ቢዮንሰ ኣብ ግራሚ ኣዋርድ 32 ግዜ ብምዕዋት ክብረ ወሰን ጨቢጣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውርይቲ ድምጻዊት ቢዮንሰ ኣብ ግራሚ ኣዋርድ 32 ግዜ ብምዕዋት፡ ኣብ ታሪኽ እቲ ሽልማት ዝበዝሐ ግዜ ዝተዓወተት ብምዃን ክብረ ወሰን ጨቢጣ።
እዛ ድመጻዊት ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ብዝበለጸ ሳዕስዒትን ዝበለጸ ኣልበምን ዝብሉ ኣርባዕተ ሽልማታት ድሕሪ ምሽላማ’ያ ነዚ ክብረ ወሰን ዝተጐናጸፈት።
በዚ ሎሚ ዓመት ዝረኸበቶ ሽልማት ተሓጊዛ ከኣ ነቲ ብሃንጋርያዊን ብሪጣንያዊን ኣወሃሃዲ ሙዚቃ ጆርጅ ሶልቲ ንልዕሊ 20 ዓመት ተታሒዙ ዝጸንሕ ክብረ ወሰን ክትሰብሮ ክኢላ።
ጆርጅ ሶልቲ ኣብ ግራሚ ኣዋርድስ 31 ግዜ ሽልማት ብምዕታር’ዩ ክብረ ወሰን ሒዙ ጸኒሑ።
ቢዮንሰ ነቲ ሽልማት ኣብ ዝተቐበለትሉ “ስምዒታዊት ንዘይምዃን ይጋደል ኣለኹ፡ በቃ እዛ ሎሚ መዓልቲ ሒዛትለይ ዝመጸት ሽልማት ጥራይ ከስተማቕር” ኢላ።
ቢዮንሰ ንመላእ ስድራኣ ብምምስጋን ብፍሉይ ነቲ ገና ተፈላጥነት ከይረኸበት እንከላ ከይተሓለለ ዝሕግዛ ዝነበረ ሕጂ ብህይወት ዘየለ ኣኮኣ ጆኒ ኣመስጊናቶ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቢዮንሰ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ዝበለጸት ኣልበም ናይዚ ዓመት ክትሽለም እንከላ፡ በታ ‘ብሬክ ማይ ሶል’ እንትብል ንጽል ደርፋ ከኣ ዝበለጸት ደርፊ ናይዚ ዓመት ብዝብል ሽልማታት ክተሓፍስ ክኢላ።
ቢዮንሰ ብሓፈሻ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ግራሚ ኣዋርድ ኣርባዕተ ሽልማታት ክትሓፍስ እንከላ፡ ነተን ቀዳሞት ክልተ ሽልማታት ግን ናብቲ ኣዳራሽ ኣብ ምምጻእ እንከላ ኣብ ማእከል ሎስ ኣንጀለስ ብጻዕቂ ትራፊክ መንገዲ ስለዝተዓገተት ነተን ሽልማት ከተርክበለን ኣይክኣለትን።
ነቲ መደብ ዝመርሖ ዝነበረ ትረቮር ኖሃ፡ ቢዮንሰ ብሰንኪ ጻዕቒ ትራፊክ ደንጒያ ድሕሪ ምምጻእ፡ ብዋዛ ኣሰንዩ “ትራፊክ ንዓኺ’ውን ደው ዘብል ምዃኑ ኣዝየ’የ ተገሪመ፡ ብህዋ በሪርኪ ክትመጽኢ ትጽቢት ነይሩኒ” ኢሉ።
ቢዮንሰ ዋላ’ኳ ኣብ ኣርባዕተ ሽልማታታት እንተተዓወተት ናይዛ ዓመት ተባሃጊት ኣልበም ኣብ እትብል ሽልማት ግን በታ ኣልበማ ክትዕወት ኣይክኣለትን።
ነዛ ሽልማት እዚኣ ሎሚ ዓመት ንመበል ራብዓይ ግዜኣ’ያ ኣከታቲላ ትዕወተላ ዘላ።
ቢዮንሰ ፈላሚ ሽልማት ግራሚ ኣዋርድ ኣብ 2001 ምስ ኣባላት ደስቲ ቻይልድስ እንከላ እያ ተዓዊታ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







