ሓደ ተራ ሰብ 20 ሽሕ ዓመታት ዝገበረ ግድል ስእሊ በዓቲታት ፈቲሑ

ቤን ባኮን

ምንጪ ስእሊ, Durham University/PA

መግለጺ ስእሊ, ቤን ባኮን

ኣብ ለንደን ሓደ ዝኣረገ ስርሓት ዕንጨይቲ ዝእክብ ውልቀሰብ፡ ኣብ እዋን ዘበነ በረድ፡ ሃደንቲ ንምንታይ ኣብ ባዓቲ ይስእሉ ከምዝነበሩን ነቲ ኣሳእል ንምንታይ ይጥቀምሉ ከምዝነበሩን ንምርዳእ ዝሕገዝ ግድል ፈቲሑ።

እዚ ቤን ባኮን ዝተብሃለ ውልቀሰብ ቅድሚ 20 ሽሕ ዓመታት ኣቢሎም ኣብ በዓቲታት ዝስኣሉ ዝነበሩ ኣሳእል ምስ ምልኣትን ምጥፋእን ወርሒ ቀጥታዊ ምትእስሳር ከምዘለዎም ብምግላጽ ንመቁጸሪ ወቅቲ ይጥቀምሉ ምንባሮም ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ ኣብቲ ኣሳእል፡ እንስሳታት ዝራብሕሉ እዋናት ዝፈላሊ ግዜ’ውን ከምዝምልከት እዚ ብቤን ባኮን ዝምራሕ ጉጅለ ዝገበሮ መጽናዕቲ ከረጋግጾ ክኢሉ ኣሎ።

ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ዝተፈላለየ በዓትታት ኣሳእል ናይ ዓሳ፡ ሸውዓት ቀርኑ፡ ኣቡዕርን ካልእን ብተደጋጋሚ’ዩ ዝርከብ።

እንተኾነ ክኢላታት ስነ ኩዕታ፡ ነቲ ኣብ ኣሳእል ዘሎ ነጠብጣብ እንታይ ትርጉም’ዩ ዘለዎ ብምባል ንዓመታት ክመራመሩ ጸኒሖም’ዮም።

ሕጂ ግና ቤን ባኮን ነቶም ነጠብጣባት ትርጉም ረኺብሎም ኣሎ።

ቤን ባኮን ፡ እዞም ቀደም ዘበን እናሃደኑ ዝናበሩ ዝነበሩ ሰፈርቲ በዓቲ “ብኣሳእሎም እንታይ’ዮም ዝብሉ ነይሮም ክንርዳእ ምኽኣልና ሕልሚ ዝመስል ርኽበት’ዩ” ኢሉ።

ኣብ በዓቲ ዝተረኸበ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Henri Breuli/Durham University/PA Wire

መግለጺ ስእሊ, እዚ ስእሊ እዚ ቅድሚ 23 ሽሕ ዓመታት ዝተሰኣለ ኮእኑ ፤ እቶም ሃደንቲ ንእዋን ብነጠብጣብ የመልክቱ ነይሮም

ቤን ባኮን ኣብ ኢንተርነትን ኣብያተ ንባብን ንነዋሕቲ ሰዓታት ብዛዕባ ኣሳእል በዓቲ መጽናዕቲ ብምክያድ “ኣብቶም ኣሳእል ዝደጋገሙ ነጠብጣባት ክረክብ ምስ ጀመርኩ ኣቶኩሮይ ክስሓብ ጀሚሩ” ይብል።

ብምስዓብ ንመጀመርታ ግዜ ነታ ኣብ ብዙሕ ቅብኣታት ዝርኣያ 'Y' ትብል ምልክት ናይ ምውላድ ምልክት ክትከውን ከምእትክል ግምቱ ኣቐሚጡ።

ኣብ በዓቲ ዝተረኸበ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Neanderthal Museum, Mettmann/Durham University/PA

መግለጺ ስእሊ, እዚ ስእሊ እዚ ቅድሚ 30 ሽሕ ዓመታት ዝተሰኣለ'ዩ

ምርምሩ እናኣስፈሖ ምስ ከደ ናብቲ ምርምር የዕርኹቱን ላዕለዎት ምሁራትን ክጽንብር ጀሚሩ።

እቶም ዝዓደሞም ሰባት ምርምሩ ክቅጽል ስለዘተባብዕዎ ከኣ፡ ዋላ’ኳ ንነብሱ ከም ተመራማሪ እንተዘይሓሰባ ምምርማሩ ግን ኣየቋረጸን።

ኣብቲ ስራሕ ሓደ ካብ ዩኒቨርስቲ ደርሃም ሓደ ከኣ ካብ ዩኒቨርስቲ ለንደን ክልተ ፕሮፌሰራት ብምጽንባር፡ ነቲ ምርመር ኣዕሚቑ ክሰርሓሉ ጀሚሩ፡ ብዘካየዶ ዘይሕለል ምርምር ከኣ እቶም ነጠብጣባት ምስ ብርሃን ወርሕን ምስ እዋን ወሊድ እንስሳታት ዝተኣሳሰር ከምዝኾነ ከረጋግጽ ክኢሉ።

ስእሊ ዓሳ ኣብ በዓቲ

ምንጪ ስእሊ, Berenguer, M/Durham University/PA Wire

መግለጺ ስእሊ, ስእሊ ዓሳ ኣብ በዓቲ

እቲ ቤን ባኮን ብጾቱን ዘካየድዎ ምርምር ኣብ መጽሄት ‘ከምብሪጅ ኣርኪዮሎጂካል ጆርናል’ ተሓቲሙ።

ፕሮፌሰር ፓውል ፐቲት፡ ቤን ባኮን ምስ ዓደሞ ሸልል ዘይምባሉ ንነብሱ ዕድለኛ ገይሩ ከምዝሓስባ ገሊጹ።

“እቲ ኣብ እዋን ዘበነ በረድ ኣብ በዓቲታት ብሃዳኖ ዝስኣል ዝነበረ ስእልታት ስሩዕ ዓውደ ኣዋርሕ ዝነበሮን ኣብ ሓደ ወቕቲ ዝህሉ ክስተታት ዝሓቖፈን’ዩ” ኢሉ።

ኣብ በዓቲ ዝተረኸበ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Neanderthal Museum, Mettamann/Durham University/PA

መግለጺ ስእሊ, እዚ ስእሊ ቅድሚ 15 ሽሕ ዓመታት ዝተሰኣለ እዩ

ፕሮፌሰር ፓውል ፐቲት ብምስዓብ “በዚ ምርምር እቶም ኣብ በዓትታት ሉስካስ [ፈረንሳ] ከምኡ ከኣ ኣልታሚራ [ስጳኛ] ዝጸንሑ ናይ በዓቲ ኣሳእል ንግዜ ዝቖጽርሉ ዝነበሩ ኣሳእል ከምዝኾኑ ከነረጋግጽ ክኢልና ኣለና” ኢሉ።

ቤን ባኮን ብወገኑ “ቀዳሞት ወለዶታትን ልዕሊ እቲ ንሕና ንሓስቦ ኩሉ ነገሮም ኣዝዩ ናባና ዝቐረበ’ዩ፡ ዋላ’ኳ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ዝነበሩ ይኹኑ በቲ ሕጂ ትርጉሙ ዝተረድኣና ኣሳእሎም ግን ዝያዳ ናባና ቀሪቦም ኣለዉ” ኢሉ።