ሓማስ ኣብ ዳሕረዋይ እማመ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዝተሰማምዐ ምንጭታት ሓቢሮም

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት መጥቃዕቲ እስራኤል ድሕሪ ምሕያሉ ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ተመዛቢሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ ቀረባ መዓልታት መጥቃዕቲ እስራኤል ድሕሪ ምሕያሉ ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ተመዛቢሎም

ሓማስ ነቲ ብዞባውያን መንጐኛታት ዝቐረበ ዳሕረዋይ እማመ ምቍራጽ ተዅሲ ቓዛን ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ንምፍታሕን ምስ እስራኤል ከም ዝተሰማምዐ፡ ሓደ ምንጪ ናይቲ ዕጡቕ ጕጅለ ፍልስጤም ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ብግብጽን ቐጠርን ዝቐረበ እማመ፡ ልኡኽ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍ ኣብ ሰነ ኣብ ዘቕረቦ ክልተ መድረኻዊ ሓሳብ ዝተመርኰሰ ምዃኑ ይግለጽ።

እዚ ድማ ሓማስ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ናይ 60 መዓልታት ዕርቂ፡ ኣስታት ፍርቂ ካብቶም ክሳዕ ሕጂ ተታሒዞም ዘለዉ 50 እስራኤላውያን ጅሆታት (ኣስታት 20 ብህይወት ከም ዘለዉ ዝእመን) ብኽልተ ጕጅለታት ናጻ ክሰዶም ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ቀዋሚ ተዅሲ ደው ንምባል ድማ ዝርርብ ክግበር ከም ዝኽእል ይግለጽ።

ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር በንያሚን ናታንያሁ፡ "ኵሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ብሓደ ግዜ ምስ ዝፍታሑ" ጥራይ ስምምዕ ከም ዝቕበል ስለ ዝገለጸ፡ እስራኤል እትህቦ ምላሽ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ንጹር ኣይኰነን።

ሓማስ ነቲ ስምምዕ ከም ዘጽደቖ ዝገልጽ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ናታንያሁ ብቐጥታ ርእይቶ'ኳ እንተ ዘይሃበ፡ እቲ ጕጅለ፡ "ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸቕጢ፡" ምህላዉ ከም ዝተገንዘብ ግን ተዛሪቡ።

ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን፡ ካቢነ ምኒስተራት ነቲ ሰራዊት እስራኤል ንኸተማ ቓዛ ንምሓዝ ዝሓንጸጾ መደብ ከጽድቕ ትጽቢት ይግበር። ኣብታ ከተማ መጥቃዕትታት እስራኤል እናሓየለ ብምኻዱ፡ ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ክሃድሙ ተገዲዶም ኣለዉ።

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ሓማስ ዝካየድ ዝነበረ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ሃገሩ መጥቃዕትታታ ከተስፍሕን ንመላእ ቓዛ ክትቈጻጸርን ድሌት ከም ዘለዋ ገሊጹ።

ብሰንበት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ እስራኤላውያን ኣብ ተልኣቪቭ ተኣኪቦም፡ መንግስቶም ምስ ሓማስ ስምምዕ ብምግባር ንዅሎም እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ናብ ዓዶም ኣምጺኡ ኲናት ደው ክብል ክገብር ሓቲቶም።

ነታንያሁ፡ ነቶም ሰልፈኛታት፡ ንዓቕሚ ድርድር ሓማስ ክዓቢ ገይሮም ክብል ከሲሱዎም።

ኵሎም እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ሓራ ምስ ወጽኡን ሓማስ ዕጥቁ ምስ ፈትሐን ጥራይ እዩ እቲ ኲናት ዝውዳእ ኢሉ። ብተወሳኺ፡ ቓዛ ካብ ወተሃደራት ናጻ ክትከውን፡ ኣብ ትሕቲ ጸጥታዊ ቍጽጽር እስራኤል ክትጸንሕን ምስ ሓማስ ወይ ምምሕዳር ፍልስጤም ብዘይተኣሳሰር ምምሕዳር ክትምራሕን ከም ዝደሊ ገሊጹ።

ሓማስ ብወገኑ፡ ነቶም ሒዙዎም ዘሎ ጅሆታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ብዝርከቡ ፍልስጤማውያን እሱራት ክቕየሩ ዝገብር ኵለመዳያዊ ስምምዕ ክካየድ፡ እቲ ኲናት ደው ክብልን ሓይልታት እስራኤል ካብ ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ክወጽኡን ጸዊዑ። ናጻ ሃገረ ፍልስጤም ከይተፈጥረት ድማ ዕጥቁ ከም ዘይፈትሕ ይገልጽ።

ሰራዊት እስራኤል ብ7 ጥቕምቲ 2023 ብሕማስ ድሕሪ ዝተኻየደ በርቃዊ መጥቃዕቲ፡ ከም መልሰ-ተግባር ምሉእ ወተሃደራዊ ስርሒት ጀሚሩ። ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ 1,200 ሰባት ክቕተሉ ከለዉ፡ 251 ጅሆታት ድማ ተወሲዶም።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 62,000 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና እታ ግዝኣት ሓቢሩ።