መቐለ: ዓይነ መርፍኡ ዘይተረኸበ ቅትለት ዘውዱ ሃፍቱ

ምንጪ ስእሊ, social media
ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ብኮቪድን ውግእን ተቛሪጹ ዝጸንሐ ህዝባዊ በዓል ኣሸንዳ፡ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ፕሪቶርያ፡ ሎምዘበን ነሓሰ ብድሙቕ ኣገባብ ተጸንቢሉ።
ብሰንኪ ውግእ ከቢድ ጸገም ዘሕለፋ ጎራዙ ትግራይ ነቲ ሕማቕ እዋን ንድሕሪት ደርብየን፡ ብሕሰም ናብራ ከይተምበርከኻ ንበዓለ ኣሸንዳ ከም መግለጺ ጽንዓትን ክብረትን በብትሕዞአን ተሰላሊመን እቲ ያታን ልምድን ዝሓቶ ነገር ኣማሊአን፡ ከም ልሙድ ቅርዓት ከተማታትን ዓድታትን ብግርመአን ኣድሚቐንኦ ቀንየን።
እንተኾነ ዘይከም ቅድሚ ሎሚ፡ ንመንፈስ ፍቕርን ሕውነትን እቲ በዓል ዝዘርግ ቅትለት ንጹሃት ምግጣሙ ንብዙሕ ህዝቢ ኣሰንቢዱን ኣቖጢዑን ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ፡ ዓዲ ሓውሲ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ: ምሸት ከባቢ ሓደን ፈረቓን (ሰዓት ሸውዓተን ፈረቓን ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ) ቅትለት ሓንቲ ጓል ሄዋን ተኸሲቱ::
ምሸት ታርጋ ዘይብላ መኪና ዝሓዙ ሰባት ብቦርስኣ ንዝተወሰነ ርሕቀት ጎቲቶም ድሕሪ ምውሳድ ኣውዲቖም ረጊጾም ቀቲሎማ ተሰዊሮም ዝብሉ ሓበሬታታት ክወጽኡ ጀሚሮም።
እታ ምስኣ ዝነበረት ዝነገረላ መሓዝኣ ሽዑ ሕልናኣ ስሒታ ወዲቓ ኣብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ከምዝኣተወት ሓበሬታ ወጺኡ።
እቲ ቕትለት ግን ብመን እዩ ተፈጺሙ? ስለምንታይ’ከ ንህዝቢ ዛጊድ ብንፁር ኣይተጋህደን? እቲ ቅትለት ብዘስካሕክሕ መገዲ ከምዝተፈፀመ ግን ግልፂ ኮይኑ ኣሎ::
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ንስድራ መዋቲት፡ ንመሰኻኽር ዓይኒን ንቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለን ሓቲቱ ዝረኸቦ ሓበሬታ እነሆ።
ዘውዱ ሃፍቱ መን እያ?

ምንጪ ስእሊ, social media
ብርትኳን ሃፍቱ ንእሽተይ ሓፍታ ንዘውዱ እያ:: ዘውዱ ኣብ ከባቢ መቐለ ማይ ኣንበሳ ኣብ ዝበሃል ተወሊዳ ኣብ መቐለ ዓብያ:: እንዳ ኣቦይ ሃፍቱ ካብ ዝወለዱዎም ሰለስተ ቆልዑ ዘውዱ ትሕቲ ቦኽሪ ኮይና ማእኸለይቲ ጓሎም እያ::
ወላዲኣ ስራሕ ዋርድያ ተቖፂሮም ኣዲኣ ድማ ስዋ ጸሚቘን እናሸጣ እዮም ደቆም ኣዕብዮም:: ዘውዱ ኣብ ሸባ ዩኒቨርሲቲ ኮለጅ ብኣተሓሕዛ ሕሳብ ቀዳማይ ዲግሪ ተቐቢላ እያ::
ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ተቖፂራ ብምስራሕ ርእሳን ወለዳን ትናቢ ነይራ:: ዘውዱ መብዛሕትኡ ዕቁብ ኣብ ምእካብ ተዋፊራ ከምትሰርሕ ይግለጽ::
ድሕር ኲናት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ተመሳሳሊ ስራሕ ብምስራሕ ትናበር ነይራ:: ሰላም ምስኮነ ናብ ትግራይ ተመሊሳ ምስ ስድራኣ ተራኺባ ሎሚ እውን ኣብ ምእካብ ዕቁብ ወፊራ ርእሳን ስድራኣን ትሕግዝ ነይራ::
ብርቱካን፡ ንምዕባይ ሓፍታ ንዘውዱ ክትገልፃ እንከላ "ዘዉዱ ማለት ንኣሓተይን ንወለደይን ጥራሕ እምበይ ንባዕለይ ኢላ እኳስ ህይወታ ኣይመረሐትን::
