዮም፤ ክወጽኡ ኣለዎም ኢልና ኣዊጅና።

ሚድያታት ጸገም ምስ ኣቃልዑዎ፡ ሰባት ዝበጽሖም ክናገሩ ጀሚሮም። ሽዑ ዓረና’ውን እቲ በደላት ክጻረ፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ክምለስ ከም ዘለዎ፡ ኣብ ልዕሊ ተፈናቐልቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ዝነበረ ግፍዒ ደው ክብል፡ ማእሰርቲ ተጋሩ ደው ይበል ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ። እዚ ብሚድያታት ይሓልፍ ስለ ዝነበረ ኣብ ዓይኒ ኣእቲዩና። ናይ ፈደራል ናይ ሚዲያ ኮሚቴ ካብ ስልጣን ክለዓል ኣለዎ ኢሎም።

ቢቢሲ፤ ዓብዪ ዓዲ ኣብ መረጻ ሕጹይ ኴንካ ክልተ ግዜ ዝተወዳደርካሉን ዝሰራሕካሉን ከባቢ እዩ። ኲናት ደው ምስበለ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኬድካ እንተነይርካ ዓብዪ ዓዲ ከመይ ኣላ?

ኣቶ ዓምዶም፤ ዓብዪ ዓዲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረትሉ ኵነታት’ውን እኮ ብዙሕ ዘብህግ ኣይነበረን። ቍጠባዊ ኵነታቱ ጽቡቕ ኣይነበረን፤ ማሕበራዊ ናብራኡ’ውን ዝተጐሳቘለ ህዝቢ’ዩ። ዓበይቲ መሰረተ ልምዓት ዝተሰርሐሉ ህዝቢ ኣይኰነን። በዚ ህወሓት ጠሊሙና እዩ ዝበል ዓብዪ ቅርታ ነይርዎ።

ብ1996 ዓ.ም መብራህቲ፡ ስልኪ፡ ባንኪ፡ መገዲ ይሰርሐልና ኢሉ ንመጀመርታ ግዜ ዓብዪ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ ነይሩ። ክሳብ 1999 እዞም መሰረተ ልምዓት ብዘይምስርሖም ዓብዪ ቅርታ ዝነበሮ ሕብረተሰብ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ፡ እቲ ከባቢ መዋፈሪ ህወሓት ኰይኑ እቲ ኲናት ብተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ ዝተኻየደሉ እዩ። ሕውየት ከየካየደ’ዩ ካልኣይ ኲናት ኣጋጢሙዎ።

እቲ ናይ ሎሚ ኲናት ቴክኖሎጂ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለሉ ከቢድ ኲናት’ዩ ነይሩ። ብዙሕ ግፍዒ ተፈጺሙ፤ ብዙሕ ሰብ ህይወት ስኢኑ። እቲ ከባቢ ኵሉ ተጐዲኡ እዩ፤ እቲ መገዲ ዝተቓጸላ መካይን፡ ታንክንታት፡ ዝተበላሸወ ኣጽዋር ዝርኣዮ እቲ ኲናት ክንደየናይ ጉድኣት ከም ዘብጽሐ ባዕሉ ይዛረብ። ኣብኡ ዘሎ ተፈናቓሊ እኹል ረድኤት ኣይረክብን። እቲ ሕብረተሰብ እውን ቍጠባኡ ተጐሳቚሉ ድባብ እቲ ኲናት ብቓልዕ ዝርኣዮ ኰይኑ ኢኺ ትረኽብዮ።

ቢቢሲ፤ ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘለኩም ተሳትፎ እንታይ’ዩ? ሕጒሳት ዲኹም?

ኣቶ ዓምዶም፤ ድሕሪ እዚ ዅሉ ዕንወት ናይ ዓረና ሓሳብ ስዒሩ ኢልና ኢና ንሓስብ፤ ህወሓት ይዅን ብልጽግና ብጽጋብ ድዩ ብድንቁርና ዘእተውና ኲናት ብሰላም መገዲ ክዛዘም እናነገርናዮም ጸኒሕና ኣብ መወዳእታ እቲ ኲናት ብሰላም ደው ምባሉ ሕጕሳት ኢና። ውዕሊ ፕሪቶሪያ’ውን ምስ ዝተወሰኑ ስግኣታትና ተቐቢልናዮ ኢና።

ሓቛፊ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ትግራይ ክምስረት ኣለዎ ዝብል ግን ነይሩና፤ ይዅን’ምበር ህወሓት በይኑ ወይ ንዕኡ ቀረባ ዝዀኑ ሰባት እዮም መስሪቶምዎ። ስለዚ ኣይተቐብልናዮን። ኣብ ትግራይ ዘለው ጸገማት ክፈትሕ ኣይኽእልን ዝብል እምነት ስለ ዝነበርና ገሊጽናሎም ኢና።

ዝመጽአ ረድኤት እኳ ብኣግባቡ ከከፋፍል ኣይክኣለን። ክንዲ እቲ ናይ መጀመርታ ግዝያዊ ምምሕዳር እኳ ክሰርሕ ኣይከኣለን። ስለዚ ኣይተቐበልናዮን፤ ኣይደገፍናዮን። ግን ኰሪና ክንርሕቕ ኣይደለናን፤ ሓሳባት ነቕርበሎም ኣለና ኢና።

ቢቢሲ፤ ድሕሪ ሕጂ ዓረና ንምንታይ እዩ ዝዳሎ ዘሎ?

ኣቶ ዓምዶም፤ ቦርድ መረጻ ሕጋውነት ንዘለና ኰነ ገና ኣብ ምዝገባ ንዘለዋ ፓርቲታት ጸዊዖም መረጻ ከነካይድ ይክኣል’ዶ? ኢሎም ሓቲቶምና። ይክኣል እዩ፤ ግን ኣቐዲሙ ዝተመዛበሉ ሰባት ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣለዎም፣ ሰላምን ድሕንትን ክረጋገጽ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ክቐርብ ኣለዎ ኢልናዮም። እዚኦም ንክንፈትሖም ድማ ዓረና ናይ እግሪ ምትካል ዘዳለዎ ፕሮጀክት ብፖለሲ ደረጃ ሒዙ ይንቀሳቐስ ኣሎ።

ዓረና፡ ሕዚ ጽቡቕ ተመኵሮ፡ ፍልጠትን ልምድን ዘለዎም ሰባት’ዩ ናብ ኣመራርሓ ኣምጺኡ ዘሎ። እቲ ሓድሽ ፖሊሲ ናብ ኵሉ ዜጋ ክበጽሕ፡ መማረጺታትና ከነፍልጥ ዘኽእለና ዕድል ከነዳሉ ኢና። ዲሞክራሲያዊ ምህዳር እናሰፍሐ እንተኸይዱ፡ ሓሳብና ናብ ኵሉ ክበጽሕ እንተኽኢሉ ድማ ቀጻሊ መንግስቲ ክንኸውን እዩ ተስፋ ገይርና ዘለና።

ኣብ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ብሄርተኝነት ክተኣታቶ ኣለዎ። ዝሰኸነ፡ ምስ ጐረባብቲ ሰላም ክፈጥር ዝኽእል፡ ድኽመታቱ ተቐቢሉ ክእረም ዝኽእል ብሄርተኛ ክህልወና ኣለዎ። ዓረና ነዚኦም ኣዐርዩ ምስ ጎረባብቲ ሰላም ክፈጥር፡ ብዙሓት መሓዙት ዘፍሪ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕርታት ዝገብር ምድላዋት ኢና ገይርና ዘለና።