መቐለ፡ ኣብ እንዳ መስተ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም

ቤት መስተ
መግለጺ ስእሊ, መጥቃዕቲ ቦምባ ዝተፈጸመሉ ቤት መስተ ዳዕሮ

ኣብታ ብምኽንያት በዓል ኣሸንዳ ኣሽሓት ኣጋይሽ እተተኣናግድ ዘላ ከተማ መቐለ ኣብ ቤት መስተ ብውልቀ ሰብ ዝተደርበየ ነታጕ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝቐተለን 20 ሰባት ከምዘቑሰለን ተገሊጹ።

እቲ ሓደጋ ትማሊ ለይቲ ሰዓት 8፡45 ኣብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ፡ ቀበሌ 15 ኣብ ዝርከብ ቤት መስተ ዳዕሮ ከምዝተፈፀመ ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ሰባት ተዛሪቦም።

እቲ ውልቀሰብ ኣብቲ እንዳ መስተ ምስ እትሰርሕ መሳሰይት ዝፈጠሮ ጎንፂ ስዒቡ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ኣዛዚ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለ ኮማንደር ወልዳይ መውጫ ንቢቢሲ ገሊፆም::

ሆስፒታል ዓይደር ብወገኑ 20 ዝቖሰሉ ሰባት ከምዝተቐበለን ካብኣቶም እቶም ሓሙሽተ ብፅኑዕ ከምዝተሃሰዩ፡ ዝተረፉ ግና ቅልል ዝበለ መጉዳእቲ ከምዝበፀሖም ኣተሓባባሪ ክፍሊ ሃንደበታዊ ሕክምና ዓይደር ኣበበ ሃብቱ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

እቲ ውልቀሰብ ዝተሰናበተ ተጋዳላይ ከምዝኾነን F1 ዝበሃል ናይ ኢድ ቦንባ ኣብ ማእከል እቲ ቤት መስተ ከምዘፈንጀረን እቶም ኣዛዚ ፖሊስ ገሊፆም።

ነቲ ሓደጋ ዘውረደ ውልቀሰብ ዛጊድ ኣብ ቁፅፅር ፖሊስ ከምዘይወዓለን ክትትል ይግበር ምህላውን ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለ ገሊፁ ኣሎ።

ኣብቲ እንዳ መስተ በዓል ዘኽብሩ ዝነበሩን ሓደጋ ወሪድዎም ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ሕክምና ዘለዉ ግዳያት ብዛዕባ እቲ ዝወረደ ሓደጋ ዝፈልጥዎ ነገር ከምዘየለ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ሓደ ካብቶም ግዳያት መንእሰይ ዳዊት ንጉስ "መበገሲ እቲ ሓደጋ ኣይፈለጥክዎን፤ እቲ ውልቀሰብ ምስ ሕብረተሰብ ድዩ ዋላስ ምስቶም ሰብ ዋና እንዳ ቤት መስተ ምስ መን ፀገም ከምዘለዎ ግልፂ ኣይኮነለይን" ይብል።

ዳዊት ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሕብረተሰብ ብቕልጡፍ ናብ ዓይደር ከምዝወሰድዎን ኣብቲ ሆስፒታል ሕክምናዊ ረድኤት ከምዝረኸበን እውን ይገልፅ።

መንእሰይ ኣብርሃም ተገኝ ኣብ ኢዱን እግሩን ውሱን መጉዳእቲ ከምዝበፀሖ ብምግላፅ ኣብቲ ቦታ በዓል ስለዝኾነ ምስ መሓዙቱ ይዘናጋዕ ምንባሩ ይሕብር።

"ቧዕ እንትብል እየ ርእየ ካብዚ ወፃኢ እንታይ ከምዘጋጠመ ኣይፈለጥኩን" ኢሉ::

በቲ ሓደጋ ኣብ ክሳዳን ኣፍ ልባን መጉዳቲ ዝበጸሓ ሜሮን ሙሴ ድማ "ንኣሸንዳ ምኽንያት ብምግባር ክንፃወት ኢና ወፂእና። [ናብቲ ቤት መስተ] ምስኣተና ሽዑን ሽዑ ከቢድ ድምፂ ሰሚዐ። ብድሕሪኡ ቀልበይ ስለዝሓትኩ እንታይ ከምዘጋጠም ኣይዝክርን" ኢላ።

ሓካይም ሆስፒታል
መግለጺ ስእሊ, ሆስፒታል ዓይደር ጉድኣት ዝበጸሖም 20 ሰባት ከምዝተቐበለ ገሊጹ

ብሰንኪ ኮሮናቫይረስን ኲናትን ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ በዓል ኣሸንዳ ብድምቀት ዝተኸበረላ ከተማ መቐለ፡ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ኣጋይሽ እተተኣናግድ ዘላ ኮይና፡ ጎደናታት እታ ከተማ ብበዝሒ ሰብን ተሽከርከርትን ተጨናኒቑ ቀንዩ።

እቲ ጽምብል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ከተማ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ስታድዮም ባሎኒ ሰብመዝን ኣጋይሽን ዝተሳተፉሉ መደባት ተሳሊጡ።

ኣብ ፍተሻን ምእላይ ተሽከርከርቲን ብርክት ዝበሉ ፖሊስን ኣኽበርቲ ጸጥታን እውን ተዋፊሮም ቀንዮም።