ሽልማት ግራሚ 2024፡ ቴይለር ስዊፍት ክብረወሰን ሕፀ ጨቢጣ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ብዓርቢ ዕላዊ ኣብ ዝተገበረ ዝርዝር ሕፁያት ሽልማት ግራሚ፡ ኣብ ምድብ ብልጽቲ ደርፊ ናይዚ ዓመት ዝተሓጸየት ቴይለር ስዊፍት ክብረወሰን ግራሚስ ሰይራ’ላ።
ሽልማት ግራሚ ኣብ ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ንዝተመዝገቡ "ብሉፅ" ዓወታት ኣፍልጦ ዝህብ ሽልማት እዩ።
እዚ ዓመታዊ ዝካየድ ሽልማት፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ዝለዓለ ክብሪን ትርጉምን ከም ዘለዎ ይቑፀር።
እታ ንተዓወቲ እትወሃብ ዋንጫ ብወርቂ ዝተለበጠት ግራሞፎን ስለ ዝዀነት፡ ፈለማ ሽልማት ግራሞፎን ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ።
ናይ ሎሚ ዓመት ስነ-ስርዓት ዕለት 4 ለካቲት ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዝካየድ ኰይኑ ኣኣንገድቲ እቲ ስነ-ስርዓት ገና ኣይተገልፁን።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት፡ ብድምር ኣብ 94 ምድባት ዝተሓፅዩ ስነጥበባውያንን ኣልበማትን ኣፍልጦ ክወሃቦም’ዩ።
ቴይለር ስዊፍት፡ ‘ኣንቲ-ሂሮ’ እትብል ፍልጥቲ ደርፋ ኣብ ሓፂር ዝርዝር ህጹያት ብምእታዋ፡ ኣብቲ ምድብ ን7 ሽልማት ዝተሓጸየት ፈላመይቲ ደራሲት ደርፊ ክትከውን ኣኽኢልዋ።
እቲ ክብረወሰን ብሰር ፖል ማካርትኒን ሊዮነል ሪቺን ተታሒዙ ዝፀንሐ ኰይኑ፡ ንነፍሲ ወከፎም ንሽዱሽተ ሽልማት እዮም ተሓፅዮም ነይሮም።
ብተወሳኺ ኣብ ምድብ ኣልበምን ቀረጻን ናይዚ ዓመት ምስ ኦሊቭያ ሮድሪጎ፡ ማይሊ ሳይረስን ኤስዚኤን ተሓጽያ እያ።
ላና ደል ረይን ዱዋ ሊፓን እውን ንብልጽቲ ደርፊ ናይዚ ዓመት ተሓጽየን ኣለዋ። እቲ ዝርዝር ሕጹያት ንቢሊ ኣይሊሽ፡ ጆን ባቲስትን ኤስዚኤን ዘጠቓልል’ዩ።
ቴይለር ስዊፍት፡ ‘ሚድናይትስ’ ብእትብል ኣልበማ ንሻድሻይ ሽልማት ተሓጽያ እያ፤ እዚ ድማ ኣብ ቁጽሪ ንዝበዝሐ ሽልማት ዝተሓጸያ ደቂ ኣንስትዮ ስነጥበባዊት፡ ምስ ባርብራ ስትራይሳንድ ማዕረ ይገብራ።
እንተድኣ ተዓዊታ ድማ 4 ግዜ ናይዚ ዓመት ኣልበም ዝተሸለመት ፈላመይቲ ስነጥበባዊት ክትከውን እያ።
ሎሚ ዓመት ዝተኣታተዉ ሓደስቲ ሕግታት፡ ኣብ ሓጺር ዝርዝር ሽልማት ንምእታው ቁሩብ ክኸብድ ገይሩ’ዩ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምድብ 10 ሕጹያት ኣብ ሓጺር ዝርዝር ይኣትዉ ነይሮም፤ ሕጂ ግን ኣዳለውቲ ቁጽሪ እቲ ዝርዝር ናብ 8 ኣውሪዶምዎ ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ካብቶም ንብሉጽ ሓድሽ ስነጥበባዊ ዝተሓጸዩ ሓደ፡ ብሪጣንያዊ ኣፍራዪ ኤሌክትሮኒክ ሳዕስዒት ፍረድ ኣገን እዩ።
ዝርዝር ሕጹያት ናይዚ ምድብ ግሬሲ ኣብራምስ፣ ኣይስ ስፓይስ፣ ጀሊ ሮል፣ ኮኮ ጆን፣ ኖህ ካሃን፣ ቪክቶርያ ሞኔትን ዋር ኤንድ ትሪቲን የጠቓልል።
ኣመሪካዊ ራፐርን ደራፊን ጀሊ ሮል ካብ 2005 ጀሚሩ ኣብቲ ሞያ ዝጸንሐ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ግን ‘ኒድ ኤ ፌቨር’ እትብል ተፈታዊት ንጽል ደርፊ ኣውጺኡ’ዩ።
ወዲ 38 ዓመት ጀሊ ሮል፡ እንተድኣ ተዓዊቱ ብሉጽ ሓድሽ ስነጥበባዊ ተባሂሉ ዝተሰየመ ዝዓበየ ሰብ ክኸውን'ዩ - ኣብ 33 ዓመት ዕድሚኣ ነዚ ሽልማት ዝተዓወተት ሸሪል ክሮው ነቲ ክብረወሰን ሒዛ ትርከብ።
