ሰራዊት ዩጋንዳ ሓይልታት ህወሓት የሰልጥን ኣሎ ንዝብል ጸብጻብ ነጺጉ

ወተሃደራት ዩጋንዳ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሰራዊት ዩጋንዳ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይምርግጋእ ንምፍጣር ዕጡቓት ተቓወምቲ የሰልጥን ኣሎ ዝብሉ ጸብጻባት ሓቅነት የብሎምን ክትብል ዩጋንዳ ነጺጋ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ገለ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ዩጋንዳ ብህወሓት ንዝምርሑ ሓይልታት ትግራይ የሰልጥን ከምዘሎ ዝገልጽ ጸብጻባት ኣውጺኦም ነይሮም።

ኣፈኛ ሰራዊት ዩጋንዳ፡ ብርጋዴር ጀነራል ፈሊክስ ኩላዩጊየ ትማሊ ሰንበት ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ጸብጻብ "ፍጹም ዝተሰንዐ እዩ" ክብል ነጺግዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ ኣብ ኒውዚላንድ ዝመደበሩ መርበብ ሓበሬታ፡ ዝርዝር ናይቶም ኣብቲ ኣብ ማሳካ ዝተባህለ ከባቢ ዝወሃብ ስልጠና ዝተሳተፉ ዝተባህሉ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ሰራዊትን ካልኦት ትካላት ጸጥታ ዩጋንዳን ኣውጺኡ ነይሩ።

ብመሰረት እቲ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ልዕሊ 4,000 ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ክስልጥኑ መደብ ከምዝነበረ ይጠቅስ።

እቲ ስልጠና ብግብጺን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝድገፍ ምዃኑ'ውን ኣስፊሩ ነይሩ።

ሓደ ካብቶም ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሶም ዘለዉ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ዩጋንዳ፡ ወዱ ንፕረዚደንት ዮወሪ ሙሰቨኒን ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ሰራዊት ዩጋንዳን ሌ/ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ እዩ።

ኣብ 2021፡ ጀነራል ካይነሩጋባ፡ ነቶም "ኣሕዋት" ክብል ዝገለጾም ሓይልታት ትግራይ ዘለዎ ደገፍ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ በቲ መርበብ ሓበሬታ ዝወጸአ ሰነድ፡ ቅኑዕ ወይ ስኑዕ ምዃኑ ዛጊት ብንጹር ኣይተረጋገጸን። እቲ 'ስኩፕ' ዝተባህለ ኣብ ኒውዚላንድ ዝርከብ መርበብ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ተኣማንነት ምንጪ ናይቲ ሰነድ ይኹን ሓቅነት ናይቲ ሓበሬታ መረጋገጺ ኣየቕረበን።

ኣብ ትሕዝትኡ ግን፡ ዘይቃዶ ሓበሬታ ኣስፊሩ'ሎ። ንኣብነት ጄምስ ካባረበ ዝተባህለ ሰብ ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ተባሂሉ ተጠቒሱሎ፡ እንተኾነ ግን ኣብታ ሃገር በቲ ስም ዝጽዋዕ ሚኒስተር ምክልኻል ነይሩ ኣይፈልጥን።

ብ/ጀነራል ፈሊክስ ከምዝብሎ፡ ነቲ ስርሒት ንምፍጻም ዩጋንዳ ምስ ደቡብ ሱዳን ትተሓባበር ከምዘላ ዝገልጽ ሓበሬታ'ውን ሓሶት'ዩ፡ ምኽንያቱ ናይቲ ምትሕብባር ኣወሃሃዲ ምዃኑ ዝተጠቕሰ ኣምባሳደር ዩጋንዳ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ምስቲ ኣብቲ ጸብጻብ ዝሰፈረ ደቡብ ሱዳናዊ ጀነራል ተራኺቡ ኣይፈልጥን'ዩ።

ብወገን ኢትዮጵያ ይኹን መራሕቲ ትግራይ ብዛዕባ'ቲ ጸብጻብ ዛጊት ዝተዋህበ ግብረመልሲ የለን።

ዩጋንዳ፡ ኣብ ግጭታት ምብራቕን ቀርኒን ኣፍሪቃ ኢድ ናይ ምእታው ታሪኽ ዝጸንሓ ሃገር'ያ። ኣብዚ እዋን'ዚ ሰራዊታ ኣንጻር'ቶም ኣብ መሬታ ዝተፈጥሩ ተቓወምቲ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ትቃለስ ምህላዋ ይፍለጥ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ሶማልያ፡ ንመጥቃዕትታት እስላማዊ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ንምግታእ ዝኣተወ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምድጋፍ ወተሃደራታ ዝለኣኸት ቀዳመይቲ ሃገር'ያ።

ኣብ ዱቡብ ሱዳን፡ ኣብ 2013 ኣብ መንጎ ሓይልታት ብፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ዝምራሕ መንግስትን ቀንዲ ተቓናቓኒኡን ምክትሉን ሪክ ማቻርን ግጭት ምስተወልዐ'ውን፡ ዩጋንዳ ሰራዊታ ብምስዳድ ኣብ ጎኒ ማእከላይ መንግስቲ ከምዝተሰለፈት ይዝከር።

ድሕሪ 2000 ኣብ ዝነበራ ቀዳሞት ዓመታት፡ ናብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝኣተወ ሰራዊታ ኣንጻር ሓይልታት ርዋንዳ ተዋጊኦም ነይሮም'ዮም። ኣብቲ እዋን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ጎኒ መንግስትን ተቓወምትን ብምስላፍ ኣንጻር ሓድሕደን ተራጺመን ምንባረን ይዝከር።

ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ብዛዕባ'ቲ ኲናት ይኹን ሳዕቤናቱ ዝተፈላለየ ስኑዕ ሓበሬታታት ክወጽእ ጸኒሑ።

እቲ ኣስታት ክልተ ዓመት ወሲዱ ዘሎን፡ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ዝነበረ ኲናት፡ ሰፊሕ ምፍንቓልን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ምስዓቡ ይፍለጥ።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ኣብቲ ኲናት ከምዝሞቱ ይግለጽ።

ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ተስፋ ዝህብ ምዕባለታት ኣርእዩ'ሎ።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ደመቀ መኮንን ዝምራሕ ጉጅለ ተመዚዙ'ሎ። መራሕቲ ትግራይ'ውን ኣብ ዘተ ሰላም ዝሳተፍ ላዕለዋይ ልኡኽ ክምዝዙ ድሉዋት ምዃኖም ኣቐዲሞም ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።