ሻን "ዲዲ" ኮምብስ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንሳልሳይ ግዜ ብጾታዊ ዓመጽ ተኸሲሱ

ሻን "ዲዲ" ኮምብስ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ኮኸብ ራፕን ብዓል ሃፍትን ሻን "ዲዲ" ኮምብስ ብሳልሰይቲ ጓል ኣንስተይቲ ብጾታዊ መጥቃዕቲ ተኸሲሱ።

እቲ ሓድሽ ክሲ፡ ንሱ ምስ ደራፋይን ፀሓፊ-ደርፊን ኣሮን ሃል ብምዃን ኣብ 1990 ወይ 1991 በብተራ ነታ ሰበይትን መሓዝኣን ከም ዝዓመፅወን ይገልፅ።

ወኪል ዲዲ፡ "እዚ ቅድሚ ልዕሊ 30 ዓመታት ዝነበረ ተግባር ብሓሶት ዝመልአን ዝተፈብረኸን ክስታት'ዩ" ኢሉ።

"እዚ ብዘይካ ገንዘብ ንምርካብ ዝግበር ፃዕሪ ካልእ ኣይኰነን። ንሱ፡ ስሞም ዘይተገልፁ... ንገንዘባዊ ረብሓ ዝሕስዉ ከሰስቲ ቀሊል ዒላማ'ዩ" ይብል እቲ ወኪል።

ቢቢሲ ምስ ወከልቲ ኣሮን ሃል እውን ርክብ ገይሩ እዩ።

እዞም ኣብ ቀረባ እዋን ዝቐረቡ ዘለዉ ክስታት፡ እቲ ግዳያት ጾታዊ ገበናት ኢና ዝብሉ ሰባት ድሕሪ ግዜ ገደብ ክኸሱ ዘፍቅድ ሕጊ ‘ኣዳልት ሰርቫይቨርስ ኒውዮርክ’ ብ24 ሕዳር ኣብ ዝዛዘመሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

እቲ ሕጊ፡ በሰላ ኣብቶም ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝዀኑ ሰባት ዝሓድሮም ፅልዋን ሰባት ዘጋጠሞም ነገር ብእዋኑ ካብ ምዝራብ ከደናጉዮም ከም ዝኽእልን ኣብ ግምት ብምእታው ዝወጸ’ዩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ጄሚ ፎክስን ኣክስል ሮዝን ዝርከብዎም ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ብጾታዊ መጥቃዕቲ ክስታት የጋጥሞም ኣሎ። ጄሚ ፎክስን ኣክስል ሮዝን ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረበ ክሲ ነፂጎሞ’ዮም።

ኣብቲ ዳሕረዋይ ክሲ፡ እታ ጄን ዶይ ተባሂላ እትፅዋዕ ሰበይቲ፡ ንሳን መሓዝኣን ኣብ ኒውዮርክ ብሓደ ትካል ቀረፃ ኣብ ዝተዳለወ መደብ ከም ዝተሳተፉን ኣብኡ ድማ ምስ ዲዲ ኮምብስን ኣሮን ሃልን ከምዝተራኸባ ይገልፅ።

እታ ሰበይቲ፡ እቶም ክልተ ሰባት ምሉእ ለይቲ መስተ ከም ዘስተይወን፡ ድሒሮም ድማ ናብቲ ናይ ኣሮን ሃል ኣፓርታማ ክኸዳ ከም ዝዓደሙምወንን፡ ኣብኡ ድማ እታ ሰበይቲ "ምስ ኮምብስ ቮታዊ ርክብ ክትፍፅም” ከም ዝተገደደትን ትገልፅ።

ኮምብስ ድሕሪ ገለ መዓልታት ናብ ገዛ ጄን ዶይ ከም ዝኸደን ናይ ዓመፅ ባህሪ ከም ዘርኣየን’ውን እቲ ክሲ ይገልፀዕ። "[ዓርኪ ጄን ዶይ] ነታ ኣብቲ እዋን ምስኣ ዝነበረት ጓል ንሱን ሆልን እንታይ ከም ዝገበሩዋ ክይትዛረብ ስክፍታ ነይርዎ" ይብል።

እቲ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኒውዮርክ ካውንቲ ዝቐረበ ክሲ፡ ጄን ዶይ "ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ንናይ ቀረባ ኣዕሩኽታን ስድራቤታን ሓቢራ" ይብል።

"ካብቲ ኣብ ልዕሊኣ ዘብፅሖ በሰላ ንምፍዋስ" ሕክምናዊ ሓገዝ ከም ዝረኸበት’ውን ይጠቅስ።

ኮምብስ ኣብዚ ወርሒ ንሳልሳይ ግዜ’ዩ ናይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ክሲ ዝቐርበሉ ዘሎ።

ብሓሙስ፡ ኣብ 1991 ኣብ ልዕሊ ጆይ ዲከርሰን-ኒል ፆታዊ ዓመፅ ፈፂሙ ዝብል ካልኣይ ክሲ ቀሪቡሉ’ዩ።

ኣብቲ እዋን እቲ ራፐር፡ ሓሽሽ ክትወስድ ከም ዝገበራን "ደው ክትብል ወይ ክትከይድ ኣብ ዘይትኽእለሉ ኣካላዊ ኵነታት ከም ዝነበረትን" ትዛረብ።

ድሒሩ ንዲከርሰን-ኒል ብመኪና ናብቲ ዝሓደረሉ ቦታ ከም ዝወሰዳ፡ ኣብኡ ድማ ከም ዝዓመፃ እቲ ክሲ ይሕብር።

ወሃቢ ቃል ኮምብስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ እቲ ክስታት "ተኣማንነት ዘይብሉ"ን "ገንዘብ መርከቢ መይላ” ምዃኑን ገሊጹ።

ዲከርሰን-ኒል ብዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ፡ ነቲ ክሲ ምቕራባ "ዓቢ እፎይታ" ከም ዘምዝፈጠረላ ተዛሪባ።

"እቲ ፀልማት ዝተላዕለ ኰይኑ ይስምዓኒ ኣሎ፡ ምሉእ ዓቕመይ ድማ ንምዕዋት ብናፅነት ንቕድሚት ክስጉም ይኽእል እየ" ኢላ።

ኮምብስ ዝሓለፈ ሰሙን ብመፃምድቱ ነበር ካሳንድራ ቨንቸራ ዝተባህለት ብካሲ እትፍለጥ ድምፃዊት ኣርኤንድቢ ዝቐረበ ናይ መጀመርታ ፆታዊ መጥቃዕቲ ክሲ ብዕርቂ ተወዲኡ’ዩ።

ቨንቸራ ነቲ ኮኾብ ብዓመፅን ፆታዊ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን እያ ከሲሳቶ።

ንሳ ጓል 19 ዓመት ንሱ ድማ ወዲ 37 ዓመት እንከለዉ ጀሚሩ ንልዕሊ 10 ዓመታት ከም ዝዓመፃን ከም ዝሃረማን ትኸስስ።

ክልቲኦም እቲ ክሲ ምስ ቀረበ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኣብ ስምምዕ በጺሖም።

ኮምብስ ንክሲ ቨንቸራ ነፂጉዎ ነይሩ፤ ጠበቓኡ ድማ እቲ ውሳነ ስምምዕ፡ በደል ከም ዝተፈፀመ ምእማኑ ዝገልፅ ከም ዘይኰነ ሓቢሩ።