ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ'ታ ተዓሚጻ ዝተቐተለት ጓል 7 ዓመት ህጻን ቍጥዐ ኣለዓዒሉ፣ ኣደ ኸ እንታይ ትብል?

ሄቨን ዓወት ምስ ኣዲኣ ኣበቅየለሽ ኣደባ

ምንጪ ስእሊ, Courtesy of the family

መግለጺ ስእሊ, ሄቨን ዓወት ምስ ኣደኣ ኣበቅየለሽ ኣደባ

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ዓመጽን ቅትለትን ጓል 7 ዓመት ህጻን ኣብታ ሃገር ቍጥዐ ኣለዓዒሉ ይርከብ።

እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ገበን ዝፈጸመ ሰብ ዝተዋህበ ፍርዲ ኣዝዩ ልኡም ብምዃኑ ብዙሓት ብዝተፈላለየ መገዲ ስምዒታቶም የገልጹ ስለዘለዉ እዩ።

ሄቨን ዓወት ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ከተማ ባህርዳር ኣደኣ ኣብ ዝተኻረየቶ ገዛ ጌትነት ባየ ብዝተበሃለ ወናኒ ተዓሚጻን ኣካላታ ተቘራሪጹን እያ ተረኺባ።

ገበነኛ ኰይኑ ዝተረኸበ ጌትነት ን25 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ጠንቂ እቲ ቍጥዐ እቲ ገበነኛ ኣብ ቀረባ እዋን ይግባይ ድሕሪ ምጅማሩ ዝተለዓለ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ክሳዕ ጥቅምቲ ተናዊሑ ኣሎ።

ኣደ እታ ጓል ኣበቅየለሽ ኣደባ፡ ውላዳ ብምስኣና "ህይወት ኣልቦነት" ከምዝተሰምዓ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ክሳዕ ሕጂ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት እቲ ፍርዲ "ክብደት ናይቲ ገበን ንምንጽብራቕ" ክግምገምን ነታ ሓዘንተኛ ኣደ ደገፍ ክህባን ዝጠልብ ጥርዓን ኢንተርነት ፈሪሞም ኣለዉ።

ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዋ ዓበይቲ ተጣበቕቲ መሰላት ደቂ-ኣንስትዮ ሓንቲ ዝዀነት ማሕበር ጠበቓታት ደቂ-ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ እቲ ዝተወሃበ ፍርዲ "ኣዝዩ ቀሊል" ምዃኑ ከምትኣምን ሓቢራ።

"ብቅትለት ንበይኑ ንዕድመ ምሉእ ማእሰርቲ ወይ ሞት ክፈርዶ ነይርዎ... ከምዚ ዓይነት ዘስካሕክሕ ገበን ኣብ ልዕሊ ህጻናት ክፍጸም ከሎ ብፍላይ ዘሕምምን ዘሕፍርን እዩ" ኢላ።

ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ እውን ኣብቲ ጥርዓን ኢንተርነት ይጽንበሩ ኣለዉ።

ሚኒስተር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን ኤርጎጊ ተስፋይ፡ ኣብ ልዕሊ ሄቨን ዝተፈጸመ ገበናት "ኢሰብኣዊ" ምዃኑ ኣብ ፌስቡክ ጽሒፋ። ቤት ጽሕፈታ እውን ነቲ ጉዳይ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ክምርምሮ ምዃኑ ገሊጻ።

እቲ ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ድሕነት ተቓላዕቲ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ኣዋልድን ውዑይ ዘተ ኣበጊሱ ይርከብ።

ኣብ ግንቦት ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ምስ ግጭት ዝተኣሳሰር ጾታዊ ዓመጽ "ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ በጺሑ" ከምዘሎ የመልክት።

ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ተሓታትነት ዘይምህላው ከም ሓደ ረቛሒ እቲ ዝርገሐ ኰይኑ ይረአ።

ኣብቲ ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመት ዝጸንሐ ኣዕናዊ ኲናት ብኣሽሓት ዝቝጸራ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ኣዋልድን ከምዝተዓመጻ ይግለጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሄቨን፡ ቅድሚ ምዕማጻን ምቕታላን ወለዳ ብሰንኪ እቲ ኲናት ክፈላለዩ ርእያ’ያ።

ኣቦኣ ተወላዲ ትግራይ ብምዃኑ፡ እቲ ኲናት ኣብ ዝተጋደደሉ እዋን ንኣዋርሕ ተኣሲሩ ነይሩ። እንተዀነ ዝዀነ ይዅን ገበን ፈጺሙ ኣይተኸሰሰን።

ምስ ተፋትሑ ድማ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊኡ ጽልእን ጥርጣረን ከምዘሎ ስለዝኣመነ ናብ ትግራይ ክግዕዝ ተገዲዱ።