ኣነ ንእሽተይ ሓፍታ እየ። ናይ ባዕለይ ህይወት ይመርሕ ኣለኹ:: ሓዳር ገይረ ወሊደ እየ:: ንሳ ግን ኣብ ኣሓተይ ለውጢ ከይረኣኹ ንወለደይ ከየፀጋዕኹ ሓዳር ኣይገብርን ኢላ ሓዳር ኣይገበረትን:: ኣይወለደትን::" ብምባል ዘውዱ ሓብሓቢት ስድራኣ ምንባራ ትዛረብ::
ዘውዱ ቀዳም ነሓሰ 13 ኣቐዲማ ንኣሸንዳ ተቖኒና: ልሙድ ስርሓ ዕቁብ ኣኪባ: ምስ መሓዛኣ ኣብ ናይ መሓዛአን በዓለ ልደት ከሕልፋ ካብ ገዛኣ ክዳና ቀይራ ከምዝወፀት ብርቱኳን ትገልፅ::
"እቲ ልደት መሓዛአን፡ ኣብ ከባቢ እንዳሚካኤል ቤተክርስትያን እዩ ነይሩ ንምንታይ ናብ ዓዲ ሓውሲ ከምዝኸዳ ግን ኣይተረደአንን" ትብል ብርቱኳን::
ሓደጋ ዘውዱ ሃፍቱ
ዘውዱ ሃፍቱ ሓደጋ በፂሑዋ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ከምዘላ ተደዊሉ ከምዝተነግራን ቃላ ከምዘይረኸበትን እውን ብርቱኳን ብሓዘን ትገልፅ::
ዘውዱ ሓፍታ ብምንታይ ምኽንያት ህይወታ ከምዝሰኣነት ስድራኣ ዓይነ መርፍኡ/ ምስጢር ኣማውታ ጓሎም ክረኽብዎ ኣይከኣሉን::
ዘውዱ ምስ ሰብ ፅቡቕ ናይ ምቅርራብ ባህሪ ዘለዋን ከም ኣገላልፃ ብርቱካን ፀላኢ የብላን::
"ሰባት ብሰላም ወጺእኪ ብሰላም እተዊ ኢሎም ዝምነዩላ እምበር ሕማቕ ዝሓስበላ የለን:: ፀላኢ ዘይብላስ ንመን ኢለ እየ እሞ ክጥርጥር" ብምባል ኣቀታትላ ሓፍታ ሕንቅሕንቅሊተይ ከምዝኾና ትዛረብ::
ፖሊስ እንታይ ይብል?

ፖሊስ ከተማ መቐለ እቲ ቅትለት ካብ ዝተፈፀመሉ ደቓይቕ ኣትሒዙ ቀተልቲ ዘውዱ ንምርካብ ፃዕሪ የካይድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ፖሊስ፡ ዋላ እኳ እቲ ምፅራይ ኣብ ከይዲ እንተሃለወ: እቲ መንቀሊ ሞት: ሓደጋ መኪና እንተይኮነስ መበገሲኡ ብዘየገድስ ደይ መደይ ኢልካ ዝተፈፀመ ቅትለት ከምዝኾነ ይኣምን።
እቲ ሓደጋ ምስ ተፈፀመ ኣብቲ ቦታ ብቕፅበት ዝተረኸበት ፖሊስ ትራፊክ ኣብ ፅርግያ ዝወደቐ ኣስከሬን ብኣምቡላንስ ናብ ሆስፒታል ዓይደር ከምዝውሰድ ገይራ።
መዋቲት ኣብ ገንበራ ከምዝተወቐዐት ብምግላፅ ብመኪና ዝተፈፀመ ግጭት እንተይኮነስ ኮነ ኢልካ ኣብ ዝተገብረ ምግትጋት ተደርብያ ህይወታ ከምዝሓለፈ የመላኽት::
ኣዛዚ እቲ ቤት ፅሕፈት ኮማንደር ወልዳይ መውጫ ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት: ንቲ ቅትለት ዘፃሪ ካብ ዞባን ክፍላተ ከተማ ዝርከቡ ዝሐሸ ዓቕሚ ዘለዎም ክኢላታት ዘካተተ ፍሉይ ጉጅለ ተጣይሹ ፅዑቕ ወፍሪ ምርመራን ምፅራይን ይካየድ ከምዘሎ ተዛሪቡ።
ብመሰረት መግለፂ ኮማንደር ወላይ እቲ ምርመራ መዓልቦ ስለዘይረኸበን ብዝርዝር ንምዝራብ ድማ ንኸይዲ ምፅራይ ስለዝፃባእ ፖሊስ በፂሑዎ ዘሎ ደረጃ ምፅራይ ካብ ምዝራብ ተቖጢቦም ኣለዉ::
"ምፅራይ ወዲእና ገበነኛ ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ንህዝብና ንገልፀሉ ዕድል ከምዝህሉ ተስፋ እገብር" ኢሎም::
ህዝቢ ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝረብ ወፃኢ ምስ ፖሊስ ይተሓጋገዝ ከምዘሎ ዝገልፁ እቶም ኣዛዚ ፖሊስ ተሳትፎ ህዝቢ ካብቲ ዘለዎ ንላዕሊ ክኸውን ይግበኦ ኢሎም ከምዝኣምኑ ተዛርሪቦም።
እቲ ቅትለት ተፈፂምዎ ዝበሃል ዘሎ ከባቢ ዓዲ ሓውሲ መስመር ፅርግያ ካብ ደስታ ሆቴል ክሳብ ሊባኖስ ሆቴል ዘሎ ኮይኑ ብልሙድ ብዝሕ ዝበለ ህዝቢ ዝወሳወሰሉ መስመር እዩ።
ካልኦት’ከ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ እንታይ ይብሉ?