ሳይረስ፡ ሮድሪጎ፡ ስዊፍት፡ ኤስዚኤ፡ ባቲስት፡ ቦይጀኒየስ፡ ኣይሊሽን ሞኔትን ኣብ ቀረጻ ናይዚ ዓመት ተሓጽዮም ኣለዉ።
ደርፊ ናይዚ ዓመት ካብ ቀረፃ ዝተፈለየ እዩ፤ ደርፊ ናይዚ ዓመት ንጸሓፍቲ ደርፊን ኣብ ድርሰት ንዝተመዝገበ ዓወትን ኣፍልጦ ዝህብ ክኸውን ከሎ ቀረጻ ናይ ዓመት ድማ ምፍራይ፣ ምህንድስናን ኣቀራርባን ኣብ ግምት ብምእታው ንቴክኒካዊ መስርሕ ምቕራጽ ዝወሃብ ሽልማት’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ኤስዚኤ ብዝብል ናይ መድረኽ ስማ እትፍለጥ ሶላና ኢማኒ ሮው፡ ኣብዚ ዓመት ንዝበዝሐ ሽልማት ዝተሓጸየት’ያ - ድምር ን9 ሽልማት ተሓጽያ ኣብ ቅድሚት ትመርሕ።
ብሉጽ ገስጋሲ ኣልበም ኣርኤንድቢን ብሉጽ ምርኢት ኣርኤንድቢን ኣብ ዝብሉ ምድባት ኣፍልጦ ረኺባ’ያ።
ምስ ፊቢ ብሪጀርስ ኣብ ‘ጎስት ኢን ዘ ሜሽን’ ዘርኣየቶ ምትሕብባር ንብሉጽ ፖፕ ዱዎ (ብክልተ ስነጥበባውያን)/ብጉጅለ ዝቐርብ ምርኢት ክትሕጸ ኣኽኢልዋ ኣሎ።
ቦይጂንየስ ብዝብል ዝጽዋዕ ናይ ብሪጀርስ ብሉጽቲ ጉጅለ፡ ኣብ ሽዱሽተ ምድባት ተሓጽያ። ኣባላታ ጁልያን ቤከር፡ ሉሲ ዳከስን ብሪጀርስን እዮም።
ደራፊትን ተዋሳኢትን ዝዀነት ሞኔት፡ ‘ኦን ማይ ማማ’ ብትብል ኣልበማ ንሓዳሽ ስነጥበባዊን ቀረጻ፡ ብ’ሆሊዉድ’ ንብሉጽ ምርኢት ኣርኤንድቢ ከምኡ’ውን ብ’ጃጓር 2’ ንብሉጽ ኣልበም ኣርኤንድቢ ተሓጽያ ኣላ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ብ’ፍላወርስ’ ኣብ ምድባት ደርፍን ቀረጻን ከምኡ’ውን ብ’ኢንድለስ ሳመር ቫኬሽን’ ኣብ ምድብ ኣልበም ዝተሓጸየት ሳይረስ፡ ንፈለማ እዋን እያ ኣብ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ምድባት ትቐርብ ዘላ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2015 ንብሉጽ ኣልበም ፖፕ ጥራይ ተሓጽያ ነይራ።
ላና ደል ረይ ቅድሚ ሕጂ ሽልማት ግራሚ ተዓዊታ ኣይትፈልጥን። ሎሚ ዓመት ግን ኣብ ሓሙሽተ ምድባት ተሓጽያ’ላ።
ሮድሪጎን ኣይሊሽን ንብሉጽ ኣልበም፡ ደርፍን ቀረጻን ናይዚ ዓመት ዝተሓጸያ’የን።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
‘ባርቢ ዎርልድ’ ብኒኪ ሚናጅን ኣይስ ስፓይስን፡ ከምኡ'ውን ‘ኣይ ኣም ጀስት ኬን’ ብራያን ጎስሊንግ፡ ንቪዥዋል ሚድያ ዝተደተሳ ብሉጻት ደርፊታት ተባሂለን ተሓጽየን ኣለዋ።
ኮኾብ ሙዚቃ ካንትሪ ሞርጋን ዋለን፡ ‘ላስት ናይት’ እትብል ንጽል ደርፉ ን16 ሰሙናት ኣብ ቻርት ኣመሪካ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ’ያ፤ ድሕሪ 42 ዓመታት ቁጽሪ ሓደ ክትስራዕ ዝኸኣለት ናይ መጀመርታ ናይ ወዲ ተባዕታይ ደርፊ ካንትሪ’ያ።
እንተዀነ ግን፡ ሞርጋን ካብ ምድብ ብልጽቲ ደርፊ ወጻኢ፡ ኣብቶም ዓበይቲ ምድባት ኣይተሓጸየን።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ዶጃ ካት እውን ኣብቶም ዓበይቲ ምድባት ኣይኣተወትን - ኣብ ዝበለጸ ዜማዊ ምርኢት ራፕን ብልጽቲ ደርፊ ራፕን ግን ኣፍልጦ ረኺባ ኣላ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ቢዮንሴ ኣብ ታሪኽ ግራሚ ዝያዳ ዝተሰለመት ስነጥበባዊት ኰይና እያ።
ንሳ፡ ኣብ መበል 65 ስነ-ስርዓት ግራሚ ኣርባዕተ ሽልማት ድሕሪ ምዕዋታ - ግራሚ ኣዋርድ ብድምሩ 32 ግዜ ብምዕዋት ክብረ ወሰን ምጭባጣ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







