ዝኽሪ 50 ዓመት፡ እታ ንወዲ ውልቀ መላኺ ኢዲ ኣሚን ዘሕረሰት ነርስ

ኢድ ኣሚን ኣብ ዩጋንዳ ካብ 1971 ስካብ 1979 መሪሑ

እታ ንወዲ ዩጋንዳዊ ውልቀመላኺ ኢዲ ኣሚን ክውለድ እንከሎ ዘሕረሰት፡ ከምኣ ዝኣመሰሉ ኣሽሓት ሰባት ካብታ ሃገር ካብ ዝባረሩ 50 ዓመታት ተቘጺሩ ኣሎ።

ያስሚን ላላኒ ካብቶም ኣብ 1972 በቲ ውልቀመላኺ ካብ ዝተባረሩ 80 ሽሕ ዩጋንዳውያን ኤስያውያን ሓንቲ እያ ነይራ።

ሕጂ ኣብ ላንክሻየር ትነብር ያስሚን፡ ንኣሚን ነቲ ባዶ ዝነበረ ስምዒት ዘይብሉ ገጹ ዘኪራ፡ "ኣዝዩ ዝሑል" ነይሩ ትብል።

በዓልቲ ቤቱ ግን "ኣዝያ ጥዕይቲ" ኰይና፡ ወ/ሮ ላላኒ "ብሓባር ዝሰሓቐናሉ ገለ እዋን" ከም ዝነበሩ ገሊጻ።

ኣስዒባ፡ "ኵሉ ሰብ ኣሽንባይ’ዶ ብኣካል ገና ስሙ ክጽዋዕ ከሎ እዩ ዝፈርሖ ነይሩ" ትብል።

"ኣብ ገጹ ዝዀነ ስምዒት ኣይነበሮን፡ ፈጺሙ ዋላ ሓንቲ ኣይነበሮን። ዝሑል እዩ ነይሩ፡ ኣዝዩ ዝሑል'ዩ ነይሩ።"

ያስሚን ለላኒ ኣብ ካምፓላ መሕረሲት ኮይና ትሰርሕ ነይራ

ሕጂ ኣብ ቍሸት ዊልፕሻየር ትነብር ሚስ ላላኒ ወሲኻ፡ "ንሱ ዩኒፎርም ተኸዲኑ ነይሩ ኣነ እውን ኣብ ዩኒፎርመይ ገይረ ነይረ፣ ናተይ ዩኒፎርም ድማ ኣብቲ እዋን ካብቲ ናቱ ዝዓበየ ኰይኑ ተሰሚዑኒ ምኽንያቱ ኣብ መስርሕ ህይወት ምድሓን ስለ ዝነበርኩ" ትብል።

ራብዓይቲ በዓልቲ ቤት ኣሚን ኣብ ርእሰ ከተማ ዩጋንዳ ካምፓላ ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ሆስፒታል ወዲ ወሊዳ ክትከናኸና እንከላ፡ ሚስ ላላኒ ጓል 21 ዓመት እያ ነይራ።

"ኣዝያ ምህርቲ ነይራ። ሰብኣውነት ስለዝነበራ ብሓባር ንስሕቕ። ኣዝያ ጥዕይቲ ነይራ" ክትብል ንበዓልቲ ቤት ኣሚን ትገልጻ።

ኣሚን ኣብ 1971 ብደማዊ ዕልዋ ናብ ስልጣን ደይቡ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ ሸሞንተ ዓመታት፡ ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ሞይቶም እዮም።

እቲ ውልቀመላኺ ንዩጋንዳውያን ኤስያውያን ካብታ ሃገር ንኽወጹ 90 መዓልታት ሂብዎም ነይሩ።

ሚስ ላላኒ፡ እቲ ትእዛዝ "ክሃድእ እዩ ኢልና ስለ ዝሓሰብና ኣብቲ እዋን ብዙሕ ኣየተረበሽናን" ክትብል ነቲ እዋን ትዝክር።

ግን ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ ስግኣት እናዓበየ ከይዱ። ስለዚ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተዓቚቦም ዝነበሩ 28 ሽሕ ዩጋንዳውያን ኤስያውያን ኰይና።

ኣብ 1972 ካብዝተባረሩ ዩጋንዳውያን ኤስያውያን እቶም 28,000 ኣብ ብሪጣንያ ዕቑባ ረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, PA Media

"ኵሉ ሰብ ፈሪሑ። እቲ ጸገም ድሕሪኡ እንታይ ከም ዘስዕብ ኣይንፈልጥን ኢና ነይርና" ትብል።

ንሳ፡ እቲ ውልቀመላኺ "ኣዝዩ ተቘጻጻሪ" ከምዝነበረ ትገልጾ።

"ኣብ መጀመርታ፡ ፈለማ ሓጺር ቀምሽ ኣጊዱ፡ ድሕሪኡ ዊግ ኣጊዱ፤ ንበዓልቲ ቤቱ ንምንታይ ከምኡ ይገብር ኣሎ ኢለ ሓቲተያ" ትብል።

"ኣምላኽ ከምኡ ክገብር ኣብ ሕልሚ ከምዝነገሮን ትእዛዛት ኣምላኽ ይኽተል ከም ዘሎን ነጊራትኒ።"

ሚስ ላላኒ፡ ዛንታታት ጭካነን ቅትለትን ክዝርጋሕ ምስ ጀመረ፡ ኣብ ጎደናታት ዝነበረ ሃዋህው "ዘፍርሕ" ምዃኑ ትዝክር።

ሓንቲ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ኤስያዊት ጓል ምስ ስድራኣ ናብ ዕዳጋ ኣብ ዝኸደትሉ እዋን ተታሒዛ ከምዝተቐትለት ትዝክር።

"ወተሃደር ወይ'ውን ወተሃደራዊ መኪና ከይተረፈ እንተርኢና፡ ስለንፈርሕ ሃዲምና ንሕባእ ነይርና" ትብል።

ሚስ ላላኒ፡ ሓንቲ ካብተን ናይ ቀረባ መሓዙታ ከም ዝተዓመጸትን ደሓር ድማ ህይወታ ከም ዘጥፍአትን ትዝክር።

"ንሳ ኣነ ዝፈልጣ ጥራይ እያ። ካልኦት ከምኡ ከም ዘጋጠመን ክንደይ ከምዝዀና ኣምላኽ እዩ ዝፈልጥ" ትብል።

"ድሕሪ ሓምሳ ዓመት፡ ነዚ ነገራት ክሰምዕ ከለኹ ሕጂ'ውን ይበኪ'የ። ሕጂ’ውን ኣብ ቅድመይ ይረኣየኒ። እቲ ስምዒት ክግለጽ ዝኽእል ኣይኰነን።"