ኣይተ ኮኾብ ኣስፍሃ ኣብቲ ገበን ዝተፈፀመሉ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ይነብር:: ከም ኣጋጣሚ ድማ ኣብቲ ሰዓት እቲ ፅርግያ ክሳገር እንትስድር ፒክኣፕ ዝዓይነታ መኪና ብናይ ርሑቕ መብራህቲ ንሂራ ከምዝሓለፈት ርእዩ::
ኣብታ እዋን እቲኣ ድማ ሰባት ናብ ዘእውዩሉ ዝነበሩ ቦታ ተፀምቢሩ ነቲ ሬሳ ብዓይኑ ረኣየ::
"እቲ ሓደጋ ኣስታት ሰዓት ክልተ ርብዒ ጎደል/ ሰዓት ሸሞንተ ርብዒ ጎደል ብፈረንጂ እዩ ተፈፂሙ:: ስርቂ ኣጓኒፉ ደኣ በልና እምበር ከምዚ ዝበለ ዘስካሕክሕ ገበን ዝተፈፀመ ኣይመሰለናን:: እቲ መኪና ኣመና ክህንፈፅ ምስረኣኹ ንዓይ እውን ኣስጊኡኒ ነይሩ:: ናብቲ ህዝቢ ብኣውያት ሃንደበት ዝተኣከቡ ቀሪበ ሬሳ ወዲቑ ድማ ረኣኹ" ብምባል ምስክርነቱ ሂቡ::
ሬሳ ብምልዓልን ምስ መዋቲት ዝነበራ ሰባት ብምሓዝን ብኣምቡላንስ ናብ ፖሊስን ሆስፒታልን ክኸዱ ከምዝተገብረ እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ::
"ስርቂ ድዩ ወላስ ካልእ ዕላማ ዘለዎ ንፁር ኣይኮነን ግን መጥቃዕቲ ከምዝኾነ ግን ምግማት ኣየፀግምን:: ኣብ ጎኒ መዋቲት ዝነበረት መሓዛኣ ግን ግልፂ ክትገብሮ እያ ኢልና ንፅበ" ኢሉ ኣይተ ኮኾብ::
ብድሕሪኡ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ሕብረተሰብ ምስ ፖሊስ ብምዃን ኣሰር ደም ዝረገፀት መኪና ስዒቡ ናብ ኣለሻ ወፊሩ ምሉእ ለይቲ ኣብ ፃዕሪ ከምዝሓደሩ ኣይተ ኮኾብ ገሊፁልና እዩ::
ሰብ ዘዝመሰሎ ግምት ይዛረብ ኣሎ:: ክሳብ ሕዚ ዝተረኸበ ጭቡጥ መዓልቦ ግን የለን:: ኣብ ደገን ውሽጢን ዘሎ ህዝቢ ቁርፅ ዝበለ መደምደምታ ክሰምዕ ተሃንጥዩ ይፅበ ኣሎ::
ስድራ ዘውዱ ሃፍቱ ፍትሒ የቋምቱ ኣለዉ:: ሓፍቲ መዋቲት ብርቱኳን "ሓፍተይ ካብ መንእሰይ ትግራይ በሊፃ ኣይኮነትን: ኣሕዋትና ኣብ በረኻ ተሪፎም እዮም ግን ኣብ ማእኸል ዓዲኻ እሞ ድማ ብወዲ ዓዲኻ ክኸውን እንከሎ ብጣዕሚ ይኸብድ:: ኣብ ካልኦት ኣሕዋትና ከይድገም ፍትሒ ክርከብ ኣለዎ:: ሕጊ ከምዘሎ ክረጋገፅ ኣለዎ" ብምባል ንህዝብን መንግስትን ተማሕፂና::
ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተጋደደ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገም ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ኣደባባይ መቐለ ብፍፁም ኣረመንያዊ ግፍዒ ዝተቐተለት ንእስቲ ዘውዱ ሃፍቱ ከኣ መርኣያ ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ስርዓት ኣልቦነት እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