ኣደ ሄቨን ዝዀነት ኣበቅየለሽ ከም ነርስ እናሰርሐት ጓላን ንንእሽቶ ሓፍታን ንበይነን ክተዕቢ ግድን ኰይኑዋ።

ኣበቅየለሽ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ምስቲ ምስ ስድራኡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ቀጽሪ ዝነብር ዝነበረ አከራዪኣ ምሕዝነታዊ ርክብ ስለዝነበራ፡ ኣብ ልዕሊ ደቃ ዝዀነ ሓደጋ ክበጽሕ’ዩ ዝብል ስግኣት ተሰሚዕዋ ከም ዘይፈልጥ ገሊጻ።

ምስ በዓልቲ ቤት ኣካራዪ ዝምድና ስለዝነበራ እውን ዝያዳ ውሕስነት ይስምዓ ከምዝነበረ ትገልጽ።

ሄቨን ኣብ ዝተዓመጸትሉ እዋን፡ ኣበቅየለሽ ናብ ስራሕ ክትከይድ ስለዝነበራ፡ ንእሽቶ ሓፍታ ንጓላ ትሕብሕብ ከምዝነበረት ትገልጽ።

ሓፍታ ከምዝነገረታ፡ ሄቨን ሽቓቕ ከይዳ ኣይተመልሰተን። ስለምንታይ ክንድዚ ዝኣክል ግዜ ከምዝጸንሐት ዝግረማ ሓፍታ፡ ንሄቨን ክትርእያ ከይዳ’ኳ እንተነበረት ክትረኽባ ኣይከኣለትን። ጌትነት ጨውዩ ከምዝወሰዳ እያ ትኣምን።

ድሒሩ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ንጹር ምልክት ማሕነቕቲ ዘለዎ ዝተቖራረጸ ሬሳ ሄቨን ኣብ ቅድሚ ገዛኣ ተረኺቡ።

ኣደኣ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ነቲ ሬሳ ኣብኡ ከምዝደርበዮ ዘለዋ እምነት ጠቒሳ።

"ደቅና ኣብ ገዛውትና ውሑስነት ክረኽቡ እንተዘይክኢሎም ናበይ ክንከይድ ንኽእል?" ኢላ። "ስራሕ ኣቋሪጽና ኵሉ ግዜና ምስኦም ከነሕልፎ እንተዄንና ብምንታይ ክነዕብዮም?"

ኣብ ዝቐጸሉ ኣዋርሕ፡ ኣበቅየለሽ በታ ዝተቐትለት ጓላ እናሓዘነት ተወሳኺ መከራታት ኣጋጢምዋ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ጌትነት ካብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ሃደመ፡ ንድሕነት ነብሳን ካልእ ጓላን ፈሪሓ ክትሕባእ ግድን ኰይኑዋ።

ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ፡ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝዋግኡ ዝነበሩ ምልሻታት ኣምሓራ፡ እሱራት ብጾቶም ከፍትሑ ናብ መደበር ፖሊስ ባህርዳር ሰቢሮም ምስ ኣተዉ፡ ጌትነት ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣምሊጡ።

ብድሕሪኡ ጌትነት ንኣበቅየለሽ ክደሊ ሽጉጥ ሒዙ መጺኡ። ንኣስታት ሓደ ወርሒ ኣይተኣስረን።

ኣበቅየለሽ፡ ሓይልታት ጸጥታ ክኣስርዎ ፍቓደኛታት ከምዘይኰኑ ከምዝተሰምዓን፡ ዳግማይ ክኣስርዎ ድማ ክትልምኖም ከምዝተገደደትን ትዛረብ። ኣብዚ ኵሉ ግዜ ግን ጌትነት የፈራርሓ ነይሩ።

ኣበቅየለሽ ውሕስነት ከይስምዓ ገይሩ፤ ከም ውጽኢቱ ድማ ካብኡ ንደሓር ኣብ ዝነበረ ዓመት ብተደጋጋሚ ገዛውትን ስራሕን ክትቅይር ነይርዋ።

ኣበቅየለሽ ስርዓት ፍትሒ ከምዝፈሸላ ትኣምን። ንጌትነት ናይ 25 ዓመት ማእሰርቲ እኹል ከምዘይኰነ ትዛረብ።

ዝያዳ ዘሻቕላ ግን ኣብ ይግባይ ተዓዊቱ ብኣጋኡ ከይፍታሕ እዩ።

"ሄቨን ስኢነያ... ህይወት የብለይን" ትብል ንቢቢሲ።

ይዅን እምበር ሰራሕተኛ ጥዕና ከም ምዃና መጠን፡ ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሐን ማእለያ ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮን ንኣሽቱ ኣዋልድን ከምእትፈልጥ ትዛረብ።

"ብዙሓት ሄቨናት ከምዘለዋ እፈልጥ እየ።"